2010-05-12 10:46:16

ሓዋርያዊ ምብጻሕ ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ ኣብ ፖቱጋል


ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ካብ ሐዋርያዊ መንበሮም መዕረፍ ነፈርቲ ለኦናርዶ ዳ ቪንቺ ምስ በጽሑ ናይ ኩርያ ሮማ ተቅዋማት ቅድስቲ መንበር ሰበሥልጣናት፣ አብ ቤት ጽሕፈት ቤት ምኽሪ ቀዳማይ ሚኒስተር ዋና ጸሐፊ ጂያኒ ለታ አፋንዮሞም።

ብናይ ከተማ ሮማ ሰዓት ኣቁጻጽራ ክአ ሰዓት ትሽዓተን ርብዕን ብናይ አሊታልያ ጁሰፐ ዚንጋረቲ ትጽዋዕ ኤየር ቡስ A 320 ተጓዒዞም ።

ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ካብ ኢጣልያ ምስ ነቀሉ፣ ናብ ርእሰ ብሔር ጂዮርጂዮ ናፖሊታኖ ተለግራም አተሐላሊፎምሎም፡ ካብ መሬት ኢጣልያ ወጺኤ አብ ፖርቱጋል ሓዋርያዊ መገሻ ክገብር እኸይድ አለኹሞ ሕያውነታዊ ሰላምታ እልእከልኩም፣ ዝተፈኹም ርእሰ ብሔር፡ አብ ፖርቱጋል ምስ ካቶሊካዊ ማኅበረሰብ ፖርቱጋልን ህዝብን ክራኸብ ልዑል ሐጎስ ይስምዓኒ። ከምቶም ካብ ምሉእ ዓለም ብፍላይ ናይ ጥዕና ሽግር ዘለዎም ሰባት ተስፋን ብርሃንን ክረኽቡ ንመካነ ንግደት ፋጡማ ዝነግዱ አነ ክአ እነሆ፡ አብ መካነ ፋጡማ ክነግድ እኸይድ አለኹ። እግዚአብሔር ንኢጣልያ ይባርክ ብማለት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ ንርእሰ ብሔር ጂዮርጂዮ ናፖሊታኖ ዘተሐላለፍዎ መልእኽተ ተለግራም አመልኪቱ።

ናይ ኢጣልያ ርእሰ ብሔር ጂዮርጂዮ ናፖሊታኖ፡ ነቲ ተለግራም ምስተቀበሉ፡ “ነቲ ዝልአኽኩምለይ መልእኽቲ ተዓዚበዮ እግዚአብሔር ይሃብለይ። እዚ አብ ፖርቱጋል እተካይድዎ ሐዋርያዊ ዑደት ዕዉት ከኸውን እምነየልኩም ንክርስትያን ጥራሕ ዘይኮነ ንመላእ ዘርኢ ሰብ ቅዱስ መካናት ክትበጽሑ አብ ዓለምና ሰላም ክሰፍን እተካይድዎ ጸዓት እግዚአብሔር ይሐግዝኩም” ብማለት ርእሰ ብሔር ኢጣልያ ንቅዱስ አቦና ቅጽበታዊ መልሲ ከም ዝሃቡ ተመልኪቱ።

