2010-05-22 14:11:16

ናይ ሰላም ባህሊ ንምስፋሕ


ናይ ዴሞክራሲያዊት ሬፓብሊክ ኮንጎን ብሩንዲን ርዋንዳን ኣብ ክቡር ዋጋ ሕይወት ዘማእከለን ናይ ሕይወት ባህሊ ዝኽተል ናብራን ኣመሓዳድራን ፖሊቲካዊ ኣመራርሓን ክረጋገጽ ከይተሓለሉ ብሙያኦም ኣገልግሎት RealAudioMP3 ዘቕርቡ ክቶሊካውያን ጋዜጠይናታት፣ ብዝሓለፈ ዕለት 12 ግንቦት 2010 ዓ.ም. ኣብተን ዝተጠቕሳ ሃገራት ኣፍሪቃ ዝካየድ ሕዝባዊ መረጻ ናብ ሰላም ዝመርሕ መታን ክኸውን ኵለን ሃይማኖታት ምእንቲ ምርግጋጽ ሰላም ናይ ሓሶትን ምትላልን ባህልን ዓመጽን ምግምማዕን ክቃወማ ኣብ ጎማ ናይ ማእከላይ ኣፍሪቃ ናይ ካቶሊክ መራኸቢ ቡዝሃን ጋዜጠይናታት ኅብረት ማኅበር ኣብ ዘካየዶ ሓፈሻዊ ጉባኤ ጻውዒት ከምዘቕረበ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።

እቲ ናይ ካቶሊክ መራኸቢ ብዙሃንን ፖሊቲካን ኣብ ማእከላይ ኣፍሪቃ ብዝብል ኣርእስቲ ተመሪሑ ዝተኻየደ ጉባኤ ብመሥዋዕተ ቅዳሴ ዘጀመሩ ናይ ማእከላይ ኣፍሪቃ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኅብረት ዋና ጸሓፊ ክቡር ኣባ ሜልክዮ ኤድዋርድ ሞምቢሊ ከምዝኾኑ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ብምምልካት፣ ኣብ ዘስምዕዎ ስብከት ኣብዚ ከባቢ ዓበትይቲ ቐላይ ዝርኤ ዘሎ ዘይሕጋዊ ምዝመዛ ሃብቲ ተፈጥሮን ዘስዕቦ ዘሎ ውጥረት ብምምልካት ናይ ካቶሊክ መራኸቢ ብዝሃን ብናይ ቤተ ክርስትያን ማኅበራዊ ትምህርቲ መሠረት ሕዝቢ ክሓንጻ ሓደራ ኢሎም። ኣብ ሩዋንዳን ብሩንዲን ዴሞክራሲያዊት ሬፓብሊክ ኮንጎን ዝካየዱ ሕዝባዊ መረጻታት ኣብ ሓቂ ዝቖመን ድላይ ሕዝቢ ዘረጋገጽን ንሰላም ዘተባብዕ ክኸውን ካቶሊካውያን ጋዜጠይናታት ኣብቲ ዘካየድዎ ኣኼባ ጻውዒት ብምቕራብ መራኸቢ ብዙኃን ናይ ሓቂ መሣርሒ ክኾና ይግባእ ክምዝበሉ ብፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።







All the contents on this site are copyrighted ©.