2010-05-15 14:51:42

ተኣዝዞን ኣኽብሮትን ደገፍን ንቕዱስ ኣቦና


ኣብ ኢጣሊያ ናይ ዓለማውያን ምእመናን ቤት ምኽሪ ዕለት 16 ግንቦት 2010 ዓ.ም.ፈ. ኩሉ ካቶሊክ ክርስትያንን ዝተፈላለያ ናይ ዓለማውያን ምእመናን ማኅበራትን ምንቅስቓሳትን ተኣዝዞን ኣኽብሮትን ደገፍን RealAudioMP3 ንቕዱስ ኣቦና ንምርግጋጽ፣ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ዘዕርግዎ ጸሎት ንግሥተ ሰማይ ብምስታፍን ድሕሪ እቲ ጸሎት ዘቕርብዎ ስብክበት ብምስማዕ ከረጋግጹ ኣብ ዘቕረቦ መደብ መዓልቲ ድጋፍ ንቅዱስ ኣቦና ናይ ኣብ ኢጣሊያ ናይ ካቶሊክ ኣባይቲ ትምህርት ዝጥርንፍ ማኅበር ክሳተፍ ምዃኑ ተገሊጹ።

ናይ ካቶሊክ ኣባይቲ ትምህርቲ ዝሓቁፍ ማኅበር ሊቀ መንበር ማርያግራዚያ ኮሎምቦ ቅዱስ ኣቦና ናይ ሕንጸት መደብ ክቡር ምዃኑን፣ እቶም ኣብዚ መደብ ዝዋስኡ ዘለዎም ልዑል ሓላፍነት እዚ ድማ ነቶም ናይ ጽባሕ ናይ ሃገር ተረከብቲ ብቑዓትን ብሱላትን ምሉእነት ግብረ ገብ ዝነበሩን ኣብ ሥነ ምግባር ንኽሃንጹ ዝተጸውዑ ምዃኖም ብምዝኽኻር እዚ ኃላፊነት’ዚ ብሸለልትነት ከይርኤይ ከይተሓላሉ ዘቕርብዎ መሪሕ ቃል ንምምሥካር እቲ ብአአን ዝምራሕ ማኅበር ጽባሕ ኣብ ቅዱስ ጴጥሮስ ኣደባባይ ካሳተፍ ምዃኑ ገሊጸን።








All the contents on this site are copyrighted ©.