2010-06-05 14:50:49

ሓዋርያዊ እምነት

 


ቅ.ኣ.ር.ሊጳ. ኣብቲ ትማሊ ኣብ ቆጵሮስ ዝጀመርዎ ሓዋርያዊ ምብጻሕ መደብ መሠረት፣ ሎሚ ቐዳም ብናይ ቆጵሮስ ሰዓት አቆጻጽራ፣ ልክዕ ሰዓት ንሰዓት 11 ርብዒ ጎደል ኣብ ናይ ቅዱስ ማሮን ቀዳማይ ደረጃ ቤትምህርቲ ኣብ ዝርከብ ናይ ስፖርት ሜዳ ምስ ናይ ቆጵሮስ ማኅበርሰብ ካቶሊካክ ከምእተራኸቡ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ይሕብር። RealAudioMP3 ቅዱስነቶም መሪሕ ቃል ቅድሚ ምሃቦት ኣብ ቆጵሮስ ብናይ ማሮኒታ ስርዓት እትኽተል ካቶሊክ ቤተ ክርስትያን ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ዩሰፍ ሱየፍ፣ ናይ እንቃዕ ደሓን መጻእኩም መልእኽቲ ከምዘቕረበሎምን፣ ቀጺሉ ሥርዓተ ቅዳሴ ኣብ ውንጌል ዮሓንስ ምዕራፍ 12 ካብ ፍቕዲ 23 ክሳብ 30 ተመርኵይዙ ከእምተኻየደ እንክንገር፣ ድሕሪ ፍጻሜ ሥርዓተ ቅዳሴ ቅዱስ ኣቦና ነቶም መሪሕ ቃሎም ንምስማዕ ንዝተረኽቡ፣ ክቡራት ብኽርስቶስ ኣሕዋትን ኣኃትን ቢሎም፣ ሎሚ ኣብ ቅድሜዅም ክርከብ ንዓይ ዓቢ ሓጎስ ኢዩ ቢሎም፣ ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ሱየፍ ንዘቕረብሎም ናይ ኣክብሮት ቃላት ኣመስጊኖም፣ ኣብኡ ንዝተረኽቡ ናይ እየሩሳሌም ናይ ላቲን ሥርዓት እትኽተል ካቶሊክ ቤተ ክርስትያን ፓትሪያርክ ብፁዕ አቡነ ፉኣድ ትዋልን ኣብ ቅድስቲ መሬት ናይ እንተ ላእለ ኵሉ ቤተ ክርስትያን ቅዱሳት ሥፍራን ንብረትን ኣመሓዳሪ ኣባ ፒዛባላን ኣመስጊኖም።

ናይ ሮማ ጳጳስ ኣብ ቆጵሮስ ከምቲ ኣብ ግብረ ሓዋርያት ምዕራፍ 4 ፍቕዲ 32 “እቶም ዝኣምኑ ዅላቶም ሓደ ልብን ሓደ ሓሳብን ነብሩ….” ዝብል ጠቒሶም ኣብ ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ዘለኩም እምነት ንምጽናዕን ኣብ ሓዋርያዊ ባህልን ልምድን ሓደ ልብን ሓደ ሓሳብን ኮይንኵክ ክትነብሩ ከበራትዓኩም መጽኤ ኣለዅ ቢሎም፣ ከም ተኸታሊ ጴጥሮስ ፍቕረይን ደገፈይን ጸሎተይን ከረጋግጸልኩም እነሆ ሎሚ ኣብ ቅድሜዅም እርከብ ኢሎም።

ከምቲ ኣብ ወንጌል ዮሓንስ ምዕራፍ 12 ፍቕዲ 21 ናይ ክርስቶስ ዘደንቕ ተኣምራት ዝሰምዑ ኣቡኡ ተረኺቦም ንሓዋርያ ፊሊጶስ “ንኢየሱስ ክንርእዮ ንደሊ ኣሎና” ቢሎም ይነግርዎ፣ እዘን ቃላት ንናይ ኩላትና ልቢ ዝትንክፋ ኢየን፣ እምበር ኣንሕና እውን ብሓደ ልብን ሓደ ሓሳብን ንኢየሱስ ክንፈልጦን ከነፍቅሮን ከነገልግሎን መታን ክንርእዮ ንደሊ ኣሎና፣ ከምቲ ካብ ሰማይ ዝወረደ ናይ እግዚኣብሔር ክቡር ስም ዝመስከረ ድምጺ፣ ቤተ ክርስትያን እተበሥሮ ስም ኣምላኽ ንውልቃዊ ረብሓኣ ዘይኮነስ፣ ንረብሓ መላእ ፍጥረት ሰብ ዝሓቀነ ኢዩ። እዚ ድማ ከምቲ ኢየሱስ ኣብ ወንጌል ዮሓንስ ምዕራፍ 12 ፍቕዲ 30 ዘሎ “…እዚ ድምፂ እዚ ምእንታኻትኩም እምበር ምእንታይ ኣይኮነን ዝመጸ” ዝብላ ቃላት ጠቒሶም፣ ንስኻትኩም ናይ ቆጵሮስ ማኅበረ ክርስትያን ድምጽዅም ተግባርኩም ኣተሓባቢርኵም እምነትኩም ንኽትነብሩ ዝተጸዋዕኹም ኢዅም፣ ባህልኹም ኣብቲ ናይ ቤተ ክርስትያን ኩላዊ ወርሻ ዝኾነ ኣብ ወንጌላዊ ክብሪ መሥረት ዘለዎ ኢዩ። እዚ ድማ ወትሩ ሰላምን ፍትሕን ምክብባርን ንምንቕቓሕ ዝድርኸኩም ክኸውን ኣለዎ ኢሎም።

