2010-05-13 18:48:57

ሓዋርያዊ ምብጻሕ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት አብ ፖርቱጋል፡


ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ ዝሐልፈ ሰሉስ አብ ፖርቱጋል ዝጀመርዎ ሐዋርያዊ ምብጻሕ ይቅጽል አሎ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ ትማሊ ድሕሪ ቀትሪ ካብ ሊዝቦን ናብቲ ካብ ሰሜናዊ ሊዝቦን 120 ኪሎሜትር ርሒቁ ዝርከብ ንገዳመ ፋጥማ ከም ዝተጓዕዙ ክዝከር ከሎ፡ ቅድሚ ንገዳመ ፋጥማ ምንቃሎም አብቲ አብ ሊዝቦን ዝርከብ አዳራሽ ወኪል ሓዋርያዊ ቅድስቲ መንበር ምስ ናይ ፖርቱጋል ቀዳማይ ሚኒስተር ምስ ኾሰ ሶቅራጠስን ምስ ናይ ወጻኢ ጉዳይ ሚንስተር ሉዊስ አማዶንን ተራኺቦም። አብቲ ንፍርቂ ሰዓት ዝተኻየደ ርክብ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጽሐፊ ብፁዕ ካሪዲናል ታርቺስዮ በርቶነ አብ ናይ ቅድስቲ መንበር ወጻኢ ጉዳይ ምኽትል ዋና ሐላፊ ብፁዕ አቡነ ፈርናዶ ፊሎኒ አብ ፖርቱጋል ናይ ቅድስቲ መንበር ሐዋርያዊ ወኪል ብፁዕ አቡነ ሪኖ ፓሲጋቶ ተረኺቦም ከም ዝነበሩ ናይ ቅድስቲ መንበር አቀባሊ ቃል አባ ፈደሪኮ ሎምባርዲ ካብ ሊዝቦን ዘተሐላለፍዎ መልእክቲ አረዲኡ።

ናይ ቅድስቲ መንበር አቀባሊ ቃል ዝልአኽዎ መልእኽቲ መሠረት፡ አብቲ አብ መንጎ ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስን ናይ መንግስቲ ፖርቱጋል ላዕሎዎት ሰበ ሥልጣናንን ዝተኸየደ ንኡስ አኼባ ርክብ ቤተክርስትያንን መንግስቲ ፖሩጋልን፣ ቤተክርስትያን አብ መዳይ ማሕበራዊ ሕይወት ህዝቢ ፖርቱጋል ዘለዋ ዕዙዝ ተራን ዘተኮረ ኢዩ ኔሩ።

ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ ቅድሚ ቀትሪ ምስ ናይ ባህልን ሥነ ጥበብን ሥነ ጽሑፍን በሰላት እውን ተራኺቦም።

ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ ትማሊ ድሕሪ ቀትሪ ብናይ ፖሩጋል ሰዓት አቆጻጽራ ሰዓት አርባዕተን ርብዒን ድሕሪ ቀትሪ ካብ ናይ ሊዝቦን ሀገራት ሐቆፍ መዕረፍ ነፈርቲ፡ ነቂሎም ድሕሪ ሐደ ስዓትን ፈረቃን በረራ ፋጥማ ከተማ አትዮም። ፋጥማ ከተማ ምስቲ ብ1917 ቅድስቲ ድንግል ማርያም ንሉቺያ ፍራንቸስኮን ጂያቺንታን ንዝተባህሉ ሰለስተ ሕጻናት ዝተገልጸትሉ ቦታ ኢዩ። እዚ ሒዝናዮ ዘለና ዓመት ጂያቺንታን ፍራንቸስኮን ሥርዓተ ብፅዕና ዝደፍእሉ መበል ዓሰርተ ዓመት እናቴ ሉቺያ ዝሞታሉ መበል ሓሙሻይ ዓመት ጂያቺንታ ዝተወልደትሉ መበል ሚእቲ ዓመት ዝኽበረሉን ዝዝከረሉን ግዜ ኢዩ ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ግለጸተ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ዝተኸስተሉ መካን አብዚ ሕጂ ቅዱስ አቦና ዝርከብሉ ኮቫ ዳ ኢርያ ዝተባህለ መካን ከም ዝኾነ ይዝከር። እዚ መካን”ዚ በሽሐት ዝቁጸሩ ምእመናን ዝነግድሉ ዝጽልይሉን ንካቶሊካውያን ዝተቀደሰ መካን ከም ዝኾነ ይፍለጥ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ መበል ዓሰርተ ሽዱሽተ ትማሊ አማስይኦም ካብ ሊዝቦን ከተማ ፋጥማ ከም ዝአተዉን አብ መዕረፍ ነፈርቲ ፋጥማ ምስ በጽሑ ብናይታ ከተማ ጳጳስ ብብፁዕ አቡነ አንቶንዮ አውጉስቶ ዶሽ ሳንቶስ ማርቶ ተመሪሖም ብዝሐት ጳጳሳት ካህናትን ደናግልን ምእመናንን ከንቲባ ፋጥማን ላዕሎዎት ወኪላት መንግስትን ዉዕዉዕን ድምቁን አቀባብላ ጌሮምሎም። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ከተማ ፋጥማ ምስ በጽሑ ብቀጥታ ናብቲ ግለጸተ ቅድስቲ ድንግልማርያም ዝተኸሰተሉ መካን ተጓዒዞም አብቲ አብኡ ዝርከብ ቤተ ጸሎት ብብሕቲ ጸልዮም። ካብ ቤት ጸሎት ምስ ወጹ ምስቲ አብኡ ዝጽበዮም ዝነበረ ህዝበ ክርስትያን ከም ዝተራኸቡን ናይ ፖርቱጋል ጳጳሳዊ ኮሚስዮን ሊቀ መንበር ብፁዕ አቡነ አንቶንዮ ፍራንሲስኮ፡ ንቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ ናይ እንቋዕ ድሐን መጻእኩም ዲስኩር ከም ዝገበሩ እቶም ነቲ ሓዋርያዊ መገሻ ፖርቱጋል ንምክትታል አብኡ ዝርከቡ ናይ ቫቲካን መራኸቢ ብዙኀን አፍሊጦም። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ ነቲ ዝተገብረሎም ምዉቅ አቀባብላ ከም ዘመስገኑ እቶም መራኸቢ ብዙኀን አመልኪቶም።

ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ ፖርቱጋል ዘካይድዎ ዘለዉ ሐዋርያዊ መገሻ ብዝንአድ አገባብ ይካየድ ከም ዘሎ ክምልከት ከሎ ትማሊ ምሸት አብ ገዳመ ፋጥማ በሽሐት ዝቁጸሩ ምእመናን አብ ዝተረኽብሉ አብ ቀጽሪ ገዳም ፋጥማ ዝርከቡ ጥዋፋት ባሪኾም ሥርዓተ መቁጸርያ ክአ ከም ዝመርሑ ተገሊጹ ።

ብድሕሪኡ አብቲ ኖሳ ሰንሄሮ ዶካርሞ ዝተባህለ አዳራሽ ተመሊሶም ምስ ዘሰነትዎም ካርዲናላትን ጳጳሳትን ጋዜጠኛታትን ተደሪሮም አብኡ ክአ ከም ዝሐደሩን እቶም መራኸቢ ብዙኀን አረዲኦም ።

ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ ሎሚ ንግሆ ዕለተ ሐሙስ 13 ግንቦት አብ ቁጽሪ ገዳመ ፋጥማ ካብ ሰለስተ ሚእቲ ሺሕ ምእመናን አብ ዝተረኽብሉ መሥዋዕተ ቅዳሴ አዕሪጎም። ምብጻሕ ገዳመ ፋጥማ ማእከል ሐውርያዊ መገሸኦም ከም ዝኾነ ክምልከት ከሎ ንመንበረ ሐዋርያ ቅዱስ ጰጥሮስ ካብ ዝስየሙ ነዚ ቅዱስ መካን’ዚ ክበጽሑ እዚ ናይ መጀመርያ ግዚኦም ኢዩ። እምብአር ከስ ሎሚ ንግሆ አብቲ ቁጽሪ ገዳመ ፋጥማን ብብዝሒ ህዝቢ እቲ አከባቢ ኮይኑ ካብ ህዝቢ ፓሩጋልን ካብ ወጻኢ ንማርያም ፋጥማ ክነግዱ ዝመጹ በምእት አሽሐት ህዝቢ አብ ዝተረኽበሉ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ በካርዲናልት ብጳጳሳትን ብካህናትን ተዓጂቦም መሥዋዕተ ቅዳሴ አብ ዘዕረግሉ ግዜ አብ ዘስምዕዎ ስብከት፡ ዝተፈኹም አሐተይን አሕዋተይን ዝተፈኹም ህዝበ ክርትያን፡ እነሆ ሎሚ መዓልቲ አብቲ ቅድስት ድንግል ማርያም ንዓለም ክትገለጸሉ ዝወሰነቶ መካን ክነግድ መጺኤ። አብ ገዳም ፋጥማ ክነድ ዝመጻእኩሉ ምኽንያት ዘርኢ ሰብ ብስቃይን ብሽግርን ተጠቂዒሉ አብ ዝርከበሉ ፍዜ’ዚ ምስአን ምስ ነጋድያንን ብሐባር ክጽሊ ስለ ዝደለኹ ኢዩ ኢሎም ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ፡ ቀጺሎም መካነ ብፁዓን ፍራንቸስኮን ጂያቺንታን አገልጋሊት እግዚአብሔር ሉቺያን ክበጽሕን ክጽልን ከስተንትንን ገዳመ ፋጥማ ክበጽሕ ዝነበረኒ ሀረርታ አብ ግብሪ ንምውዓልን ኢዩ ቢሎም። እዞም ዝተጠቅሱ ክልተ ብፁዓንን አገልጋሊት እግዚኣአብሔር ሉቺያን ብ1917 አብዚ ቅዱስ አቦና ዝርከብሉ ቦታ ቅድስቲ ድንግልማርያም ከም ዝተራእየቶም ይዝከር።

