2010-05-25 13:51:35

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ. ናይ ሓድነትን ጽንዓትን ጸጋ እግዚኣብሔር መታን ክዕድለና


ቅድሚ ሠለስተ ዓመት ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 እታ ኣብ ቻይና በቢ ዓመቱ እትብዕል ቅድስቲ ንጽሕቲ ድንግል ማርያም ረዳኢተ ክርስትያን በዓል ምኽንያት ናብ ቻይና ካቶሊካውያን RealAudioMP3 ሓዋርያዊ መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም ከምዝነበሩ እንክዝከር፣ ካብታ ዕለት እቲኣ በቢ ዓመቱ ዕለት 24 ግንቦት መዓልቲ ጸሎት ምእምንቲ ቤተ ክርስትያን ኣብ ቻይና ብዝብል ናይ ጸሎት ሓሳብ ኣብ እንተ ላእለ ኵሉ ቤተ ክርስትያን ክፍጸም ከምዝጀመረን፣ በዚ ምኽንያት ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ቅድሚ ትማሊ ሰንበት ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ቅዱስ ጴጥሮስ ኣደባባይ በሸሓት ዝቑጸሩ መእመናን ኣብ ዝተረኽብሉ ጸሎተ ንግሥተ ሰማይ ኣዕሪጎም፣ ኩሉ ምእመን ኣብ ቻይና ኣብ ውሽጢ ኣቢያተ ክርስትያንን ዘሎ ምግምማዕን ኣወጊደን ኣብ መንጎኤንን ምስ እንተ ላእለ ኩሉ ቤተ ክርስትያን ሓድነት መታን ከቑማ ብዘይ ምቁራጽ ክጽልይ ብምትሕስሳብ እግዚኣብሔር ናይ ሓድነትን ጽንዓትን ጸጋ ክዕድለና ንጸሊ ከምዝበሉ ዝዝከር ኢዩ።

ካብ 150 ዓመታት ጀሚሩ እታ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ዘ ሻንጋይ ተባሂላ እትጽዋዕ እኖ ኣምላኽ፣ ነታ ኣብ ቻይና ዘላ ቤተ ክርስትያንን ሕዝብን ሃገረ ቻይናን ከም ጠበቓ ናይታ ሃገር ኮይና ከምትኽበር እንክንገር፣ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ቅድሚ ሰለስተ ዓመት ናብ ቻይና ካቶሊካውያን ምእመናን ዘተሓላለፍዋ መልእኽቲ ኣብ እኖ ኣምላኽ ዝተማሕጸነ ከምዝነበረን፣ ኣታ ሓዋርያዊት መልእኽቲ ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ጕስነታዊ ጸዋዕታን ኃላፍነትን ምልክት ሓድነት ኵላዊት ቤተ ክርስትያን ምዃኑ እተረድእን፣ ኣብ በዓል ጴንጠቆስጠ መንፈስ ቅዱስ እግዚኣብሔር ዘቖሞ ሓድነት ዳግም ኅያው ኽኸው ኵሉ ምእንቲ’ዚ ክጽሊ እተተሓሳስብ ከምዝነበረት ይዝከር።

ቅዱስ ኣቦና እታ ኣብ 2007 ዓ.ም. ናይታ ናብ መላእ ቻይናውያን ምእመናን ዘመሓላለፍዋ ሓዋርያዊት መእኽቲ ኣስተዋጽኦ፣ ኣብ 2009 ዓ.ም. ብወግዒ ከምእተሓትመን ኣብቲ ኣስተዋጽኦ ኣብ ቻይና ዘላ ቤተ ክርስትያን፣ በቲ ብውሽጣዊ ምፍልልያት ዝተሃላለኸ ኩነታታ ተሰጊሩ ሓድነታ ከተረጋግጽ ዝብል ሓሳብ ዝተበረሉን፣ ብዙሓት ካቶሊካውያን ምእመናን ኣብ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ መሪሕነትን ኣብ ወንጌልን እሙናት ኮይኖም ምስ እንተ ላእለ ኵሉ ቤተ ክርስትያን ሓድነቶም ብትብዓት ዝዓቀቡ ከምዘለዉ እተዘኻኽርን፣ ኵሎም ናይ ካቶሊክ ቤተ ክርስትያን ብፁዓን ጳጳሳት ምስ ተኸታሊ ጴጥሮስ ዘለዎም ሓድነትን ተኣዝዞን ኣብ መላእ ካቶሊክ ቤተ ክርስትያን ግልጽን ጭቡጥን ኮይኑ ክንበር ከምዘለዎ ዘተሓሳስብ ምዃኑ ጳጳሳዊ ተቛም ልኡካነ ወንጌል ኣባል ኣባ ኣንጀሎ ላዛሮቶ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ ሓቢሮም፣ እቲ ሓድነት ንምርግጋጽ ዝግበር ጉዕዞ ዘገምተይናን ፅንኵርን ኢዩ፣ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. እዚ ሓቂ’ዚ ዝፈልጥዎ ኢዮም፣ ኣብ ቻይና ዝመርሕ ኣካል ብዛዕባ ሃይማኖት ዘለዎ ርእየት ጕጕይን ውሱንን ኢዩ፣ ምእንቲ’ዚ ሃይማኖት ካብ ማኅበራዊ ጉዳይ ወጻኢ ክርስትያናዊ ክቡራት ዋጋታት ክብሪ ወዲ ሰብ ክብሪ ነጻነት ናይ ሓባር ጥቕሚ ዝብሉ ግምት ዘይህብ ኢዩ። ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ነዚ ዅሉ ኣብ ግምት ብምእታው ዝመሓላለፍዋ መልእኽቲ ንሓድነትን ጽንዓትን እተተባብዕን እዚ ጸጋ’ዚ ድማ እግዚኣብሔር መታን ክዕድለና ክንጽሊ ሓደራ ዝበሉላ ከምዝኾነትን ኣብ መልእ ካቶሊክ ኣቢያተ ክርስትያን ሓድነትን ጽንዓት ናይ ጸሎት ሓሳብ ኮይኑ ክዝከር ቅዱስ ኣቦና የተሓሳስቡ እንክብሉ ኣባ ሎዛሮቶ ሓቢሮም ዝሃብዎ ቃለ ምልልስ ደምደሙ።








All the contents on this site are copyrighted ©.