2010-05-25 13:55:13

ናይ ስደተይናታትን ገያሾን ሓዋርያዊ ሓልዮ


ካብ ዕለት 26 ግንቦት ክሳብ ዕለት 28 ግንቦት 2010 ዓ.ም. ኣብ ቫቲካን ናይ ስድተይናታትን ገያሾን ሓዋርያዊ ሓልዮ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ መበል 19 ሓፍሻዊ ጉባኤኡ ከካይድ ምዃኑ ናይ ቅድስቲ RealAudioMP3 መንበር መግለጺ ይሕብር።

ኣብዚ ወዲ ሰብ ካብ ቦታ ቦታ ብምንቅስቃስ ዘረጋግጾ ዘሎ ኅብረ ባህል ኅብረ ሃይማኖት፣ ኣብ ግምት እናእተወ ዝቐርብ ናይ ስደተይናታትን ገያሾን ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ክግምግም ምዃኑን፣ ብፍላይ ድማ ስደት እናሰፍሔ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን ነቶም ስደተይናታትን ገያሾን ብቐረባ ዝከታተልን ቀሪቡ ዝመያየጥን ብፍላይ ድማ ስደተያናታት ዘጓንፎም ሽግራት ዘርዚሩ ብምምያጥን መፍትሒ ቢሉ ዝኣመነሎም ነጥብታት ከቕርብ እውን ምዃኑ ናይዚ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ኣጎስቲኖ ማርኬቶ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ ሓቢሮም፣ ኣብዚ ጉባኤ’ዚ ካብ ዝተፈላለያ ናይ ካቶልክ ናይ ተራድኦ ማኅበራት ዝተዋጽኡ ልኡኻት ክሳተፉ ምዃኖም ገሊጾም ዝሃብዎ ቃለ ምልልስ ደምደሙ።








All the contents on this site are copyrighted ©.