2010-06-01 15:01:41

ሓዋርያዊ በጻሕቲ ቅድስቲ መንበር


ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 በቲ ብሓደ ሓደ ኣባላት ውሉደ ክህነት ዝፈጸምዎ ናይ ወሲብ ዓመጽ ምኽንያት ነቲ ኣብ ኣየር ላንድ ዝተፈጸመ ናይ ወሲብ ዓመጽ ዘጻሪ ሓዋርያዊ በጻሕቲ ቅድስቲ መንበር RealAudioMP3 ክልእዅ ምዃኖም ኣብ ወርሒ መጋቢት 2010 ዓ.ም.ፈ. ናብ ኣየርላንድ ካቶሊክ ቤተ ክርስትያንን ምእመናን ውሉደ ክህነትን ኣብ ዘመሓላለፍዋ ሓዋርያዊ መልእኽቶም ኣመልኪቶም ከምዘበሩ እንክዝከር፣ እቶም ሓዋርያዊ በጻሕቲ ናብ ኣየርላንድ ንኽላኣኹ ቅዱስ ኣቦና ውሳኔ ከምዘተሓላለፉ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ዜናን ክፍሊ ማኅተምን ትማሊ ኣፊሊጡ።

እቶም በጻሕቲ ካብ መስከረም ክሳብ ታሕሳስ ኣብ ዘሎ እዋን ናብ ኣየር ላንድ ክላኣኹ ምዃኖም ብፍላይ ድማ ኣብ ሃገረ ስብከት እርማግን ዱብሊን ካሸልን ኤምልይን ቱኣምን ዘተኮረ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ክኸውን እንከሎ፣ ቀጺሉ ኣብ ካልኦት ሰበኻታት ኣየር ላንድ ክፍጸም ምዃኑ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ዜናን ክፍሊ ማኅተምን መገልጺ ይሕብር።

እቶም ሓዋርያዊ በጻሕቲ ንተመሃሮ ዘረኣ ክህነት ብጀካ ናይ ቲዮሎጊያ ፍልስፍናን ካልእ ዝወሃብ ተወሳኺ ሕንጸት ንምጽራይ ሮማ ኣብ ዝርከብ ጳጳሳዊ ናይ ኣየርላንድ ቤተ ውሉደ ክህነትን ኣብ ናይ ክህነትን ናይ ደናግልን ማኅበራት ኣየርላንድ ምብጻሕ ከካይዱ ምዃኖም እንክንገር፣ ብዛዕባ እዚ ውሳኔ እዚ ኣመልኪቶም ናይ ዱብሊን ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ አቡነ ዲኣርሙይድ ማርቲን ብናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ዜናን ክፍሊ ማኅተምን ኣመሓዳሪ ኣባ ፈደሪኮ ሎምባርዲ ተሰንዮም ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቢሮም እቲ ውሳኔ ቅዱስ ኣቦና ከምዘሐጎሶምን ኣብ ኣየር ላንድ ንእትርከብ ካቶሊክ ቤተ ክርስትያን ዝሕድስ ውሳኔ ኢዩ ኢሎም።

