2010-05-15 14:47:44

ናይ ስነ ሃይማኖት ትምህርቲ ኣብ ኣባይቲ ትምህርቲ


ኣብ ኢጣሊያ ናይ መንግሥቲ ቤት ምኽሪ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ፣ ክፍሊ ትምህርቲ ስነ ሃይማኖት ማዕርረ ካልኦት ጨንፈር ትምህርቲ ኢዩ እንክብል ዝሃቦ ውሳኔ፣ ናይ ኢጣሊያ ናይ ትምህርቲ ጉዳይ ሚኒ. ትኽክለይናን RealAudioMP3 ቅኑዕን ኢዩ ኣንክብላ ዝተሰምዔን ሕጎስ ክምዝገለጻ ተሓቡር።

ብዛዕባ ናይ ትምህርቲ ጉዳይ ዝምልከቱ ሕግታት ሊቅ ሰርጆ ቺካቴሊ ብዛዕባ ናይ መንግሥቲ ቤት ምኽሪ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ውሳኔ ኣመልኪቶም ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ፣ ናይ ኢጣሊያ ቅዋም ሃገር ኣብቲ ናይ ትምህርቲ ጉዳይ ዝምልከት ዓናቅጽ ድሮ ኣብ 1989 ዓ.ም. ግዴታዊ ዘይኮነ ኣማራጺ ክፍሊ ትምህርቲ ኢዩ ቢሉ፣ ተመሃራይ ኣብ ምጅማር ዓመት ትምህርቲ ክወስዶ ኢየ ቢሉ እንተድኣ ሓርይዎ ግዴታ ክውስዶ ዘለዎን፣ ከም ናይ ካልኦት ጨንፈር ትምህርቲ ኣብ ናይ ምሕላፍን ምውዳቕን ውሳኔ እትው ኢዩ ይብሎ። ናይዚ ዓንቀጽ’ዚ ሕጋዊ ትግባሬኡ ብዙሕ ዘካትዕ ብምንባሩ ድማ እቲ ናይ መንግሥቲ ቤት ምኽሪ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ነቲ ሓድሽ ውሳኔ ንኸመሓላልፍ ኣገዲድዎ ኢሎም።

እቶም ክፍሊ ትምህርቲ ሃይማኖት ምከታተሉ ዘይደልዩን ዘይመርጽዎን ዳርጋ 4 ካብ ሚእቲ ኢዮም፣ ሕጊ ከምዝእዝዞ ድማ ነዚ መደብ ትምህርቲ ዘይመርጹ ኣብ ክፍለ ግዜ ትምህርቲ ሃይማኖት ካልእ ኣማራጺ መደብ ክሕንጸጸሎም ግድን ኢዩ፣ እዚ ውሑስ ክኸውን ኣለዎ፣ ትምህርቲ ሃይማኖት ልክዕ ምስቶም ካልኦት ጨንፈር ትምህርቲ ማዕረ ኢዩ እንክብሉ ዝሃብዎ ቃለ ምልልስ ደምደሙ።








All the contents on this site are copyrighted ©.