2010-05-15 14:53:36

ሕቡራት መንግሥታት ዓለም፣ ብረታዊ ቃልሲ ልምዓት ሓገራት ይዕንቅጽ


ዝሓለፈ ረቡዕ ኣብ ስዊዘራልንድ ብረታዊ ቃልሲ ልምዓትን ብዝብል ኣርእስቲ ተሰንዩ ዝተኻየደ ናይ ሕቡራት መንግሥታት ቤት ጽሕፈት መደብ ልምዓት ዝጠለቦ ዓለም ሓቆፍ ጉባኤ፣ ውግእ ኣብ ሰብን RealAudioMP3 ንብረትን ጥራህ ዘይኮነ ንድሕሪት ዝመልስን ልምዓት ሓገራት እውን ዘተዓናቕፍን ዝዕንቅጽን ምዃኑ ናይቲ ቤት ጽሕፈት መደብ ልምዓት ሓላፊነት ሄለን ክላርክ ኣብቲ ኣኼባ ኣብ ዘስምዖኦ ዘረባ ሓቢረን።

ብሕልፊ ድማ እቲ ኣብ ዓለምና ዝርኤ ድኽነት ክሳብ 2015 ዓ.ም.ፈ. ዘሎ ናይ ዓመታት ገደብ ብፍርቂ ንምንካይ ዝሓንጸጾ መደብ ልምዓት ሚለኒዮም ሸቶኡ ከይወቅዕ ክዕንቅጽ ከምዝኽእል ክላርድ ሓቢረን፣ ኣብ ድቡባዊ ሃገራት ክፍሊ ዓለም ዘሎ ድኽነት ንምጥፋእ ዝገበሩ ጻዕርታትን ዝሕንጸጹ መደብ ልምዓት፣ ኣብ ተግባር ከይውዕል ካብ ዝዕንቅጹ እቲ ዝዓበየ ብረታዊ ቃልሲ ምዃኑ ኣመልኪተን፣ እተን ኣብ ውግእ ዘየለዋ ሃገራት ነጽዋር ዘፍስሰኦ መጻኢ ካብቲ ንናይ ድኻታት ሃገራት ንልምዓት ንምድጋፍ ዝፈስስ ወጻኢ እዚዩ ዝለዓለ ምዃኑ እረጋጊጸን።








All the contents on this site are copyrighted ©.