2010-05-22 16:07:35

ሀገራዊ ምርጫ ኢትዮጵያ ፡


ጽባሕ ዕስራን ሰለስተን ግንቦት 2010 አብ ኢትዮጵያ ፓርላመንታዊ ህዝባዊ ምርጫ ከም ዝካየድን ህዝቢ ኢትዮጵያ መራሕቱ ክመርጽ ተጸዊዑ ከም ዘሎን ይፍለጥ።

እዚ ሀገራዊ ምርጫ’ዚ መሠረት ብምግባር ናይ ኢትዮጵያ መራሕቲ ሃይማኖታት ወግዓዊ መልእኪ ከም ዘተሐላለፉ ቤት ጽሕፈት ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን አፍሊጡ።

እቲ ብሊቀ ጳጳሳት ዘካቶሊካውያን ኢትዮጵያ ብብፁዕ በርሃነ የሱስ ሱራፊኤል ዝተመሐላለፈ መልእኽቲ እቲ ጽባሕ አብ መላእ ኢትዮጵያ ዚካየድ ፓርላመንታዊ ምርጫ ፡ ነፃ ሰላማዊ ዲሞክራስያዊ ፍትሐዊ ክኸውን ዘተሐስስብ መልእኽቲ ኢዩ።

ዜጋታት ኢትዮጵያ መራሕቱ ክመርጽ መሰሉን ሐላፍነቱን ከም ዝኾነ ብምግንዛብ ብምምራጽ ንረብሐ ህዝቢ አስተዋጽኦ ክገብር ትጽቢት ከም ዝግበረሉ ዘመልከተ መልእኽቲ መራሕቲ ሃይማኖታት ኢትዮጵያ ተወዳዳርቲ ሰልፍታት ክአ ንአገልግሎት ህዝቢ ሐለፍነት ክሽከሙ አተሓሳሲቡ ።

ዘጋጥሙ ፍልልያት ብዘተ ምፍታሕ አብ መንጎ አብ መንጎ ሰልፍታት ፖሊቲካ ናይ አረአእያ ፍልልያት ንምጽባብ ዘወትር ዘተ ክካየድ ምጽውዋር ክህሉ እቲ መልእክቲ መራሕቲ ሃይማኖታት ኢትዮጵያ አመልኪቱ።

ብግዜ ምርጫን ድሕሪኡን ፡ መርጽትን አኽበርቲ ሥነ ስርዓትን ሐይሊ ካብ ምጥቃም ፍዙም ክእገዱ ፡ ክብሪ ሰብ ካብ ናይ አተሓሳባ ፍልልይ ከም ዝልዕል ምግንዛብ ንሰላም አድላዪ ሰላም ምኽፋል ተፈጥሮአዊ ግዴታ ሰባት ከም ዝኾነ የተሐሳስብ።

እዚ ነቲ አብ ኢትዮጵያ ጽባሕ ዝካየድ ፓርላመንታዊ ህዝባዊ ምርጫ ዘተኮረ መልእኽቲ መራሕቲ ሃይማኖታት ኢትዮጵያ አተሐሒዙ ፡ ዝሐለፈ ግዜ ዝተፈጸመ ጌጋ ዘይምድጋም ፡ ናብቲ ጭቡጥ ኩነታት ሀገርና ክንምልከቶ ከለና ፡ አብ ዝሐለፉ ዓመታት ንሰማዊ ናብራ ህዝቢ ዝጐድኡ ንሕልፈት ሕይወት ሰበብ ዝኾኑ በብዓይነቶም ግጭታትን ውግአትን ተራእዮም ።

እዚ ኹሉ ከም ሕልፍ ተቆጺሩ ናብዚ ሕጂ ዘሎ ትውልዲ ፍጹም ክተሐላለፍ ከም ዘይብሉ ብምርዳእ ፡ ሕጂ ብሱል ዝሰልጠነ ፍሪሐ እግዚአብሔርን አተሐሳስባን ዘለዎ ሰብ ክህሉን ክብርክትን ዝጽዓረሉ ግዜ ከም ዝኾነ ክአ አመልኪቱ።

ሕጂ አብዚ ጽባሕ ዝጅመር ሀገራዊ ፓርላመንታዊ ምርጫ ንዝመጽእ ዘሎ ሐሙሽተ ዓመታት ንሀገርና ዝመርሐ ሰልፊ ክንመርጽ ንቅረራረብ አለና ፡ ብነፃን ብዘይ ተጽዕኖን ረብሐ ህዝቢ የቀድም ኢዩ ኢልና ንንሐስቦ ሰልፊ ክንመርጽ ዜጋዊ መሰልና ንጠቀመሉ ፡ ነጻ ሰላማዊን ፍትሐውን ዲሞክራስያውን ምርጫ ክኸውን ብምምናይ ክአ እ/ር ንኢትዮጵያ ይባርኽ ብማለት እቲ መልእኽቱ ተደምዲሙ ።







All the contents on this site are copyrighted ©.