2010-06-03 14:28:00

ምልክት ሃይማኖት ኣብ ማሕበራዊ ጉዳይ


ኣብ ኢጣሊያ ኣባይት ትምህርቲ ናይ እምነት ምልክት ተባሂሉ ዝፍለጥ ቅዱስ መስቀል ኣብ ክፍልታት ከይስቀል ናይ ኤውሮጳ ናይ ሰብኣዊ ጉዳይ ዝከታተል ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ናይ ሓንቲ ኣደ ክሲ ተቐቢሉ ዘተሓላለፎ RealAudioMP3 ውሳኔ ብዙሕ ዘካትዕ ዘሎ ጉዳይ፣ ናይቲ ፍርዲ ቤት ላዕለዋይ ወሳኒ ኣካል ዕለት 30 ሰነ 2010 ዓ.ም. ዳግም ክርእዮን ውሳኔ ክህበሉን ምዃኑ እንክንገር፣ እዚ ጉዳይ እታ ብቐጥታ ዝምልከታ ኢጣሊያ ጥራሕ ዘይኮነት ካልኦት 10 ሃገራት እውን ቤት ፍርዲ ቅድም ክብሉ ዝሃቦ ውሳኔ ከምእተቓወመኦ ተገሉጹ።

እተን 10 ሓገራት ኣርመኒያ ቡልጋሪያ ቀጵሮስ ግሪክን ሊትዋኒያን ማልታን ሞናኮን ሳን ማሪኖን ሮማኒያን ፈደራላዊት ሩሲያን ከምዝኾና ክንገር እንከሎ፣ እዘን ሓገራት ነቲ ውሳኔ ቤት ፍርዲ ኣቤት ዝብል ሕቶኤን ከም ሳልሳይ ቤታዊ ብጽሑፍ ከቕርባ እቲ ቤት ፍርዲ ክሓተን ምዃኑ ተሓቢሩ።

ዕለት 19 ሕዳር 2009 ዓ.ም. ኣውስትሪያ ፖላድን ድማ ዕለት 3 ታሕሳስ 2009 ዓ.ም. ነቲ ናይ ኤውሮጳ ናይ ሰብኣዊ ጉዳይ ዝከታትል ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ውሳኔ፣ ፖለቲካዊ ተቓውሞ ከምዝሃባሉ እንክዝከር፣ ናይ ኤወሮጳ ናይ ሕግን ፍትሕ ጉዳይ ዝከታተል ማእከል ኣመሓዳሪ ግረጎር ፑፒንክ እቲ ፍርድ ቤት ዘተሓላለዎ ውሳኔ ዘይተራእየ ሓድሽ ውሳኔ ኢዩ ከምዝበሉ ዜኒት ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።







All the contents on this site are copyrighted ©.