2010-06-05 14:53:30

በዓለ ቅዱስ ቁርባን


ዝሓለፈ ሓሙስ ዕለት 3 ግንቦት 2010 ዓ.ም. ኣብ ቫቲካን በዓለ ቅዱስ ቁርባን ከምዝበዓለ እንክንገር፣ ጽባሕ ሰንበት ኣብ መላእ ካቶሊክ ኣቢያተ ክርስትያን ክብዕል ምዃኑ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ይሕብር።

እቲ ኣብ ቫቲካን ኣብ ቅዱስ ዮሓንስ ዘ ላተራኖ ባሲሊካ ንበዓለ RealAudioMP3 ቅዱስ ቁርባን ዝቐረበ መሥዋዕተ ቅዳሴ ዝሠርዑን፣ ነቲ ካብ ቅዱስ ዮሓንስ ዘ ላተራኖ ተበጊሱ ኣብ ሳንታ ማሪያ ማጆረ ባሲሊካ ዝፍጸም ብቅዱስ ቁርባን ዝተመርሔ መንፈሳዊ ዑደት ዝመርሑ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ኣብ ዘስምዕዎ ስብከት፣ ኣብ ሓድሽ ኪዳን ዘሎ ኣብ መንጎ ክህነትን ቅዱስ ቁርባንን ዘሎ ጽኑዕ ርክብ ብምትንታን፣ ዓለም መታን ብፍቕሪ እግዚኣብሔር ክልወጥ ቤተ ክርስትያን በቲ ካብ ክርስቶስ ሊቃነ ካህናት ዝወረሰቶ ብጥምቀትን ብምሥጢረ ክህነት እትገልጾ ኣብ ታሪኽ ክናዋሕ ትገብሮ፣ ዓለምና ብፍቕሪ ዝልውጥ መለኮታዊ ኃይሊ ክህነታዊ ክርስቶስ ትነብር ከምዝበሉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ይሕብር።

በቲ ናይ ኣይሁድ ልምዲ መሠረት ኢየሱስ ካህን ከምዘይኮነን ከም ነቢይ ጥራሕ እምበር ኣብ ምስቲ ናይ ጥንቲ ናይ ካህናት ማኅበር ዘይቁጸር ምዃኑን ኣረዲኦም፣ ካብ መናድቕ እየሩሳሌም ወጻኢ ኣብ መስቀል ዕንጸይቲ ተሰቒሉ ንኽመውት ዝተቐበሎ ናይ ሞት ፍርዲ፣ ብሓቂ ኣብቲ እዋን ናይ ውርደት ምልክት ኢዩ። እዚ ናይ ኢየሱስ ክርስቶስ መሥዋዕትን ጸሎትን፣ ፍቓድን ድላይን ምስ ናይ ኣቡኡ ፍቓድን ድላይን ውህደቱ ከምዘለዎ ዝምስክር እዩ ኣምበር ባዶ ሥርዓት ምኽባር ማለት ከምዘይኮነን፣ ኣግዚኣብሔር ኣፍቅር ብጻይካ ድማ ኣፍቅር ዝብል ሓድሽ ነቲ ናይ ብሉይ ሕግን ሥርዓትን ዘጠቓልል፣ ካብ መሥዋዕቲ ምቕራብ እዚዩ ዝዓበየ ምዃኑ ዝገልጽ፣ ዘቕረቦ ሓድሽ ርእየት እምነት ኣብ ኣግዚኣብሔር፣ ብሕይወቱ ገሊጽዋ ኢዩ። ከምታ ፍረ ሥርናይ ወዲቓን ሞይታን ብዙኅ ፍረ ከምእተፍሪ፣ በዚ መልክዕ ኢየሱስ ክርስቶስ ሰብኣውነትና ናቱ ገይሩ ኣተንስእዎ ኢዩ። እዚ ድማ ክርስቶሳዊ ክህነት ማለት ኢዩ ኢሎም፣ ክርስቶስ ብመሠረት ሕጊ ዘይኮነስ ብሞቱን ትንሳኤኡን ኢዩ ካህን ዝኾነ፣ ክርስቶስ ሥርዓት መሥዋዕቲ ዘይኮነስ ገዛእ ርእሱ መሥዋዕቲ ገይሩ ኢዩ ዘቕረበ፣ ቅዱስ ቁርባን ድማ ኢዩ። ከምዝበሉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።







All the contents on this site are copyrighted ©.