2010-05-20 14:28:34

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ.፣ ኣብ እግዚኣብሔር ክንትስፎ


ከምቲ ልሙድ ትማሊ ረቡዕ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ኣብ ቫቲካን ኣዳራሽ ጳውሎስ ሻድሻይ ካብ ውሽጥን ወጻእን ዝመጹ ልዕሊ 30 ሺሕ ዝግመቱ ምእመናን ኣብ ዝተረኸብሉ ነቲ ኣብ ፖርቱጋል RealAudioMP3 ካብ ዕለት 11 ግንቦት ክሳብ ዕለት 14 ግንቦት 2010 ዓ.ም. ዘካይድዎ መበል 15 ዓለም ለኸ ሓዋርያዊ መገሻ ዘማእከለ መደብ ሮቡዓዊ ኣስተምህሮ ከምዘቕረቡ ተገሊጹ።

ቅዱስ ኣቦና ካብ ማርያም ዘ ፈጢማ ዝቐረበልና መልእኽቲ ዘፍርህ ዘይኮነስ ዘጸናንዕ ምዃኑ ብምምልካት፣ እቲ ኣብ 1993 ዓ.ም.ፈ. ማርያም ነቶም ሰለስተ ጓሶት ኣብ ፋጢማ ተገሊጻ መዓጹ ሰማይ ንምድሪ ብምርሃው ኣብቲ ፍዋስን ዘድሕንን መለኮታዊ ምሕረት ተስፋና ከነንብርን እቲ ሕዙን ኮይኑ ኣብ ቀቢጸ ተስፋ ዝርከብ ሕዝቢ ዓለም ነዚ ክግንዘብ ዝዕድም ምዃኑ ብምትንታን፣ ነቲ ኣብ ታሪኽ ዝኽሰተን ዝነበረን ሥግኣትን ራዕድን ዝሰግር ኣብ ጸሎትን ንስሓን ምልዋጥን ዘማእከለ ወዲ ሰብ ኣብ እግዚኣብሔር ተስፋኡ ከንብር ዝዕድም፣ ኣብ ጸጋ እግዚኣብሔር ልምዲ ገይሩ፣ ምስቲ ናይ ፍቕርን ሰላምን ምንጪ ዝኾነ እግዚኣብሔር ክፋቐር ዘኽእሎ ዓቢይ ተስፋ ክዅስኩስ ከምዘለዎ ኣብ ዘረጋግጽ ሓሳብ ዘማእከለ ኢዩ ኢሎም።

ኣብ ፖርቱጋል ብፍላይ ድማ ኣብ ማርያም ዘ ፈጢማ ቅዱስ ሥፍራ ኣብ ዘካይድዎ ሓዋርያዊ ምብጻሕ፣ ብመንፈስ ናይቶም ቅድሚኦም ዝነበሩን እግዚኣብሔር ብማርያም ዘ ፋጢማ ኢድ ገይሩ ዕለት 13 ግንቦት 1981 ካብ ሓደጋ ሞት ዘናገፎም ከመስግኑ ኣብቲ ቅዱስ ሥፍራ ሰለስተ ሳዕ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ዘካይዱ ር.ሊ.ጳ. ኣገልጋሊ እግዚኣብሔር ር.ሊ.ጳ. ዮሃንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ከምእተሰነዩን ድማ ገሊጾም፣ ፋጢማ እታ ከምተን ካልኦት ክርስትና ዓሚዩቕ ምልክታ ዝተነበረላ ክብርቲ መሬት ምስ ካልኦት ባህልታት ኣብ ናይ ሓባራዊ ምቅብባልን ቅኑዕ ዘተን ምክብባርን ዝቖመ ሕውነታዊ ምርድዳእ ምትሕብባርን ዝዓሰሎ መጻኢ ንምሕናጽ ዝከኣለል ምዃኑ እተረጋገጽ ሥፍራ ኢያ።

እቲ ንማኅበረ ክርስትያን ክቡር ዝኾነ ናይ መቑጸርያ ጸሎት ኣብ ፋጢማ ንቤተ ክርስትያንን ዓለምን ዘነቓቕሕ ወንጫፊ ኃይሊ ማእከል ምዃኑ ዝተረጋገጸሉ ቅዱስ ሥፍራ ኢዩ። እታ ነቶም ሰለስተ ጓሶት ዝተገልጸት ብጻዕዳ ብርሃን ዝተኾለዔት እመቤት፣ ዕለታዊ ጸሎት መቑጸርያ ክደግሙን ሓደራ ከምዘበለቶም ድማ ዘኪሮም፣ ፋጢማን መቑጸርያን ዳርጋ ተመሳሳሊ ቃል ኢያቶም ኢሎም፣ ኣብ መወዳእታ ኣብ ጸሎተ ታስእት ጴንጠቆስጠ እንርከብሉ እዋን ምዃኑ ድማ ዘኪሮም፣ ኩሉ ብፍላይ ድማ መንእሰያት ንሥራሕ መንፈስ ቅዱስ ምእዙዛት ኮይኖም ክርከቡ ሓደራ ቢሎም እቶም ትምህርቲ ክርስቶስ ክሰምዑ ዝመጹ ሕሙማን ስቓዮም ምእንቲ ኣሕዋት ንእግዚኣብሔር ዝግባእ መሥዋዕቲ ገይሮም ከቕርቡን ምጽንናዕ ካብ መንፈስ ቅዱስ ክረኽቡን እቶም ኣብኡ ዝተረኽቡ ሓደስቲ መርዑት ዕንቛዕ ንሚስጢረ ተክሊል ኣብጽሓኩም ድሕሪ ምባል ቤቶም በቲ ናይ እግዚኣብሔር ፍቕሪ ዝኾነ ናይ መንፈስ ቅዱስ ሓዊ ክመውቕ ጸልዮም ቡራኬ ሂቦም ዘቕረብዎ ትምህርተ ክርስቶስ ደምደሙ።








All the contents on this site are copyrighted ©.