2010-06-05 16:30:33

ሐዋርያዊ ዑደት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ አብ ደሴት ቆጵሮስ፡




ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲቶስ መበል ዓሰርተ ሹዱሽተ ትማሊ አብ ቆጵሮስ ዝጅመረዎ ሓዋርያዊ ዑደት ብጽቡቅ አገባብ ይቅጽል ከም ዘሎ ምስ ቅዱስ አባና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ ዝተጓዕዙ መራኸቢ ብዙኀን ቫቲካን አመልኪቶም።

ቅድስነቶም ትማሊ ድሕሪ ቀትሪ ሰዓት ክልተ አብ ምዕራባዊት ከተማ ቆጵሮስ ከተማ ፓፎስ ከም ዝአተዉን ናይ ሃይሞኖትን መንግስትን ላዕሎዎት ሰበስልጣናት ድሙቅ አቀባበል ከም ዝገበሩሎምን ዝዝከር ኢዩ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ ደሴት ቆጵሮስ ክበጽሑ ናይ መጀመርያ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ከም ዝኾኑ ዝዝከር ኢዩ ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ፡ ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ ትማሊ አጋ ምሰት አብ ፖፎስ ናብቲ ዕስራን ሐሙሽተን ኪሎ ሜትር ርሒቁ ዝርከብ ቤተክርስትያን ኪርያኪ ክርይሶፖሊቲሳ ተጓዒዞም ብብሕቲ ከም ዝጸለዩ ይምልከት።

እዚ ቤተክርስትያን እዚ ቤተ አምልኾ ኦርቶዶክስ ቤተክርትያን ከም ዝኾነ ክምለከት ከሎ ፡ ንካቶሊካውያንን አንገሊካውያንን ምእመናን ክፉት ከም ዝኾነ ተገሊፁ።

ብድሕሪ’ዚ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ አብ ፖፎስ ምስ ናይ ሃይማኖትን መንግስትን ሰበስልጣናት ተሰናቢቶም ካብ ፖፎስ ብመኪና ሚእትን ሰብዓን ኪሎሜትር ተጋዒዞም ርእሰ ከተማ ኒቆሲያ ከም ዝአተዉ ክፍለጥ ከሎ ፡ አብቲ አብኡ ዝርከብ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ወኪል አዳራሽ ሥርዓተ ድራር ከም ዝተፈጸመን አብኡ ከም ዝሐደሩን ተፈሊጡ አሎ።

በቶም ምስ ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ ንቆጵሮስ ዝተጋዕዙ መራኸቢ ብዙኀን ዝልአኽዎ ዜና መሠረት ፡ ቅድስነቶም ሎሚ ንግሆ ቀዳም ሐሙሽተ ሰነ አብቲ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ወኪል አዳራሽ ዝርከብ ንእስቶ ቤተ ጸሎት ብብሕቲ ቀዲሶም ።

ብድሕሪኡ ብናይ ኒቆሲያ ሰዓት አቁጻጸራ ሰዓት ትሽዓተን ርብዒን ምስ ናይ ቆጵሮስ መራሕ መንግስቲ ምስ ፕረሲዳንት ዲሚትሪስ ክሪስቶፍያስ ክርኸቡ ንቤተ መንግስቲ ተጓዒዞም።

አብቲ ቅድሚ አዳራሽ ቤተ መንግስቲ ዝርከብ ሐወልቲ ሊቀ ጳጳስ መርቆርዮስ ሕቁፍቲ ዕንባባ አቀሚጦም።

ሊቀ ጳጳስ መርቆርዮስ በ1950 ናይ ቆጵሮስ ኦርቶዶክስ ቤተክርስትያን ሊቀ ጳጳስ ካብ 1960 ክሳዕ ግዜ ዕረፍቶም ናይ ቆፕሮስ ፕረሲደንት ዝነበሩ አብታ ደሴት ዓቢ መንፈሳውን ፖሊቲካውን ጊደ ዝነበሮም ከም ዝኾኙ ተፈሊጡ አሎ ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ፡ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳትን ናይ ቆጵሮስ መራሕ መንግስቲ ፕረሲደንት ዲሚትሪስ ክሪስቶፍያስን አብ ቤት ጽሕፈት ፕረሲደንት ሐሳብ ንሐሳብ ተለዋዊጦም።

ድሕሪ’ቲ ርክብ ገጸ በረከት ከም ዝተለዋወጡ ድሕሪ’ቲ ሥርዓት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ ምስ መንግስቲ ላዕሎዎት ሰበ ሥልጣናትን ናይ ዲፖሎምሲ ሰባትን ከም ዝተራኸቡ ይምልከት።

ደሴት ቆጵሮስ ብ1974 ሰሜንን ደቡብን ተባሂላ አብ ክልተ ከም ዝተኸፍለት ክዝከር ከሎ ሰሜናዊ ቆጵሮስ ብቱርኪ ከም ዝውነን ዝዝከር ኢዩ።

አብ ኒቆሲያ ክፍሊ ግሪኽ አብዚ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዝርከብሉ ክልተ ሚእትን ዕስራን አርባዕተን ሺሕ ህዝቢ ከም ዝነብር ክምልከት ከሎ ፡ ኒቆሲያ ክፍሊ ቱርኪ ሰማንያን ሐሙሽተን ሺሕ ህዝቢ ከም ዝነብር ይፍለጥ።

ቆጵሮስ ክፍሊ ግሪኽ አባል ሕብረት ኤውሮጳ ከም ዝኾነት ክዝከር ከሎ ንሕድነት ቆጵሮስ ብሕብረት ኤውሮጳን ባይቶ ሕቡራት ሀገራትን ዝተኻየደ ሽምግልና ክሳዕ ሕጂ ጽቡቅ ውጽኢት ከም ዘይረኸበ ዝዝከር ኢዩ። በዚ ግዜ’ዚ ብዙሐት ማኅበረ ሰባት ክዘናበሉ ከም ዝተገደዱ ዝዝከር ኢዩ። እዚ ካልእ ፖሊቲካዊ ታሪኽ ደሴት ቆጵሮስ ኮይኑ ፡

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ መበል ዓሰርተ ሽዱሽተ ፡ አብ ቤተ መንግስቲ ኒቆሲያ ካብ ፕረሲደንት ዲሚትሪስ ክሪስቶፍያንስ በዓለቲ ቤተምን ምስ ናይ መንግስትን ዲፕሎማሲን ሰበስልጣናት ተሰናቢቶም ፡ ሐሙሽተ ኪሎሜትር ተጓዒዞም ቤት ትምህርቲ ቀዳማይ ደረጃ ቅዱስ ማሮን ከም ዝበጽሑ አብኡ ዝርከቡ መራኸቢ ብዙኀን ቫቲካን አረዲኦም።

እዚ ቅዱስ ማሮን ዝጽዋዕ ካቶሊካዊ ተቅዋም’ዚ በ1974 ወተሀደራት ቱርኪ ሰሜናዊ ቆጵሮስ ብሐይሊ ምስ ሐዝዎ ንደቡባዊ ቆጵሮስ ዝግዓዘ ተቅዋም ከም ዝኾነ ይፍለጥ።



ዝኾነ ኾይኑ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሎሚ ረፍዲ አብ ቤት ትምህርቲ ቅዱስ ማሮን ምስ በጽሑ፡ አርመን ማሮናዊ ላቲንን ካቶሊካውያን ማኅበረ ሰባት ሐጎስ ዝመልኦን ድሙቅን አቀባብላ ጌሮምሎም ። አብ ደሴት ቆጵሮስ ሸውዓተ ሺሕ ካቶሊካውያን ከም ዝነብሩ ዝዝከር ኢዩ።

ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ ምስቶም ካቶሊካውያን ማኅበረ ሰባት ብቋንቋታት እንግሊዝን ግሪክን ብሐባር ከም ዝጸለዩ አብኡ ዝርከቡ ወኪላት መራኸቢ ብዙኀን ራድዮ ቫቲካን ሐበሬታ ሂቦም።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ ምስቶም አብቲ ቤት ትምህርት ዝጽበይዎም ዝነበሩ ሕጻናት ከም ዝተራኸቡ ፡እቶም መራኸቢ ብዙኀን አመልኪቶም አብቲ ርክብ ክልተ ሺሕ ካቶሊካውያን ከም ዝነበሩ ካብ ሕቡራት መንግስታት አመሪካ ካብ ካናዳ ካብ መኽሲኮ ዓሰርተ ሸውዓተ ማሮናውያን ጳጳሳት ከም ዝተረኽቡ አፍሊጦም።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ ምስ ካቶሊካዊ ማኅበ ረሰብ ቆጵሮስ ብጸሎት መንፈሳዊ መዝሙራትን ተፋንዮም ሎሚ ፍርቂ መዓለቲ ንቤተ ጵጵስና ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስትያን ቆጵሮስ ተጓዒዞም ምስ ሊቀ ጳጳስ ክሪስቶሞስ ካልአይ ከም ዝተራኸቡ ተፈሊጡ አሎ።

ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስትያን ቆጵሮስ ካብ 1948 አባል ዓለም ለኸ ቤት ምኽሪ አብያተ ክርስትያናት ከም ዝኾነት ዝዝከር ኢዩ ። ናይ ምብራቃውያን አብያተ ክርስትያናት ቤት ምኽሪ ቤት ጽሕፈት አብ ቆጵሮስ ከም ዝርከብ ዝዝከር ኢዩ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስን ናይ ቆጵሮስ ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስትያን ሊቀ ጳጳስ ክሪስቶሞስን ብብሕቲ ከም ዝተዘራረቡ እቶም መራኸቢ ብዙኀን አረዲኦም።

ሊቀ ጳጳስ ክሪስቶሞስ ካልአይ ንርእሰ ሊቃነ ጳጳስ ምስ ተከተልቶም ሎሚ ብናይ ቆጵሮስ ሰዓት አቆጻጸር ሰዓት ሐደን ፍረቃን ናይ ምሳሕ ዕድመ ከም ዝገበሩሎም ክአ አተሐሒዞም አመልኪቶም።

ቅድሚ ሐደ ሰዓት ክአ አብቲ አብ ኒቆሲያ ዝርከብ ቤተክርስትያን ቅዱስ መስቀል ፡ ብብዙሐት ካርዲናላት ጳጳሳትን ካህናት ተዓጂቦም ብዙሀ ምእመናን አብ ዝተረኽብሉ መሥዋዕተ ቅዳሴ ከም ዘዕረጉ ተፈሊጡ አሎ ።

በዚ ክአ ናይ’ዚ ዕለት’ዚ ፍጻሜ ሐዋርያዊ ዑደቶም ፍጻሜ ኮይኑ ።

ጽባሕ ሽዱሽተ ሰነ ቅድሚ ቀትሪ አብታ ከተማ ዝርከብ አዳራሽ ስፖርት መሥዋዕተ ቅዳሴ ከም ዘዕርጉ ክምልከት ከሎ ፡ ፍርቂ መዓልቲ ምስ ምእመናን ሐቢሮም መልአከ እግዚአብሔር ጸሎት ብቋንቋ ግሪኽ ከም ዝደግሙ ትፈሊጡ አሎ ።

ድሕር ምሳሕ ምስ ናይ ማእከላይ ምብራቅ ጳጳሳት ከም ዝራኸቡን Instrumentum Laboris ናይ ምግባረ ስራሕ ሰነድ ከም ዘረክብዎምን ተፈሊጡ አሎ።

ብድሕሪኡ ናብቲ አብ ኒቆሲያ ዝርከብ ቤተክርስትያን ወላዲተ አምላኽ ቤተክርስትያን ተጓዒዞም ሥርዓተ ጸሎት ደጊሞም ፡ ምስ ናይ ሃይማኖት ብፁዓን አበውን ናይ መንግስቲ ሰበስልጣናትን ተፋንዮም ብናይ ቆጵሮስ ሰዓት አቆጻጸራ ሰዓት ሐሙሽተ ንሀገራት ሐቆፍ መዕረፍ ነፈርቲ ላርናኻ ክጓዕዙ ኢዮም ።

ምሸት ሰዓት ሾሞንተን አባዓን ሐሙሽተን ክአ ንሐዋርያ መንበሮም ንቫቲካን ከም ዝምለሱ ናይ ቆጵሮስ ሐዋርያዊ ዑደቶም የረድእ ።








All the contents on this site are copyrighted ©.