2010-06-01 15:48:50

ወተሀደራት ንህዝቢ ፍሊስጤም ረዲኤት ዝጽዓነት መርከብ አብ ባሕር ጋዛ አጥቂዖም ፡


ወተሀደራት መንግስቲ እስራኤል ነቲ አብ ጋዛ ሽርጥ ዝነብር ህዝቢ ፍሊስጢኤም ህጹጽ ናይ መግቢ ረዲኤት ዝጽዓነት መርከብ አብ ባሕሪ ጋዛ ከም ዘጥቅዑን ዓሰርተ ትሽዓተ ሰባት ከም ዝቀተሉን ብዙሐት ከም ዝቆሰሉን ክምልከት ከሎ በዚ ተግባር’ዚ እስራኤል ብዓለም ለኸ ደረጃ ከም ዝተኸነነት ይንገር አሎ።

ካብተን ንህዝቢ ጋዛ ረዲኤት ዝጽዓና ሽዱሽተ ናይ ብሕቲ መራኽብ ሐንቲ ናይ ቱርኪ ባንዴራ ዝሰቀለት ብወተሀደራት እስራኤል ከም ዝተጠቅዔት ተፈሊጡ አሎ ።

ቅድስቲ መንበር ብአቀባሊ ቃል አባ ፈድሪኮ ሎምባርዲ መግለጺ ከም ዘውጽኤት ትፈሊጡ አሎ። አባ ፈደሪኮ ሎምባርዲ ከም ዘመልከትዎ ፡ ንኸንቱ ሕይወት ሰባት ምሕላፉ ቅድስቲ መንበር መሪር ሐዘን ከም ዝተሰምዓ ጠቂሶም ነቲ ኩነታት ብቀረባ ተከታተሎ ከም ዘላ ገሊጾም።

ቀጺሎም ከምቲ ዝፍለጥ ቅድስቲ መንበር ናይ ምቅታል ዓመጽ ካብ ዝመጽ ይምጻእ ብጥብቂ ከም ትቃወም ጠቂሶም ሕይወት ሰብ ምጥፍኡ ዘሕዝን አብ ልዕሊ ምኻኑ ከምዚ ዓይነት ተግባር ንሰላማዊ ፍታሕ ዝዕንቅጽ ከም ዝኾነ አመልኪቶም።

ናይ ቅድስቲ መንበር ውሃቢ ቃል አባ ፈደሪኮ ሎምባርዲ አተሐሒዞም ከም ዝመልከትዎ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ ዝመጽእ ዘሎ ዓርቢ አብ ደሴት ቆጵሮስ ሐዋርያዊ ዑደት ከም ዝግበሩ እዘኻኺሮም መልእኽተ ሰላም ንማእከላይ ምብራቅ ከም ዘተሐላልፉ ሐበሬታ ሂቦም።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ፡ እዚ መንግስቲ እስራኤል አብ ልዕሊ ረዲኤት መግቢ ዝጽዓነት መርከብ ዘጥቅዓትሉ ምኽንያት ቅድም ስለዝተጠቃዕኩ ብማለት ከም ዝመለሰት ክምልከት ከሎ ፡ እዚ ግን ካብ ለኻዊ ውግዘት ከድሕና ከም ዘይክአለ ተነጊሩ ።

ናይ ባይቶ ሕቡራት ሀገራት ዋና ጽሐፊ ባን ኪንሙን ዘሰምብድ ፋጻሜ ከም ዝኾነ ጠቂሶም ንተገባር ወተሀደራት እስራኤል ከም ዝኸነንዎ ካብ ኒውዮርክ ዝመጸ ዜና አመልኪቱ።

ዋይት ሀውስ ቤተ መንግስቲ ሕቡራት መንግስታት አመሪካ ሕይወት ሰባት ዝለከመ ዘሕዝን መጥቃዕቲ ዘርእስቱ መግለጺ ከም ዝሀበት ካብ ዋሺንግቶን ተገሊጹ።

እተን ረዲኤት ንህዝቢ ጋዛ ጽዒነን ዝነበራ መራኽብ ናይ መንግስቲ ከም ዘይኮና ክምልከት ከሎ ፡ ካብቶም አብተን መራኽብ ዝነበሩ ዝበዝሑ ዜጋታት ቱርኪ ከም ዝኾኑ ክምልከት ከሎ ናይ መንግስቲ ቱርኪ መራሕ መንግስቲ አብዱላህ ጉል እቲ ፍጻሜ መንግስታዊ ምእታው ራዕዲ ብማለት ከም ዝገለጹን አብ እስራኤ ዝርከቡ አምባሳደር ቱርኪ ንሀገሮም ክምለሱ ከም ዝጸውዑን ቤት ምኽሪ ጸጥታ ባይቶ ህቡራት ሀገራት ብህጹጽ ክእከብን ብዛዕብ’ዚ ፍጻሜ’ዚ ክዝትን ከም ዝጸውዑ ካብ አንካራ ዝመጸ ዜና አመልኪቱ።

ሕብረት ኤውሮጳ ነቲ ብወተሀደራት እስራኤል ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ብጥብቂ ብምኽናን ፡ እስራኤል ነቲ ጉዳይ ዘጻሪ ገለልተኛ ኮሚስዮን ክተቅውም ከም ዝሐተቱ ካብ ብሩሰል ዝመጸ ዜና ሐበሬታ ሂቡ አሎ።

ዓረብ ሊግ ፡ ማሕበር ሃገራት አዕራብ በዚ ጉዳይ’ዚ ክዝቲ ናይተን ሀገራት ናይ ወጻኢ ጉዳያት ሎሚ አብ ካይሮ ክእከቡ ከም ዝጸውዖም ካብ ካይሮ ዝመጸ ዜና አም አልኪቱ አሎ።

አብ ካናዳ ወግዓዊ ምብጻሕ ዘካይዱ ዝነበሩ ናይ እስራኤል ቀዳማይ ሚኒስተር ኔታንያሁ መገሸኦም አቋሪጾም ንእስራኤል ከም ዝተመልሱ ተነጊሩ ።

እዚ አብ ልዕሊ ረዲኤት ንህዝቢ ፍሊስጢኤም ዝጽዓነት መርከብ ብወተሀደራት እስራኤል ዝየኻየደ መጥቃዕቲ ነቲ ብቀደሙ ሰንከልከል ዝብል ዘሎ መስርሕ ሰላም ማእከላይ ምብራቅ መሊሱ ከም ዘግድዶ ናይ ፖሊቲካ በሰላት አሚቶም።








All the contents on this site are copyrighted ©.