እቶም ብቕዱስ ኣቦና ዝምረጹን ናብ ኣየርላንድ ዝለኣኹ ሓዋርያዊ በጻሕቲ፣ ዓቢይ ተመኩሮ ዘለዎም ናይ ዌስትሚንስተር ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ ካርዲናል ሙርፍይ ኦኮኖር፣ ናይ ቦስቶን ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ ካርዲናል ሲን ፓትሪክ ኦማለይን ናይ ቶሮንቶ ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ ካርዲናል ቶማስ ክሪስቶፈር ኮኒልስን ናይ ኦታዋ ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ተረንሰ ቶማስ ፕረንደርጋስት ከምዝኾኑን፣ ኣብ ቤት ተመሃሮ ዘረኣ ክህነት ሓዋርያዊ ምብጻሕ ዘካይዱ ድማ ናይ ኒው ዮርክ ሊቅ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ቲሞትይ ሚካኤል ዶላን ከምዝኾኑን፣ ኣብ ገዳማት ካህናትን ደናግልን ሓዋርያዊ ምብጻሕ ዘካይዱ ድማ ናይ ረደንቶሪስት ገዳማውያን ማኅበር ጠቕላሊ ሓለቓ ክቡር ኣባ ጆሴፍ ቶቢን ኣብ ኤዲምቡርግ ዝቕመጡ ናይ ሥነ መንፈሳዊ ሊቅ ኢየሱሳዊ ካህን ክቡር ኣባ ገሮ ምክላይግሂንን ናይ ሕገ ቀኖና ሊቅ ኣባል ማኅበር ደናግል ንጹሕ ልበ ዘ ማርያም ኣሜሪካዊት እናቴ ሳሮን ሆላንድን፣ ኣባል ማኅበር ደናግል ኢየሱስን ማርያምን ናይ ሕገ ቀኖና ሊቅ ተወላዲት ኣየር ላንድ እናቴ ማይሪን መዶናግ ከምዝኾና ኣባ ሎምባርዲ ሓቢሮም።

እዚ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ድሕሪ እቲ ብሓደ ሓደ ኣባላት ውሉደ ክህነት ኣየር ላንድ ተፈጺሙ ዝበሃል ናይ ዓመጽ ገበን ምኽንያት ኣብ ዓቢ ፈተና ትርከብ ንዘላ ካቶሊክ ቤተ ክርስትያን ኣብ አርላንድ ግብረ ገባውን መንፈሳውን ምኅዳስ ንምትብባዕን ንምድጋፍን፣ ኣቲ ዝተፈጸመ ናይ ወሲብ ዓመጽ ብቐረባ ንምጽራይን ከምዝኾነ ኣብ ኣሎምባርዲ ሓቢሮም፣ እቶም ሓዋርያዊ በጻሕቲ ነቲ ዝተፈጸመ ገበን ነዘጻሪ ናይ ኣየርላንድ ቤት ፍርዲ ዝትክእ ከምዘይኮነ ኣመልኪቶም፣ እቶም ኣብ ኣቢያተ ትምህርቲ ዘርኣ ክህነት ሓዋርያዊ ምብጻሕ ዘካይዱ ነቲ መደብ ሕንጸት ዘርኣ ክህነት ተመሃሮ ክግምግሙ ከምዝኾኑ ኣባ ሎምባርዲ ሓቢሮም፣ ቅድሚ እቲ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ፍሉይ መልሲ ዝወሃቦም ዝተፈላለዩ ሕቶታት ዝተነበረሉ ሰነድ ናብ ገዳማት ካህናትን ደናግልን ኣየር ላንድ ክልኣኽ ከምዝኾነ ድማ ኣመልኪቶም፣ እቲ መደብ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ንክንደይ መዓልቲ ከምዝካየድ ክፍለጥ እውን ከምዘይከኣል እንክንገር፣ ኣብ ፍጻሜ እቲ ምብጻሕ እቶም ሓዋርያዊ በጻሕቲ ናይቲ ዘካይድዎ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ዝምልከት ፍሉይ ሰነዳት ንቕዱስ ኣቦና ከረክቡን ቅዱስ ኣቦና ምስ ዝምልከቶም ጳጳሳዊ ቤት ምኽርታትን ቅዱሳት ማኅበራትን ምስ ዘተይሉ ኣብ ኣየርላንድ እትርከብ ካቶሊክ ቤተ ክርስትያን ነቲ ዘጋጠማ ሽግራት ብኸመይ ክትገጥሞን ክትሰግሮም ከምዘለዋ መምሪሕ ውሳኔ ከተሓላልፉ ምዃኖም ኣባ ሎምባርዲ ሓቢሮም ዝሃብዎ መግለጺ ዛዘሙ።








All the contents on this site are copyrighted ©.