Home Archivio
2010-05-29 12:47:15
ናይ ኢጣሊያ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ
ኣብ ቫቲካን ካብ ዝሓለፈ ሰኑይ ኣትሒዙ ክካየድ ዝቐነየ ናይ ኢጣሊያ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ መበል 61 ሓፈሻዊ ጉባኤ ትማሊ ተጋባእያን ብፁዓን ጳጳሳት ምስ ቅዱስ ኣቦና
ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ተራኺቦምን መሪሕ ቃል ብምቕባል ከምዝተዛዘመ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ኣየመልኪቱ።
ናይቲ ዝተኻየደ መበል 61 ሓፈሻዊ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ብፁዓን ጳጳሳት ኢጣሊያ ኣመልኪቶም ናይቲ ቤት ምኽሪ ሊቀ መንበር ናይ ጀኖቫ ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ ካርዲናል ኣንጀሎ ባኛስኮ ጋዜጣዊ መግለጺ ከምዝሃብ ክንገር እንከሎ፣ ብፁዕነቶም ኣብቲ ጉባኤ ካብ 2010 ክሳብ 2020 ዓ.ም. ካቶሊክ ቤተ ክርስትያን ኢጣሊያ እትጥቀመሉ መለለዪ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ሰነድ ከምዘጽደቀ ሓቢሮም፣ እቲ ሰነድ እቶም ተጋብእያን ብፁዓን ጳጳሳት ትማሊ ምስ ቅዱስ ኣቦና ተራኺቦም ዝተቐበልዎ መሪሕ ቃልን ቅዱስ ኣቦና ዘቕረብዎ ዘረባ ተሓዊስዎ ኣብ ወርሒ መስከረም 2010 ዓ.ም.ፈ. ተሓቲሙ ንናይ ብፁዓን ጳጳሳት ቀዋሚ ቤት ምኽሪ ቀሪቡ ተጸኒዑን ንኽሕተም ፍቓድ ምስ ተወሃበሉ ብወግዒ ተሓቲሙ ብብጹዓን ጳጳሳት ንሰበኸታት ኢጣሊያ ንኹለን ቁምስናታትን ክባጻሕ ምዃኑ ብፁዕ ካርዲናል አንጀሎ ባኛስኮ ኣመልኪቶም።
ብፁዕነቶም ካብ ጋዜጠይናታት ብዛዕባ እቲ ብሓደ ሓደ ኣባላት ውሉደ ክህነት ዝተፈጸመ ናይ ወሲብ ዓመጽ ዝምልከት ናይ ኢጣልያ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ እንታይ ውሳኔ ኣተሓላሊፉ ዝብል ንዝቐረበሎም ሕቶ፣ ናይ ኢጣልያ ጥራሕ ዘይኮነ ኣብ መላእ ዓለም እትርከብ ካቶሊክ ቤተ ክርስትያን ብዛዕባ እዚ ገበን ዝምልከት ካብቲ ናይ ካቶሊክ ናይ እምነት ትምህርቲ ዝሓሊ ቅዱስ ማኅበር ዝተወሃበን ዝነበረን መምርሒ ኣብ ግብሪ ምውዓልን፣ በዚ መምርሒ መሠረት ኢዩ ዝርኤ። ብፍልያ ድማ ናብ ፍጻሜ ዝቃረብ ዘሎ ዓመት ክህነት ኣብ መኸፈቲኡ ቅዱስ ኣቦና ናይ ለውጢ ዓመት ክኸውን ከምዘተሓሳሰቡ ጠቒሶም፣ እዚ ዓመት ክህነት ካህን ብመንጽር ሥነ ማኅብራዊ ዝትንተነሉ ዓመት ዘይኮነስ፣ ካህናት መሠረታዊ ናይ ምልዋጥ ጸጋ ንኽዕደሉ ዝጽልዩሉን፣ ኣብ ናይ መሠረታዊ ለውጢ ረቛሒታት ንስሓን ንጽህናን ዝተገሃሉ ዓመት ኢዩ ኢሎም።
ካህናትን ቤተ ክህነት ክኅደስ ዘተባብዔ ኣኼባ ከምዝነበረ ድማ ገሊጾም፣ እዚ ማለት እቲ ለውጥን ምሕዳስን ኣብቲ ኣገዳሲን ጭቡጥ ነገራውን እምበር ኣብ ቅርጻዊ ውደባን ኣሰራርዓን ምርግጋጽ ዝኣመተ ኣይኮነን። ስለዚ ቅድም ቀዳድም ከም ኣገልገልቲ እግዚኣብሔር ንቕድስና ክተግሁን ንቕድስና ትጉሃት ዝገብር ኅዳሴ ዘተሓሳሰበን፣ እዚ ኣብ ግብሪ ንምውዓል ዘኽእሉ መገድታት ዘመልከተ ኣኼባ ኢዩ ኢሎም። ኵሎም ብፁዓን ጳጳሳት ነቶም ናይ ወሲብ ዓመጽ ግዳይ ዝኾኑ ቀረባ ኮይኖም ምሉኣዊ ደገፍ ከቕርቡን ብቐዳምነት ናይቶም ግዳይ ዝኾኑ ጥቕሚ ክሓስቡ ዘተሓሳሰበ ኢዩ ኢሎም።
ኣብ መወዳእታ ብዛዕባ ፖሊቲካውን ማሕበራው ኤኮኖሚያውን ኩነት ኢጣሊያ ብዝምልከት ብፍላይ ድማ ኣብ ኢጣሊያ እቲ ዝመርሕ ዘሎ ናይ ቡዙኃን ናይ ፖለቲካ ሰልፊ ምሕደራ ሕዝባዊ ገንዘብ ብፈደራላዊ ደረጃ ዝብል ሓድሽ መምርሒ ንኸጽድቕ ድላይ ከምዘለዎን ብዛዕባ እዚ ቤተ ክርስትያን ኢጣልያ እንታይ ትብል ንዝብል ሕቶ እንክምሉሱ፣ መምዘኒ ምዓባለ ሓደ ሃገር ምዕባለ ዜጋታት ኢዩ፣ ሓደ ሃገር ማዕቢሉ ክበሃል እንተድኣ ኮይኑ ናይ ሓባር ምዕባለ ዝተረጋገጸ ክኸውን ኣለዎ። ብሓባር እንተድኣ ዘይተማዕቢሉ ምዕባለ ኣሎ ክበሃል ፍጹም ጌጋ ኢዩ። እዚ ማለት ድማ ሃገራዊ ሓድነት ኣብ ናይ ምድግጋፍ ክብሪ ዝቖመ ንምዕባለ መላእ ኢጣልያ ዝኣመተ ክኸውን ኣለዎ። ብፍላይ ኣብዚ ናይ ኤኮኖሚ ቅልውላው ኣብ ዝረኣየሉ ዘሎ እዋን፣ ጉዳይ ሥድራ ቤትን ዝርኤ ዘሎ ምጉዳል ናይ ምውላድ መጠን ናይ ምህርቲ ትካላት ጉዳይን ኣዚዩ ዘተሓሳስብ ኢዩ ቢሎም፣ መንግሥቲ ዝኽተሎ መደብ ኤኮኖሚ ሥድራ ቤት ዘማኣከለን ንናይ ምህርቲ ትካላት ዝድግፍ ክኸውን ኣለዎ ምስ በሉ፣ ኣብ ኢጣሊያ መደብ ኣስፍሆተ ወንጌል ብሓድሽ መንፈስ ዳግም ምትብባዕ ከምዘድሊ ናይ ብፁዓን ጳጳሳት ጉባኤ ከምዘተሓሰበ ሓቢሮም ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ ዛዘሙ።
All the contents on this site are copyrighted ©.