2010-05-13 13:54:19

ዓለም ሓቆፍ ማኅበር ካቶሊካዊ ተግባር


ር.ሊ.ጳ. ኣገልጋሊ እግዚኣብሔር ዮሓንስ ጵውሎስ ዳግማዊ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ኮይኖም ቅድሚ ምምራጾም፣ ኣብ ፖላንድ ኣብ ዝመርሕዋ ሰበኻ ክራኮቪያ ዝተኻየደን ብዝሓለፈ ሰንበት ዝተዛዘመ ዓለም ሓቆፍ RealAudioMP3 ማኅበር ካቶሊካዊ ተግባር ናይ ዘካየዶ ጉባኤ ናይ ሓባር ሰነድ ከምዘቕረበ ተገሊጹ።

እቲ ር.ሊ.ጳ. ኣገልጋሊ እግዚኣብሔር ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ጥሪ 2005 ዓ.ም.ፈ. ኣብ ቅድስቲ መንበር ናይ ዝተፈላለዩ ሃገራት ልኡካነ መንግሥቲ ተቐቢሉም ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ ዝተመርኮዘ ሕይወትን ዕለታዊ እንጌራን ሰላምን ነጻነትን ብዝብል ኣርእስቲ ተመሪሒ ዝተኻየደ ጉባኤ፣ ግደ ኤውሮጳ ኣብ ዓለም ለኻዊ ጉዳያትን ኣብ ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ዝግበር ዘተን ማለት ኣብ መንጎት ሃይማኖት ክርስትያንን ካልኦት ሃይማኖታትን ዘማእከለን፣ እዛ ጥንታዊት ክፍሊ ዓለም ናይ ሕይወት ካብ ምጽናስ ክሳብ ባህርያዊ ሞት ምክልኻል ዘተባብዕ ናይ ሕይወት ባህሊ ኣብ ምኽባር ክትጻወቶ ዘለዋ ተራ ዘመልከተን፣ እቲ ኣብ ዓለምና እናሰፍሔ ዝኸይድ ዘሎ ዓለማውነት ምትእስሳር ኣብ ናይ ኃላፍነት መንፈስ ዝቖመ ክኸውን ዓለም ሓቆፍ ማኅበር ካቶሊካዊ ተግባር ዘቕርቦ ርእይቶን ጻውዒትን ዘመልክት ሰነድ ምዃኑ ተገሊጹ።

በዚ ኣጋጣሚ እቲ ዝተኻየደ ጉባኤ፣ ነተን በቲ ኣብ ዓለምና ተኸሲቱ ብዘሎ ቅልውላው ኤኮኖምን ቁጠባን ኣዝየን ንዝተጠቕዓ ሃገራት ቀረባ ምዃኑ ብምርግጋጽ፣ ነቲ ቅልውላው ቁጠባ ንምስናፍ ኣብ ሥነ ምግባር ዝተሓንጸ መደብ ኤኮኖሚ እንኮ መልሲ ከምዝኾነ ድማ ብምምልካት፣ ነቲ ኣብ ቫቲካን ኣብ 2010 ዓ.ም.ፈ. ወርሒ ጥቅምቲ ንኽካየድ ተወሲኑ ዘሎ ናይ ማእከላይ ምብራቕ ብጹዓን ጳጳሳት ሲኖዶስ ዑዉት ክኸውንን ማኅበር ካቶሊካዊ ተግባር ኣብ መዳይ ሕንጸት ዘቕርቦ ደገፍ ክተባብዕ ብምትሕስሳብ፣ ንቅዱስ ኣቦናን ተሓባበርቶምን ፍቕርን ኣኽብሮትን ተኣዝዞን ዳግም ብምቅላሕ፣ ከምቲ ቅድስቲ ካተሪና ዘ ሲየና ዝበለቶ፣ ኩሉ እቲ ንኽነብሮ ዝተውሃቦ ጸዋዕታ ብምልኣት ኮይንዎ እንተነቢሩ ዓለም ክልወጥ ኢዩ ዝበለቶ ቓል ዘቓልሕ ሰነድ ምዃኑ ተሓቢሩ።







All the contents on this site are copyrighted ©.