ብናይ ፖርቱጋል ሰዓት አቁጻጽራ ሰዓት ዓሰርተ ሐደ ቅድሚ ቀትሪ ርእሰ ከተማ ሊዝቦን መዕረፍ ነፈርቲ አትዮም። አብ መዕረፍ ነፈርቲ ሊዝቦን ስላሳን ክልተን ሕጻናት እንቋዕ ድሐን መጻእኩም ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ ዝብል ዝማርክ መዝሙር ዘሚሮም። ናይ ቅድቲ መንበርን ናይ ፖርቱጋልን ሀገራዊ መዝሙራት ተሰሚዖም ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲቶስ ሊዝቦን ርእሰ ከተማ ምስ አተዉ ናይ ፖርቱጋል ርእሰ ብሔር ሀኒባል ካቫኮ ሲልቫ በዓልቲ ቤቶም ናይ ሊዝቦና ፓትርያርክ ብፁዕ ካርዲናል ኾሰ ዳ ክርጽ ፖሊካርፖ ካልኦት ናይ ሃይማኖትን መንግስትን ላዕሎዎት ሰበ ሥልጣናት ዉዕዉዕ አቀባብላ ጌሮምሎ። ናይ ፖርቱጋል ርእሰ ብሔር ሃኒባል ካቻኮ ሲላቫ እንቋዕ ድሐን መጻእኩም ዲስኩር ጌሮም፡ ፕረሲደንት ሃኒባል ሲልቫ ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ብስመይን ብስም ህዝቢ ፖርቱጋልን እንቋዕ ድሐን መጻእኩም፡ እዚ አብ ሀገርና ትገብርዎ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ንፖርቱጋል ክብ ዝበለ ምስጢር ዝሐዘለ ታሪካዊ ሐዋርያዊ ዑደት ኢዩ። ህዝቢ ፖርቱጋል ነጋይሽ ብጽቡቅ ናይ መቃባልን ምስትእንጋድን ጥንታዊ ባህሊ ከም ዘለዎ ከዘኻኽር ይፈቱ ብፍላይ ተካኢ ሐዋርያ ቅዱስ ጰጥሮስ ክትበጽሑና መጺእኩም ብፍላይ ምእመናን ፖርቱጋል ዝስምዕሞም ሐጎስ ደስታ እቲ ዝልዓለ ከም ዝኾነ ክገልጽ ይፈቱ።

ናይ ፖርቱጋል ርእሰ ብሔር አኒባል ካቻኮ ሲልቫ ቀጺሎም፡ ቅድመኹም ዝነበሩ አርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት አብቲ አብ መንጎ ፖሩጋልን ቅድስቲ መንበርን ካብ 1179 ዝጀመረ ርክብ ተመሪኲሶም እምንቲ ፖርቱጋል ጸዊዖማ ሕጂ ክአ ርክብ ቅድስቲ መንበርን ርክብ ፖሩጋልን ጥንታዊን ዱልዱልን ከም ዝኾነ ከረጋግጸልኩም ደስ ይብለኒ ኢሎም። እት ብ2004 ዝተሕደሰን ዝጸደቀን ርክብ ክአ ነዚ ዘረጋግጽ ኢዩ። እዛ ሎሚ ትቀበለኩም ዘላ ፖርቱጋል አብ መትከላት ክብሪ ሰብን ሰላምን ፍትሕን ትአምን ናይ ብዙኀን ሰባትን ነጻን ሐርነቱ ዝዓቀበ ህዝብን ሀገር ከም ዝኮነት ንቅዱስ አቦና ክገልጽ ጥልቂ ሐጎስ ይስምዓኒ መንግስትን ሃይማኖትን ተኸባቢሮም ተሰማሚዖምን ዝነብሩላ ሀገር ክአ እያ ብማለት ናይ ፖርቱጋል ርእሰ ብሔር ገሊጾም።

መሠረትን ምንጭን ክርስትና ፖርቱጋል ዘይሃስስ ዉዕዉኦ መንነት ህዝቢ ፖርትትጋል ከም ዝኮነ ታሪኽ ሀገርና ዘረጋግጾን ዝምስክሮን ጉዳይ ኢዩ። አብዚ ሕጂ ንነብረሉ ዘለና ግዜ ኩሉ ኩነታት ዓለምና ተዓዚብካ ብጽምኢ ፍትሐን ምትሕብባርን ሰላምን ዝሳቀ ዘሎ ህዝቢ ዓለም ቅዱስ አቦና ከምዚ ንስኹም እትገብርዎ ዘለኹም ብሥራት ሰላምን ተስፋን አዝዩ አድላዪ`ኢዩ ዝበሉ ናይ ፖርቱጋል ርእሰ ብሔር አኒባል ሲልቫ ብስም ህዝቢ ፖርትጋል መንግስትን ቤተክርስትያንን ንዝገበርናልኩም ዕደመ አኽቢርኩም ሎሚ አብ መንጎና ስለ ዝተረኸብኩም ብስመይን ብስም ህዝቢ ፖርቱጋልን የመስግነኩም እንደገና እንቋዕ ድሐን መጻእኩም ብማለት ነቲ ዝጅመርዎ ዲስኩር ዛዚሞም።

ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ አብ መዕረፍ ነፈርቲ ፖርተላ/ሊዝቦን ርእሰ ብሔር ፖርቱጋል ናይ እንቋዕ ድሐን መጻእኩም ዲስኩር ምስ ገበሩ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነቲ ብናይ መንግስትን ናይ ቤተክርስትያንን ዝተገብረሎም ድሙቅ አቀባብላ ብልቢ አመስጊኖም። ሐጺር ዲስኩር ከም ዝገበሩ ክምልከት ከሎ፡ ጥንታዊትን ዝተፈትወትን ፖርቱጋል ቅድሚ ሕደ ክፍለ ዘመን ረፑብሊካ ዝተሰምየትሉ ግዜ አብ እተኽብረሉ ዘላ ግዜ ክበጽሐ ብርእሰ ብሔርን ብሕዋተይ ጳጳሳትን ዝተግበረለይ ዕድመ የመስግን ፡ ፖርቱጋል ንኽበጽሕ ዘክአለኒ ከሃሌ ኩሉ እግዚአብሄር ክአ ምስጋና ይብጽሐዮ ኢሎም።

ቀጺሎም ብፀጋን ለውሃተ እግዚአብሔርን ንመንበረ ቅዱስ ጰጥሮስ ካብ ዝስየም ንመጀመርያ ግዜ ፖርቱጋል ክበጽሕን ዝተገብረለይ ሕያውነታዊ ዎዉዕ አቀባብላ የመስግን። ዝኽተልዎ እምነት ብዘይምልከት ክአ ንህዝቢ ፖሩጋል ሰላምታይ የተሐላልፍ ዝበሉ ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ ፓሩጋል ካብ ጥናቲ 1460 ጀሚራ ምስ ቅድስቲ መንበር ርክብ ከም ዝነበራ አዝኻኺሮም።

አብ ፖርቱጋል አብ መካነ ንግደት እግዚእትነ ማርያም ዘፋጥማ ክነግድ ምጽኤይ ዝስምዓኒ ሐጎስ ወሰን የብሉን ቅድሚ ተሽዓን ሰለሰተን ዓመታት ሰማይ አብ ልዕሊ ፖርቱጋል ከም ዝተከፍተ ዘኪሮም እዚ ክፍተት’ዚ መንገዲ ተስፋ አፍ ተስፋ ከም ዝኾነ አመልኪቶም፡ ግልጸተ ቅድስት ድንግልማርያም ወላዲተ አምላኽ ብምዝካር። ግልጸተ ቅድስቲ ድንግል ማርያም አርእስተ ሊቃነ ጳጳሳት ወይ ክአ ብ ኤተክርስትያን ደልያቶ ዘይኮነስ ድላይን ፍቃድን እግዚአብሔር ከም ዝኮነ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ አብቲ አብ መዕረፍ ነፈሪት ሊዝቦን ዝገበርዎ ዲስኩር አገንዚቦም።

ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ አተሐሒዞም አብዚ አብ ፖርቱጋል ዘካይዶ ሓዋርያዊ ዑደት ምስ ህዝቢ ፖርቱጋል ሐቢረ ምእንቲ ሰላምን ምእንቲ ካህናትን ዕቃበ ምሥጢረ ክህነትን ንምጽላይ ኢዩ። ግልጸተ ቅድስት ድንግል ማርያም አብ ፖርቱጋል ዘርኢ ሰብ ነቲ ዛሕቲሉ ዘሎ ፍቅሪ አምላኽ ንምብርባር ዘለዓለማዊ ድሕነት ምእንቲ ክረክብ አብ ልቡ ምእንቲ ክምለስን ሐቅነት ቅዱስ ወንጌል ንምዝኻኻርን ንምርግጋጽን ከም ዝኮነ አረዲኦም።

አተሐሒዞም፡ ቅድሚ ሐደ ሚእቲ ዓመት አብ ፖሩጋል ረፑብሊካዊ ምሕደራ ካብ ዝጅመር አብ መንጎ ቤተክርስትያንን መንግስትን ጽቡቅ ዝምድና ከም ዝነብረ ዘኪሮም ነጻነት ቤተክርስትያን ዘተኮረ ብ1940 ድሐር ክአ 2004 አብ መንጎ መንግስቲ ፓርቱጋልን ቅድስቲ መንበርን ዝተገብረ ስምምዕ ነቲ ታሪካዊ ርክብ ከም ዘጽደቆ አዘኻኺሮም።

