2010-06-03 14:24:52

ተስፋ ምሕዳስን ፍትሒ ምንዳይን


ናይ ደቡብን ሰሜንን ኣሜሪካ ብፁዓን ጳጳሳት ናይ ሓባር ጉባኤ ቅድሚ ትማሊ ዝጀመሮ ብዛዕባ ስደተይናታት ዘተኮረ ኣኼባ ክሳብ ጽባሕ ክቕጽል ምዃኑ እንክሕበር፣ ኣብዚ ኣብ ዋሽንግቶን ተስፋ ምሕዳስን ፍትሒ ምንዳይን ብዝብል ኣርእስቲ ተመሪሑ ዝካየድ ዘሎ ናይ ብፁዓን ጳጳሳት ጉባኤ፣ ናይ ስደተይናታትን ገያሾን ሓዋርያዊ ኃልዮ RealAudioMP3 ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ሊቀ መንበር ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ኣንቶኒዮ ማርያ ቨሊዮ ይሳተፉ ከምዘለዉ ክንገር እንከሎ፣ ብፁዕነቶም ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ፣ ስደተይናታትን ናይ ፖለቲካ ዕቕባ ሓተትን ብናይ ገበን ጉጅለታት ካብ ቦታ ናብ ቦታ ዝተሳገሩ ስደተይናታት ካበይን ብኸመይ መገድን ይምጽኡ ብዘየገድስ ቅድም ቀዳድም ሰባት ኢያቶም፣ ብዝተፈላለዩ ማሕበራውን ኤኮኖሚያውን ፖለቲካውን ሃይማኖታዊ ጸቕጥን ሽግራትን ቤቶምን ዓዶምን ስድራ ቤቶም ሓዶጎም ሕይወቶም ነኸድሕኑን ብሉጽ መነባብሮ ከናድዩ ቢሎም ዝስደዱ ኢዩም። ኣብ ሕቡራት መንግሥታት ኣሜሪካ 38 ሽሕ ሕጋውነት ዝለበሱን 12 ሚሊዮን ድማ ዘይሕጋውያን ስደተይናታት ከምዘለዉ ብፁዕነቶም ሓቢሮም፣ ስደት ናይ ዝኾነ ይዅን ዘመን ኅብረሰብ ተረእዮ ምዃኑ ድማ ኣረዲኦም፣ ነዞም ስደተይናታት ኣሕዋት ድሕሪኦም ሓዲገምዎ ዝኸዱ ምኽንያት ስደቶም ፖሊቲካውን ማሕበራውን ኤኮኖሚያውን ውልቃውን ኩነታቶም ቀሪብካ ብብርሃን ቃል ኣግዚኣብሔር ምርኣይን፣ ነቲ ካብ ሓገሮም ዘንቐሎም ምኽንያት በዚ ቅዱስ ቃል’ዚ ብምርኣይ ካብዚ ዝነቐለ ሓዋርያዊ ሓልዮት ምቕራብ የድሊ ኢሎም።

ናይቶም ስደተይናታት ዝምልከትን ንኣኦም ዝቐርብ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ መብዛሕቲኡ ጊዜ ዳርጋ ብጠቕላላ ክበሃል ይከኣል፣ ኣብዚ መዳይ ተዋፊሮም ዘገግሉ እንተድኣ ርኢና ወጻእተይናታት ካህናት ኢዮም፣ ስደተይናታትን ብቐሊሉ ብናይ ደቂ ሃገሮም ካህናት ምድጋፍ ዝከኣል ኢዩ፣ እንተ ኾነ ግን እቲ ንስደተይናታት ዝምልከት ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ናይ ጳጳሳዊ ናይ ስደተይናታትን ገያሾን ጉዳይ ዝሓሊ ቤት ምኽሪ ዝውጽኦ መምርሒ መሠረት ዝገበረ ሰበኻታት ኣብ ዘቕርበኦ መደብ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ዝጠቓለል ክኸውን ኣለዎ ኢሎም።

ስደተይናታት ብቐሊሉ ኣብ ሥራሕ ዓለም ከምዝምዝመዙን ምስቲ ኣብቲ ብስደት ኣብ ዝነብርሉ ሓገር ዘሎ ናይ ሠራሕተይና ጉዳይ ዝኸታተል መምርሒ ዘቕርቦ ሓለዋ ከምዝይረኽቡን፣ ኣደዳ ኣድልዎ ኮይኖም ከምዝርከቡ ዓለም ሓቆፍ ናይ ሥራሕ ጉዳይ ዝከታተል ማኅበር ዘቕረቦ ጸብጻብ ጠቒሶም፣ መሰልን ፍቓድን ስደተይናታት ክኽበርን ኣብዚ መዳይ ናይ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽርታትን ሰበኻታትን ዓቢ ግደ ኣለዎም ከምዝበሉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ይሕብር።








All the contents on this site are copyrighted ©.