2010-05-20 14:32:17

መደብ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ማእከል ዶን ኦሪዮነ


ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ፓ. በነዲክቶስ መበል 16 ዕለት 24 ሰነ 2010 ዓ.ም. ኣብ ሮማ ከባቢ ሞንተ ማርዮ ዝርከብ ማዕከል ዶን ኦሪዮነ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ከካይዱ ምዃኖም ናይ ቅድስቲ መንበር ክፍሊ ዜናን ማኅተምን ሓቢሩ። RealAudioMP3

ኣብዚ ዝፍጽምዎ ሓዋርያዊ ምብጻሕ፣ እታ ሳሉስ ፖፑሊ ሮማኒ ድሕነት ናይ ሮማ ሕዝቢ ብዝብል ስም እትጽዋዕ ምስሊ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ኣብ ዛላትሉ ሥፍራ ድማ ተረኺቦም ክጽልዩን ንምስሊ ማርያም ክባርኹን ምዃኖም እቲ መግለጺ ብምምልካት፣ ቀጺሎም ኣብቲ ከባቢ ጎዳና ካድሎሎ ዝርከብ ገዳም ማሕበር ደናግል ዶመኒካውያን ቅድስቲ ማርያም ዘ መቁጸርያ ብምኻድ ምስተን መናንያን ደናግል ክራኸቡን መሪሕ ቃሎም ክልግሱን፣ ነታ ኣብቲ ገዳም እትርከብ ናይ ሻብዓይ ክፍለ ዘመን ዝኾነት ብቅድስቲ ካተሪናን ዘ ሲየናን ብቅዱስ ዶመኒኮን ናይ ካልእቶን ናይ ዶመኒካውያን ቅዱሳትን ፍልይቲ ቅድስቲ ትሩፋት ዝኾነት ማርያም ዘ ቅዱስ ሉቃስ እተሰምየት ምስሊ ክባርኹን ጸሎት ከዕርጉም ምዃኖም ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።








All the contents on this site are copyrighted ©.