ቀጺሎም ፡ዝተፈኹም አሕዋትን አሐትን ዜጋታት ፖርቱጋል አብ ማእከልኩም ክረከብን ነቲ ወትሩ ሀረር ዝብሎን ምብጻሕ ገዳመ ፋጥማን ገቢራዊ ምኻኑ ዝስምዓኒ ጥልቂ ሐጎስን ተድላን እናገለጽኩ ነዚ ዝገበርኩምለይ አቀባብላ ብልቢ የመስግነኩም። ነቶም አብ መዕረፍ ነፈርቲ ዝተጸበይዎም ናይ ቤተክርስትያን ናይ መንግስትን ላዕሎዎት ሰበስልጣናት ንሰብ ሙያታት መዕረፍ ነፈርትን ክአ ሓዋርያዊ ቡራኬ ሂቦም።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ ካብ መዕረፍ ነፈርቱ ሊዝቦን ብክፍቲ መኪና ሽዱሽተ ኪሎሜትር ብቀጥታ ናብቲ አብ ፖርቱጋል ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ወኪል ቤት ተጓዒዞም ቁሩብ ምሰዕረፉ፡ ናብቲ ዶስ ጀረኒሞስ ዝብሀል ብ1502 ዝተመስረተ ገዳም ተጓዒዞም አብዚ ካአ ናይ ፖርቱጋል ርእሰ ብሔር ምስ በዓልቲ ቤቶምን ናይቲ ገዳም ሐለፍትን ንበርትን ምዉቅ አቀባብላ ጌሮምሎም። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት አብቲ ገዳም ዝርከብ ቤት ጸሎት ጸልዮም።

ብድሕሪ’ዚ ክአ ናብቲ ርእሰ ብሔር ፖርቱጋል ዝነብሩሉ አዳራሽ በለም ተጓዒዞም ናይ ክብሪ ምብጻሕ ጌሮም አብ ናይ አጋይሽ ወርቃዊ መዝገብ ስሞም አስፊሮም ምስ ርእሰ ብ ሔር ተፋንዮም። ንቤት ጽሕፈት ወኪል ቅድስቲ መንበር ተመሊሶም ምስ አሰንዮሞም ዝኸዱ ካሪናላትን ምስ ናይ ፖርቱጋል ቤተ ክርስትያን ሰበስልጣናትን ብሐባር ተመሲሖም።

ናይ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት መርሃ ዑደት ከም ዝመልከቱ ድሕሪ ዕረፍቲ ብናይ ሊዝቦን ሰዓት አቆጻጸር ሰዓት ሐሙሽተን ፈረቃን መደብና ክተሐላለፍ እንከሎ ድሕሪ ቀትሪ አብ ተረይሮ ደ ፓኮ ሊዝቦና ዓቢ ቅርዓት ብዙሐት ምእመናን አብ ዝተረኽብሉ መሥዋዕተ ቅዳሴ የዕርጉ አለዉ።

ድሕሪ ሥርዓተ ቅዳሴ ናብት ዘዕርፍሉ መካን ሐዋርያዊ መልእክተኛ ክምለሱ ኢዮም አብኡ ሥርዓተ ድራርን ናይ ሎሚ ዕለተ ሓዋርያዊ መገሻ ፖርቱጋልን ፍጻሜ ከም እቲ መርሃ ዑደቶም የመልክት። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ አብ ፓርቱጋል ክሳዕ ዝመጽእ ዘሎ ዓርቢ ከም ዘጸንሑን ርእሰ ከተማ ሊዝቦን ፖርቶን ፋጥማን ከም ዝበጽሑን መርሃ ዑደቶም አመልኪቱ። አርእሰተ ሊቃነ ጳጳሳት ጳውሎስ ሻዱሽይን ዮሐንስ ጳውሎስ ካልአይን አብዛ ገዳመ ፋጡማ ዝርከበላ ፖርቱጋል ሓዋርያዊ መገሻ ከም ዝግበሩ ዝዝከር ኢዩ።












All the contents on this site are copyrighted ©.