ቀጺሎም ናይ ቤተ ክርስትያን ሕይወትን ተልእኾን ምስ ካልኦት ዝተፈላለዩ ማኅበረ ክርስትያን ኣብ ፍቕሪ ዝቖመ ሓድነት ንምርግጋጽ ምስ ዘይክርስትያን ካልኦት ሃይማኖታት ድማ ዘተ ንምርግጋጽ ኢዩ። ኣብቲ ንሓድነት ኣቢያተ ክርስትያን ዝግበር ጻዕሪ፣ ናይ እንተ ላእለ ኵሉ ቤተ ክርስትያን ኣስተዋጽኦ ብምትንታን፣ ኣብ ዮሓንስ ወንጌል ምዕራፍ 17 ፍቕዲ 21 ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ መንጎ ኣቡኡን ንሱን ዘሎ ሓድነት፣ መሠረት ሓድነት ደቀ መዛሙርቱ ክኸውን ከምዝጸለየ ዘኪሮም፣ ኣብ መንጎ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስትያን ሓድነትን፣ ነባሪ ዝኾነ ናይ ኣሕዛብ ውህደትን መታን ክረጋገጽ፣ ምስ ካልኦት ሃይማኖታትን ኣብ መንጎ ፖለቲካን ባህልታትን ከባብን ዘተ ክህሉ ኣብ ዝግበር ጻዕሪ፣ ካቶሊክ ማኅበርሰብ ቆጵሮስ ዓቢ ግደ ኣለዎ ኢሎም ኣብዚ ቅዱስ ዕላማ ክተግህ ድማ ምዒዶም።

ኣብ መንጎ ኣብተን ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝርከባ ናይ ካቶሊክ ኣቢያተ ክርስትያን ዘሎ ሓድነት ኣረዲኦም፣ እቲ ናብ ፍጻሜ ዝቃረብ ዘሎ ዓመት ክህነት ዘኪሮም፣ ቅዱሳትን ብሩኻትን ዓሚዩቕን ግቡእን ናይ ምቅርራብ ሕንጸት ዝረኸቡ ካህናትን ገዳማውያንን ክበዝሑ ክጽለይ ሓደራ ቢሎም፣ ከምቲ ወንጌል ዮሓንስ ምዕራፍ 12 ፍቕዲ 25 ዝብሎ “እቲ ንሕይወቱ ዚፈትዋ ኬጥፍኣ ኢዩ። እቲ ንሕይወቱ ኣብዛ ዓለም እዚኣ ዚጸልኣ ግና ንዘለዓለም ሕይወት ኪሕልዋ ኢዩ።” እምበኣር በዘን ቃላት መሠረት ወለዲ ደቃቶም ንጸዋዕታ ከተባብዑን ጸዋዕታ ደቆም ክድግፉን ለጋሳት ክኾኑን ካህናት ንመንእሰያት ክሕብሕቡን ኣብነት ክኾኑን ኣብ እምነት ክሓንጹን ሓደራ ቢሎም፣ በዚ ኣጋጣሚ ኣብ ቆጵሮስ ናይ ካቶሊክ ኣባይቲ ትምህርቲ ዘገልግሉ መምሃራንን ኣባላት ምምሕዳርን ኣመስጊኖም፣ ሕንጸት መሠረት ብሩህ ተስፋ ኢዩ። ኣብ ዕለታዊ ሥራሕኵም ኣምላኽ ይባርኽኵም ጸጋኡ የብዛሓልኵም ኢሎም። ቅጺሎም ንካቶሊካውያን መንሰያት ቆጵሮስ ኣብ እምነትኩም ጽኑዓት እግዚኣብሔር ኣብ ምግልጋል ሕጉሳትን ኣብዛ ሃገር ናይ ቤተ ክርስትያን መጻኢ ዝበለጸ ክኸውን ኣብዚ ተልእኾ ግዜዅምን ክእለትኵም ብልግስና ከተወፍዩ ብምትብባዕ ሓደራ እብል። ንዅሎም ኅልዮት እግዚእትነ ማርያምን ኣማላድነት ቅዱሳት ፓውሎስን ባርናባስን ተማሕጺኖም፣ ናይታ ቤትምህርቲ ተመሃሮ ሕፃናት ዘቕረብሎም ሥነ ጥበባዊ ምርኢት ተኸታቲሎም፣ ምስ ምእመናን ናይ ገጸ በረከት ምልዋጥ ድሕሪ ምፍጻም፣ መንፈሳዊ መዛሙር ቀሪቡን ናይ መዕጸዊ ናይ ጸሎት ሥነ ሥርዓት ተኻይዱን፣ ቅዱስ ኣቦና ቡራኬኦም ድሕሪ ምሃብ እቲ ዝተካየደ ርክብ ከምእተዛዘመ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ኣመልኪቱ።








All the contents on this site are copyrighted ©.