2010-05-25 13:52:45

ርክብ ቅዱስ ኣቦናን ናይ ኮንጎ ሬፓብሊክ ርእሰ ብሔርን


ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ትማሊ ናይ ኮንጎ ሬፓብሊክ ርእሰ ብሔር ዴኒስ ሳሱ ንጉዌሶ ተቐቢሎም ከምዘዛራረቡ ናይ ቅድስቲ መንበር RealAudioMP3 መግለጺ ይሕብር።

እቲ ርክብ ኣብ ጉዳይ ስደተይናን ተመዛበልትን ዘማእከለ እውን ከምዝነበረ ክንገር እንከሎ፣ ርእሰ ብሔር ሳሱ ንጉዌሶ ካብ ቅዱስ ኣቦና ምስ ተፋነዉ፣ ምስ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ካርዲናል ታርቺዚዮ በርቶነ ከምእተራኸቡ እንክንገር፣ ኣብቲ ርክብ ናይ ቅዱስቲ መንበር ናይ ወጻኢ ርክባት ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ኣቡነ ዶመኒክ ማምበርት ከምእተረኽቡ እውን ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ እንከመልክት፣ እቲ ዝተኻየደ ክሊኣዊ ርክብ፣ ኮንጎ ሬፓብሊክ ነጻነታ ካብ እተረጋግጽ እነሆ መበል 50 ዓመት ንምዝካር ዝግበር ዘሎ ምቅርራባትን መደባት ኣበዓዕላን ኣብ መንጎ ቅድስቲ መንበርን ሬፓብሊካዊት ኮንጎን ዘሎ ሰናይ ርክብ ዝበለጸ ኽኸውን ክልትኤን ሃገራት ድላየን ከምዝኾነን ካቶሊክ ቤተ ክርስትያን ኣብታ ኣፍሪቃዊት ሃገር እተበርክቶ መንፈሳውን ሰብኣውን ማኅበራውን ባህላውን ሕንጸትን እተካይዶ መደብ ልምዓትን ርእሰ ብሔር ሳሱ ንጉዌሶ ንኢዶም እዚ መደብ ሕንጸት ክቕጽል እውን ሓደራ ከምዝበሉ እንክንገር፣ ብዛዕባ ናይ ኮንጎ ተመዛበልቲ ጉዳይ ፍሉይ ቆላሕታ ክግበር ኣብቶም ዝተኻየዱ ርክባት ከምእተሰመረሉ መግለጺ ቅድስቲ መንበር ኣፍሊጡ።








All the contents on this site are copyrighted ©.