2010-05-27 14:23:26

ምእንጋድ/እንገዳ ብሥነ መጽሓፍ ቅዱስ


ኣብ ኢጣሊያ ከተማ ቨነዚያ ካብ ዕለት 30 ግንቦት 2010 ዓ.ም. ናይ ቅዱስ መጽሓፍ ምርኢት ምእንጋድ ወይ ድማ እንገዳ ቅዱስ መጽሓፍ ብዝብል ርእሰ ጉዳይ ተመሪሑ RealAudioMP3 ክካየድ ምዃኑ ተሓቢሩ።

ናይዚ ምርኢት ሊቀ መንበር ብፁዕ ኣቡነ ሮበርቶ ቶማሲ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ፣ እዚ ፌስቲቫል ቅዱስ መጽሓፍ ናይ ገዛእ ርእሱ ዳብሊው ዳብሊው ዳብሊው ፈስቲቫልቢብሊኮ ነጥቢ ኣይቲ ብዝብል ኣድራሻ ዝተደርሰ መርበብ ሓበሬታ ከምዘለዎ ኣዘኻኺሮም፣ እቲ ኣብ ቨነዚያ ዝካይድ ሻድሻይ ምዕራፍ ቬስቲቫል ቅዱስ መጽሓፍ ናይ ቃል ኣምላኽ ዕዱማትን፣ ናብ ቃል ኣምላኽ ዝተዓደሙን ብሥነ ቅዱስ መጽሓፍ እንገዳ እንታይ ማለት ምዃኑን ናይ ቲዮሎጊያን ናይ ቅዱስ መጽሓፍን ናይ ቅዱስ መጽሓፍ ቲዮሎጊያ ሊቃውንቲ ሰፊሕ ኣስተምህሮታት ዘቅርብሉ ምርኢት ምዃኑን ገሊጾም፣ ቅዱስ መጽሓፍ ኣብ ሥነ ጥበብ ብኸመይ መልክዕ ከምዝቐርብን፣ ታሪኽ ሥነ ጥበብን ቅዱስ መጽሓፍን ብዝምልከት እውን ኣስተምህሮ ክቐርብ ኢዩ ኢሎም።

እዚ ናይ ቅዱስ መጽሓፍ ምርኢት፣ ብቐዳምነት ሕዝቢ ምስ ቅዱስ መጽሓፍን ምስ ናይ ቅዱስ መጽሓፍ ልዑል ክቡር ዋጋ ንምርኻብን፣ ተቐባሊ ቃል እግዚኣብሔር መን ምዃኑን ብጠቕላላ ታሪኻውን ቲዮሎግያውን ስነ መጽሓፍ ቅዱሳውን መሠረት ኣመጻጽኣ ቅዱስ መጽሓፍን እንገዳ ቅዱስ መጽሓፍን እንገዳ ዝብል ቃል ብዓይኒ ቅዱስ መጽሓፍ ዝትንተነሉ ምርኢት ኢዩ እንክብሉ ዝሃብዎ ቃለ ምልልስ ደምደሙ።








All the contents on this site are copyrighted ©.