2010-05-20 14:36:53

ካናዳ፣ ምእንቲ ምኽባር ናይ ሕይወት ባህሊ


ኣብ ቀረባ ኣዋን ናይ ካናዳ ፈደራላዊ ሕዝባዊ ባይቶ ገና መድኃኒት ብዘይተረኸበሎም ሕማማት ዝተለኽፉ ዜጋታት ስቓይ ዘይብሉ ሞት ብፍቓዶም እንተድኣ ሓቲቶም እዚ ድላዮም ንኽረውይን ኣብ ድኻታት ሃገራት RealAudioMP3 ጽንሲ ምንጻል ፍቑድ ክኸውን መንግሥቲ ካናዳ ጎስጓስ ከካይድ ጽንሲ ምንጻል ይፈቐድ ዝብል ሕገ ንድፍን ከምዘየጽደቖ እንክንገር፣ እዚ ናይ ሕይወት ባህሊ ዝጻረርን ናይ ሞት ባህሊ ዘስፍሕ ሓሳብ ብዘይ ምጽዳቑ ካቶሊክ ቤተ ክርስትያን ኣብ ካናዳ ናይ ሕይወት ባህሊ ክኽበር ዘነቓቕሑ ዝተፈላለዩ ማኅበራት ናይ ካናዳ ፈደራላዊ ሕዝባዊ ባይቶ ዝሃቦ ውሳኔ ከምዘሐጎሶም ተገሊጹ።

ናይ ኮሎምቦ ፍረሰይናታት ማኅበርን ላዕለዋይ ክቡር ካርል አንደርሶን እቲ ቅድመ ንድፊ ኣብ ሕዝባዊ ባይቶ ቀሪቡ ዘተ ኣብ ዝተገበረሉ እዋን ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ፣ ብዙሓት ጽንሲ ዝሰደዳ እቲ ዝፈጸመኦ ተግባር ከቢድ ስነ ኣእምሮኣዊ ጸቕጢ ከምዘስዓበለንን ካብዚ ዝወረደን ስነ ኣእምሮኣዊ ጸቕጢ ንኸላቐቓ ኣብ ከቢድ ኩነት ይርከባ ከምዘለዋ ከምዝሕብራን ገሊጾም፣ ድሕሪ እቲ ዝፈጸመኦ ምንጻል ጽንሲ ከቢድ ናይ ሕሊና ጣዕሳ እውን ከምዘሳድደን ካብ ዝህብኦ መግለጺ ዝረጋገጽ ምዃኑ ከምዝሓበሩ ሎ ሶርቫቶረ ሮማኖ እተሰምየ ናይ ቅድስቲ መንበር ዕለታዊ ጋዜጣ ኣብ ናይ ትማሊ ሕትመቱ የመልክት።








All the contents on this site are copyrighted ©.