2010-05-20 14:35:00

መደብ ሓዋርያዊ ብጻሕ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ


ወርሒ መስከረም 2010 ዓ.ም.ፈ. ቅዱስ ኣቦና ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ከካይዱ ምዃኖም ናይ ቅድስቲ መንበር ክፍሊ ዜናን ማኅተምን ቅድም ክብል ኣመልኪቱ ከምዝነበረ እንክዝከር፣ RealAudioMP3 ናይ ቅዱስ ኣቦና ሓዋርያዊ ምብጻሕ እተሰናድው ኮሚቴ ብዛዕባ እቲ ምብጻሕ ዝምልከት ቅድም ቢሎም ብዑምቀት ክርድኡ ንዝደልዩን ኣብዚ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ቅዱስ ኣቦና ዝፍጽምዎ ርክባትን ዘቕርብዎ ኣስተምህሮታትን ዘዕርግዎ መሥዋዕተ ቅዳሴ ዝምልከት ሓጺር ናይ ጽሑፍ መግለጺ መርሃ ግብሪ ከምዝቐረበ ተሓቢሩ።

ናይዚ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ኣሰናዳኢት ኮሚቴ ሊቀ መንበር ብፁዕ አቡነ አንድረው ሱመርጂል ቅዱስ ኣቦና ኣብ ዓባይ ብርጣኒያ ኣብ ዘካይድዎ ሓዋርያዊ ብምጻሕ ዝጥቀመሉ ናይ ቅዳሴን ጸሎትን መጽሓፍ ከምዝተቐረበን፣ ንቤት ማኅተም ክቐርብ ምዃኑ ሓቢሮም፣ ነዚ ቅዱስ ኣቦና ካብ ዕለት 16 መስከረም ክሳብ ዕለት 19 መስከረም 2010 ዓ.ም.ፈ. ነኸካይድዎ ተወሲኑ ዘሎ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ብፍሉይ ዘዘንትው ዳብሊው ዳብሊው ዳብሊው ፓፓል ቪሲት ነጥቢ ኦርግ ነጥብ ዩከይ ብዝብል ኣድራሻ መርበብ ሓበሬታ ከምእተሰርሔ ገሊጾም።








All the contents on this site are copyrighted ©.