2010-06-01 15:05:11

ሰላም ኣብ ቅድስቲ መሬት


ኣብ መንጎ እስራኤልን ፍልስጥኤምን ሰላም ክሰፍን ዓለም ሓቆፍ ናይ ኣቢያተ ክርስትያን ቤት ምኽሪ ንኽካይድ ዝወሰኖ ናይ ጸሎት ሰሙን፣ ቅድሚ ትማሊ ክምእተጀመረ ክንገር እንከሎ፣ እዚ ክሳብ ዕለት 4 ሰነ 2010 ዓ.ም.ፈ. RealAudioMP3 ዝቕጽል መደብ ጸሎት፣ ኩሎም ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ብፍላይ ድማ ኣብ መንጎ እስራኤልን ፍስልጥኤምን ሰላም ክወርድ ኣብ ፍትሒ ተስፋኦም ዘንበሩ ሰብ ጽቡቕ ድላይ ክሳተፉ ናይ መላእ ኣቢያተ ክርስትያን ቤት ምኽሪ ኣብ ዘተሓላለፎ መግለጺ ሓደራ ከምዝበለ፣ ሎ ሶርቫቶረ ሮማኖ እተሰምየ ናይ ቅድስቲ መንበር ዕለታዊ ጋዜታ ኣብ ናይ ትማሊ ሕትመቱ የመልክት።

ምስተን ኣብ ማኣከላይ ምብራቕ ዝርከባ ኣቢያተ ክርስትያን ብመንፈስ ሓቢርካ ምእንቲ ሰላም ዝጽለየሉ ሰሙን ምዃኑ ክንገር እንከሎ፣ ንሰላም ዘተባብዑን ዝሓንጹን መደባት ክነቓቓሕን ጸረ ሰላም ዘበለ ኵሉ ክውገድ ኣብ ፍትሕን ምክብባርን ዝተሓንጸ ሰላም መታን ክረጋገጽ ኹለን ኣቢያተ ክርስትያን ክታመን ዘንበራሉ መልእኽቲ ንፖለቲካ ኣካላትን መራሕትን ከምዝተመሓላለፈ ድማ ሎ ሶርቫቶረ ሮማኖ ሓቢሩ።

እዚ ናይ መላእ ኣቢያተ ክርስትያን ቤት ምኽሪ ካብ 1948 ዓ.ም. ኣቲሒዙ ኣብ መግኖ እስራኤልን ፍልስጥኤምን ኣብ ፍትሕን ምክብባርን ናይ ክልተ ኣሕዛብ ናይ መሰልን ፍቓድን ማዕርነት ዘረጋገጽ ሰላም ምእቲ ክብጻሕ ኣብ ናይ ሰላም መደባት ተዋፊሩ ከምዝርከብ ዕለታዊ ጋዜጣ ቅድስቲ መንበር የዘኻኽር።








All the contents on this site are copyrighted ©.