2010-05-25 13:54:02

ርክብ ካቶሊክ ቤተ ክርስትያን


ናይ ኣቢያተ ክርስትያን ሓድነት ዘነቓቕሕ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ሊቀ መንበርን ምስ ኣይሁድ ሃይማኖት ዝገበር ርክብ ዝከታተል ፍሉይ ድርገት ሊቀ መንበር ብፁዕ ካርዲናል ቫልተር ካስፐር ኣብ RealAudioMP3 ዓባይ ብሪጣንያ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ከምዘካየዱ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።

ብፁዕ ካርዲናል ካስፐር ቅድሚ ትማሊ ንበዓለ ጰራቕሊጦስ ዝዓረገ መሥዋዕተ ቅዳሴ ሰሪዖም ብምቕጻል፣ ምስ ናይ ኣንግሊካዊት ቤተ ክርስትያን መንፈሳውያን መራሕቲ ከምእተራኸቡ ክንገር እንከሎ፣ ኣብ ከተማ ሊቨርፑል ኣብ ዝርከብ ሆፕ መንበረ ጥበብ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ኣብ ክርስትያንን ናይ ኣይሁድ ኃይማኖት ምእመናን ዘሎ ርክብን ምዕባሌኡን ኣብ ዝብል ርእሰ ጉዳይ ሰፊሕን ዓሚዩቕን ኣስተምህሮ ከምዘቕረቡ ክንገር እንከሎ፣ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ኣብ ወርሒ መስከረም ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ንኸካይድዎ ተወሲኑ ዘሎ መደብ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ዘማእከለ ምይይጥ እውን ከምዘካይዱ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ኣፍሊጡ።

መደብ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ቅዱስ ኣቦና ንብፁዕ ካርዲናል ኣገልጋሊ እግዚኣብሔር ኔውማን ብፅዕና ንምእዋጅ ጥራሕ ዘይኮነስ ብዅሉ መዳይ ንናይ ዓባይ ብሪጣኒያ ኅብረተሰብ ዘተኮረ ኢዩ። ናይ መላእ ኣንግሊካዊት ኣቢያተ ክርስትያን ላዕለዋይ መንፈሳዊ መራሒ ናይ ካንተርበርይ ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ሮዋን ዊሊያምስ ምእዋጅ ብፅእና ኣገልጋሊ እግዚኣብሔር ኔውማን ኣመልኪቶም ኔውማን ወዲ ካቶሊክ ቤተ ክርስትያን እውን እንተኾኑ ንካቶሊካውያን ጥራሕ ዝምልከት ዘምስሎ ዓይነት መደባት ኣበዓዕላ ከይፍጸም ሓደራ ከምዝበሉን፣ ብፁዕ ካርዲናል ካስፐር ኣመልኪቶም እዚ ድማ እንተ ላእለ ኵሉ ቤተ ክርስትያን እተኣምነሉ ምዃናን ሓቢሮም፣ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ኣብ ዘካይድዎ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ነታ ፍቕሪ ኣብ ሓቂ እተሰምየት ዓዋዲት መልእኽቶም ዘቓልሕሉላን፣ ኣብ መንጎ እንተ ላእለ ኵሉ ቤተ ክርስትያንን ኣንግሊካዊት ቤተ ክርስትያንን ዘሎ ርክብ ድሕሪ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካንን ብፁዕ ሊቀ ጳጳሳታ ራምሰይ ኣብ ቫቲካን ድሕሪ ዘካይድዎ ምብጻሕን ዓቢ ትጽቢትን ተስፋታትን ከምእተነበረሉን ዘኪሮም፣ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ላምቤትዝ ምስ ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ሮዋን ዊሊያምስ ናይ ሓባር ርክብ ዘንጸባርቕ ሥርዓት ክፍጽሙ ምዃኖም ገሊጾም። ርክብ ካቶሊክ ቤተ ክርስትያንን ናይ ኣይሁድ ሃይማኖትን ኣብ እንግልጣር ዘተባብዕ ከምዝኾነን ዓበይቲ ምዕባለታት እውን የረጋገጽ ከምዘሎ ኣመልኪቶም፣ ናይ ካቶሊክ ቤተ ክርስትያንን ናይ ኣሁድ ሃይማኖትን እምነት ዘሎ ናይ ሓባር ረቛሒ ዘማእከለን ብዛዕባ ር.ሊ.ጳ. ኣገልጋሊ እግዚኣብሔር ፒዮስ መበል 12ን ኣብ መንጎ ካቶልክን ኣንግሊካዊት ቤተ ክርስትያን ዝግበር ናይ ሓባር ዘተን ምዕባሌታቱን ዘንጸባርቕ ርክብ ከምዘካይዱ ሓቢሮ። ኣብ መወዳእታ እቲ ኣብ ዓለምና ተኸሲቱ ዘሎ ቅልውላው ቁጠባን ኣብ ኤወሮጳ ዘሎን ቅልውላው ኣማእኪሎም ብምብዝታይ እዚ ሓድሽ ቅልውላው’ዚ መዋቕራት ኤውሮጳን ዓለምን ክሕደስን ከም ብሓድሽ ክሥራዕን ከምዘለዎ ዝተሓሳስብ ጭቡጥ ተመኵሮ ምዃኑ ኣብቲ ዘካይድዎ ርክብ ከምዝተገልጸ ሓቢሮም ዝሃብዎ ቃለ ምልልስ ደምደሙ።








All the contents on this site are copyrighted ©.