2010-05-11 14:05:45

ጳጳሳዊ መንበረ ጥበብ ላተራነንሰ፣ ውሉደ ክህነትን መርበብ ሓበሬታን


ዝመጽእ ዘሎ ዕለት 16 ግንቦት 2010 ዓ.ም.ፈ. ዝብዕል መበል 44 ዓለም ለኸ መዓልቲ መራኸቢ ብዙኃን ምኽንያት ሮማ ኣብ ዝርከብ ጳጳሳዊ መንበረ ጥበብ ላተራነንሰ ሎሚ ካህንን RealAudioMP3 ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ኣብ እዋን ምስፋሕ ብሥነ ኣኃዝ ዝተራቀ ምዕቡል መራኸቢ ብዙኃን ኣብ ኣገልግሎት ቃል ኣምላኽ ብዝብል ኣርእስቲ ዝተመርሔ ዓውደ መጽናዕቲ ከምእተኻየደ ተሓቢሩ።

ብዛዕባ እዚ ዝተኻየደ ዓውደ መጽናዕቲ ኣመልኪቶም ኣብ ጳጳሳዊ መንበረ ጥበብ ላተራነንሰ ናይ ሥነ መራኸቢ ብዙኃን ትምህርቲ ጨንፈር ናይ ሥነ ሓበሬታ መምህርን ናይ ሥነ ምርኢት ተቛም ሊቀ መንበር ብፁዕ ኣቡነ ዳሪዮ ኤድዋርዶ ቪጋኖ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ፣ ቤተ ክርስትያን ብሓፈሻኡ ሰበኻታትን ቁምስናታትን ኣብ ምጥቃም እዚ ሓድሽ ዝተራቐ ክፍሊ መራኸቢ ብዙሃን ቅሩባት ኮይነን፣ ነቲ ናብኤን ዝመጽእ ምእመን ጥራሕ ዘይኮነስ ነቲ ናይቲ ዝተራቐ መርበብ ሓበሬታ ተጠቃሚ ክበጽሓኦ ኽእላ ዘተሓሳስብን፣ ቤተ ክርስትያናዊ መንፈስ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ክቃላሕ ውሉደ ክህነት ምስ መራኸቢ ብዙሃንን መርበብ ሓበሬታ ዘለዎ ርክብ ብምድሕሳስ ሕንጸት ዘቕርብ ዓውደ መጽናዕቲ ኢዩ ኢሎም። በዚ ኣጋጣሚ ንሰባኬ ቤተ ጳጳስ ኣባ ራኒየሮ ካንታላሜሳ ብመርበብ ሓበሬታን መራኸቢ ብዙሃንን ዘቕርብዎ ምስክርነትን ኣስተምህሮ ቃል ኣምላኽን መሠረት ፍልዩ ሽልማት ከምእተውሃቦም ተገሊጹ።








All the contents on this site are copyrighted ©.