አብዚ ዝዛዘም ዘሎ ዓመተ ካህን፡ ቅድስቲ ድንግላ ማርያም ንካህናትን ንልኡካነ ቅዱስ ወንጌልን ክትሕሉን ጸግአ ክተውርድን ንወዳ ክተማልደልናን ንምጽላይን ንቅድስቲ ድንግል ማርያም ንምልማንን ዘካተተ ሐዋርያዊ ዑደት ከም ዝኮነ ክአ ቅዱስ አቦና ሎሚ ረፍዲ አብቲ አብ ገዳመ ፋጥማ ዘስም ዕዎ ስብከት አመልኪቶም።

ናይ ለይሪያ -ፋጥማ ጳጳስ ብፁዕ አቡነ አንቶንዮ አጉስቶስ ዶስ ሻንቶስ ማርቶ ቅድሚ ቅዳሴ ንዝገበሩሎም ናይ እንቋዕ ድሐን መጻእኩም ዲስኩር ብልቢ አመስጊኖም አብ ርእሰ ከተማ ሊዝቦንን አብ ከተማ ፋጥማን ናይ መንግስቲ ሰበስልጣናትን ህዝብን ንዝገበረሎም ብሐጎስ ዝተሰነየ አቀባብላ ክአ አመሲኖም። ነቶም ካብ ዝተፈላለዩ ሃይማኖታት ንግደት ማርያም ፋጥማ አብቲ ቅዳሴ ዝተረኽቡን ነቲ አብ ቁጽሪ ሥርዓተ ቅዳሴ ዝተኸታተለ ብካብ ሰለስተ ምእቲ ሺህ ዝበዝሕ ህዝብን ንሕሙማትን ሐውርያዊ ቡራኼ ሂቦም።



ብድሕሪ”ዚ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ ድሕሪ ፍጻሜ ቅዳሴ አብ ውሽጢ’ቲ ገዳም ዝርከብ መቃብር ሰማዕታት ፍራንቸስኮን ጂያቺታን አገልጋሊት እግዚአብሔር ሉቺያን በጺሖም። በቶም ንርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት አሰንዮም አብ ፖርቱጋል ዝርከቡ ናይ ቫቲካን መራኸቢ ብዙኀን መልእክተ ዜና መሠረት ።ፍርቂ መዓልትን ፈረቃን ክአ ናብ ኖሳ ሰንሄሮ ዶ ካርሞ ተመሊሶም ምስ ሐምሳ ዝኾኑ ጳጳሳት ፖርቱጋል ብ ሐባር ተመሲሖም።

ድሕሪ ሐጺር ዕረፍቲ ድሕሪ ቀትሪ ብናይ’ቲ ሀገር ሰዓት አቆጻጸር ሰዓት ሐሙሽተን አርባዓን ሐሙሽተን አጋ ምሸት ናብቲ አብቲ ቦታ ዝርከብ ቅድስቲ ትርኒዳድ ቤተክርስትያን ተጋዒዞም አብኡ ምስ ናይ ኩለን ተቅዋማት ቤተክርስትያን ፕርቱጋል ሐለፍን አባላትን ተራኺቦም።

ምሸት ሰዓት ሸውዓተን አርባዓን ሐሙሽተን ንኖሳ ሰንሄሮ ዶ ካርሞ ተመሊስሶም እንደገና ምስ ጳጳሳት ፖርትጋል ተራኺቦም ፡ ናይ ፖርቱጋል ረኪበ ጳጳሳት ሊቀመንበር ብፁዕ ካርዲናል ኾርኸ ኦርቲጋ ሐዋርያዊ ዑደት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት አብ ፖርቱጋል አመስጊኖም።

ድሕሪ ድራር ክአ ናይ ሎሚ ሓዋርያዊ ዑደተም ፍጻሜ ከም ዝኾነ ካብቲ ቦታ ዝመጹ ዜናታት አገንዚቦም።

ጽባሕ ግንቦት ዓሰርተ አርባዕተ ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ ካብ ገዳመ ፋጥማ አብታ 190 ኪሎሜትር ርሒቁ ትርከብ ከተማ ፖርቶ ክበጽሑ ንግሆ ሰዓት ሸሞንተ አርብዓን ካብ ፋጥማ ንፖርቶ ክጓዙ ኢዮም ። ድሕሪ ሐውርያዊ ምብጻሕ ፖርቶ ክአ ሐዋርያዊ ዑደት ፖርቱጋል ክዛዘም ኢዩ።








All the contents on this site are copyrighted ©.