2010-05-13 13:49:50

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ. ንመንእሰያት፣ ኣባኹምን ኣብ ጸሎትኩምን ተስፈይና ኢየ


ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ኣብ ፖርቱጋል ሓዋርያዊ ዑደቶም የካይዱ ከምዘለዉ እንክንገር፣ ቅድሚ ትማሊ ሊስቦና ኣብ ዝርከብ ሕንጻ ሓዋርያዊ ወኪል ቅድስቲ መንበር ምስ RealAudioMP3 መንእሰያት ከምእተራኸቡ ተገሊጹ።

ኣብ ቅድሚ እቲ ሕንጻ ሓዋርያዊ ወኪል ቅድስቲ መንበር ዝርከብ ኣደባባይ መንእሰያት ምስ ቅዱስ ኣቦና ንኽራኸቡን መሪሕ ቃሎም ንኽሰምዑን ነዚ ርክብ ብጸሎትን ኣስተንትኖ ኣብ ቃል ኣምላኽን ብፍልይ ኣብ ወንጌል ሉቃስ ምዕራፍ 5 ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ጥቓ ባሕሪ ጌንሳረጥ ቀዳሞት ሰዓብቱ እንክመርጽ ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ ብምስትንታንን ብመንፈሳዊ መዛሙርን ብሓጎስን ብፍቕርን ተሰንዮም ክጽበዩ ድሕሪ ምጽናሕ ቅዱስነቶም ብሓዋርያዊ መስኮት ተቐልቂሎም ነቶም መንሰያት ሰላምታኦም ብምቕራብ፣ ሱታፌ እቶም መንእሰያት ኣብ ቅዳሴን ቅዱስ ቁርባንን ንኢዶም፣ እዚ ሰናይ ፍቓድኩምን ጽኑዕ እምነትኩም ዝምስክር ቅዱስ ተግባር ኢዩ ኢሎም።

ኣብ’ቲ ዘለኣለማዊ መንእሰይ ክርስቶስ ዘሎኩም እምነት፣ ብእተቕርብዎ ኅያው ምስክርነት እናረጋገጽኩም፣ እምነትኩም እትነብሩ ምዃንኩምን ኣብ ጸሎትኩም ቤተ ክርስትያንን ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ተስፈይና ኢያቶም ምስ በሉ፣ ካብቶም መንሰያት ንዝቐረበሎም ናይ ልዋም ምሸት ምንዮት ብምድናቕ ቡራኬኦም ሂቦም ብተራኦም እውን ነቶም መንሰያት ልዋም ምሸት ተመንዮም ከምዘፋነዉዎም ተሓቢሩ።








All the contents on this site are copyrighted ©.