2010-05-18 14:22:12

ተኣዝዞን ኣኽብሮትን ደገፍን ንቕዱስ ኣቦና


ኣብ ኢጣሊያ ናይ ዓለማውያን ምእመናን ቤት ምኽሪ ዕለት 16 ግንቦት 2010 ዓ.ም.ፈ. ኩሉ ካቶሊክ ክርስትያንን ዝተፈላለያ ናይ ዓለማውያን ምእመናን ማኅበራትን ምንቅስቓሳትን ብናይ ኢጣሊያ ብፁዓን ጳጳሳት RealAudioMP3 ቤት ምኽሪ ሊቀ መንበር ብፁዕ ካርዲናል ኣንጀሎ ባኛስኮ ዝተመርሑ 200 ሺህ ዝኾኑ ምእመናን ተኣዝዞን ኣኽብሮትን ደገፍን ንቕዱስ ኣቦና ንምርግጋጽ፣ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ዘዕርግዎ ጸሎት ንግሥተ ሰማይ ብምስታፍን ድሕሪ እቲ ጸሎት ዘቕርብዎ ስብክበት ብምስማዕ ከምዘረጋገጹ እንክዝከር፣ ብሓደ ሓደ ናይ ውሉደ ክህነት ኣባላት ብዝተፈጸመ ዓመጽ ኣብ ልዕሊ ቤተ ክርስትያንን ቅዱስ ኣቦና ኣብ ልዕሊ ኩሉ ውሉደ ክህነትን ገዳማውያንን መናንያን ዝካየድ ዘሎ ስም ናይ ምጽላም ወፈራ፣ ዘይርትዓዊ ምዃኑ ንምቅላሕን ምእንቲ ቅዱስ ኣቦናን ግዳይ ዓመጽ ንዝኾኑን ንቤተ ክርስትያንን ምእንቲ መላእ ውሉደ ክህነትን ብሓባር ኣብ ቅዱስ ጴጥሮስ ኣደባባይ ጸሎት ከምዘዕረጉን ብዛዕባ እዚ ዝተኻየደ መፍነሳዊ መርሃ ግብር ኣመልኪቶም ናይ ኮሙኒዮነ ኤ ሊበራዚዮነ ማለት ብናይ ውኅደትን ነጻነት ማኅበር መንፈሳዊ ዕላማ ዝምራሕ ናይ ድጋፍ ማኅበር ሊቀ መንበር ጆርጆ ቪታዲኒ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገብርዎ ቃለ ምልልስ ኣመልኪቶም፣ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ናይ ነፍሲ ወከፍ ምእመን ናይ እምነትን ሃይማኖትን ዋሕስ ምዃኖም ኣረዲኦም፣ እምነትና ብትኽክልን ብሓቀይና መገድ ክንነብሮ ብፍቓድ እግዚኣብሔር ዝቖመ ብጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዝተወሰነ ተልእኾ ቅዱስ ኣቦና ከምዘድልየና ድማ ሓቢሮም፣ ብሓቂ እቲ ዝተኻየደ ናይ ጸሎት መደብ በዓል ሕዝበ እግዚኣብሔር ኢዩ ኔሩ ኢሎም።

ቤተ ክርስትያን ብኅብረ ጸዋዕታ ኣብ ተልእኮ ተኸታሊ ጴጥሮስ ሓድነታ ዘቖመት ኢያ። ቅዱስ ኣቦና ወንጌል ክንነብሮን ወንጌላዊ ጥርኑፍ ሕይወት ከነንጸባርቕን ወትሩ ከምዘተባብዑን ከምዝምዕዱን ከምዘስተምህሩን ድማ ሓቢሮም፣ ብውልቂ ዝፍጸም ሓጢኣት መሠረት ንመላእ ቤተ ክርስትያን ምንቃፍ ዓቢ ጌጋ ኢዩ፣ ኣብ ካልእ ዘሎ ሓጢኣት ምርኣይ ዘይኮነስ ናትካ ሓጢኣት ምርኣይ የድሊ። ፈረድቲ ክንከውን የብልናን፣ ምእንቲ’ዚ እቲ ናብ ሓጢኣት ዝድርኸና ምዝንጋዕ ትርጉም ሓጢኣት ኢዩ፣ ቅዱስ ኣቦና ድማ እዚ እቲ ዝዓበየ ሓጢኣት ምዃኑ ነዚ ዘስተውዕ ጥንቁቕ ሃለዋት ክህልወና ይዕድሙና፣ እቲ ዝተኻየደ መደብ ጸሎት ነዚ ዝምስክር ኢዩ ኔሩ ኢሎም።








All the contents on this site are copyrighted ©.