2010-06-01 15:02:49

መዕጸዊ ወርሒ ማርያም


ግንቦት ኣብ ማርያም ኣማላድነት ዘማእከለ መንፈሳውነት ብትኵረት ዝነበረሉ ወርሒ ምዃኑ ክፍለጥ እንከሎ፣ ነዚ ማርያማዊ ወርሒ ኣብ ኣጸድ ቫቲካን ካብ ቤተ ክርስትያን ቅዱስ ስቲፋኖስ ዘ ኣቢሲኒ ክሳብ ኣብቲ RealAudioMP3 ምስሊ ማርያም ዘ ሉርድ ተነቢርሉ ዘሎ ሥፍራ ብናይ መቑጸሪያ ጸሎት ዝተሰነየ መንፈሳዊ ዕደት ተኻይዱ ከምእተፈጸመ ክንገር እንከሎ፣ ነቲ መደብ ጸሎት ዝመርሑ ናይ ከተማ ቫቲካን ኅየንተ ብፁዕ ካርዲናል ኣንጀሎ ኮማስትሪ ከምዝኾኑ እንክሕበር፣ ቅዱስ ኣቦና ኣብቲ ቦታ ተረኺቦም ብዘቕረብዎ መሪሕ ቃል ከምእተፈጸመ ተሓቢሩ።

ቅዱስ ኣቦና ናይ ቅዱስ ጴጥሮስ ተኸታሊ ኮይኖም ካብ ዝተሓረዩላ ዕለት፣ ናይ ማርያም መንፈሳውነት ብዑምቀት ዝንበረሉ ወርሒ ግንቦት ኣብ መኽፈትን መዕጸውን መሪሕ ቃል ከምዘቕርቡን ክፍለጥ እንከሎ፣ ብፍላይ ድማ ኣብ መዕጸዊ እቲ በዓል ኣብ ወንጌል ተጻሒፉ ዘሎ ማርያም ንቅድስቲ ኤልሳቤጥ ከምዝበጻሓታ ዘመልክት መልእኽቲ ብካልኣይ ናይ ደስታ ምሥጢር ዝፍለጥ ኣገልግሎት ማርያም ብዑምቐት ከምዘረድኡን ክፍለጥ እንከሎ፣ ማርያም ኣደ ኣምላኽ ንኽትከውን ብእግዚኣብሔር ተሓርያን ኣብ ቅዱስ ማሕጸና ኢየሱስ ሓዲሩ ልባ ብደስታ ከምእተመልኤን እዚ ሓጐስ’ዚ ድማ ኣብ ኣገልግሎት ክትጽመድ ከምዝደረኻን ኣብ ታሪኽ ድሕነት ሱታፌ ማርያም እንታይ ምዃኑ ዕለት 31 ግንቦት 2007 ዓ.ም. ብሰፊሕ ከምዘረድኡ ዝዝከር ኢዩ።

ማርያም ነፍሰይ ንእግዚኣብሔር ተዕብዮ ቢላ ጸሎታ ብምጅማር ዕብየት እግዚኣብሔር ምንባር ምንጪ ደስታ ክምዝኾነን፣ ነጻነታ ኣብ ኣገልግሎት እዝግዚኣብሔርን ነቲ ካብ እዚኣብሔር ዘቕርበልካ ጸዋዕታ ካብ ብምንባር ዝርከብ ምዃኑ ነዚ ሓቀይና ነጻነታ ብምዘስተምቓርን ምንባርን ኣብ እግዚኣብሔር ኣሜን ምባል ሓቅይና ነጻነት ምዃኑ ሕይወት ናይ ማርያም ከምዝምስክሮ ዕለት 31 ግንቦት 2008 ዓ.ም ኣብ ዘቕረብዎ ስብከት ከምዘስተምሃሩ ይዝከር።

ናይ መቝጸርያ ጸሎት፣ ወንጌላዊ መሠረት ዘለዎን ታሪኽ ድሕነት ብዓይኒ ሥነ ማርያማዊ መንፈሳውነት ዝስትንተነሉን፣ ናይ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ታሪኽን ተልእኾን ዘረድእ ምስ ማርያም ኣብ ናይ ጎይታና ኢየሱስ ታሪኽ እንጎዓዘሉን ኣብ ቤትናን ቁምስናታትናን ከነቕርቦ ዝግበኣና ጸሎት ኢዩ ኢሎም፣ ማርያም ናይታ ወትሩ እትበርህ ጠሪሻ ዘይትቕህም ናይ እምነት ኣብነት ምዃና ዕለት 31 ግንቦት 2008 ዓ.ም. ከምዘስተምሃሩ ናይ ቅድስቲ መንበር መገልጺ የዘኻኽር።







All the contents on this site are copyrighted ©.