2010-05-11 14:00:53

መበል 14 ብሔራዊ ዕለት ዝክረ ሕፃናት ግዳይ ዓመጽን ዘይምግዳስን ምዝመዛን


ማኅበር እኖ እተሰምየ ሕፃናት ካብ ዓመጽን ዘይምግዳስን ምዝመዛን ሓደጋ ንምንጋፍ ዝዓዪን ኣብ ልዕሊ ሕፃናት ዝተፈላለዩ ሰብኣውን ስነ ኣእምሮአው ሓደጋ ዘውርዱ ብምቅላዕ ንሕጊ ንኽቐርቡ ዝቃለስ RealAudioMP3 ብኣባ ፎርቱናቶ ዲ ኖቶ ዝተመሥረተ ማኅበር፣ እቶም ናይ ዓመጽን ዘይምግዳስን ምዝመዛን ግዳይ ዝኾኑ ሕፃናት ክዝከሩን፣ ንሕፃናት ኃልዮት ክግበር ነዚ ዕላማ ማኅበረሰብን መንግሥታትን ክግደሱ ንምርግጋጽ ናይ ሰብኣዊ መሰልን ፍቓድን ሕፃናት ክዓዪ ንምንቕቓሕ ኣሚቱ በቢ ዓመቱ እቶም ኣደዳ ዝኾኑ ሕፃናት ዝዝከርሉ መበል 14 ብሔራዊ ዕለት ምኽንያት፣ ኣብ ክፍለ ሃገር ሲቺሊያ ኣውራጃ ሲራኩዛ እትርከብ ከተማ ኣቮላ ሕፃናት ቁምስና ቅድስቲ ማርያም ዘ ቀርመሊዮ ንቕዱስ ኣቦና መንፈሳውን ሰብኣውን ቅኑዕን ውሉዳዊ ፍቕሮም ንምርግጋጽ ነዘተሓላለፍዎ መልእኽቲ፣ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ብናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ሓፈሻዊ ሓልዮት ቤት ጽሕፈት ትኩእ ብፁዕ ኣቡነ ፒተር ብራያን ወልስ ናብቶም ሕፃናት ምስጋናኦም ብምቕራብ፣ ሓጎስን ህድኣትን ፍቕርን ዝተመልኦ ሐልዮት ክረኽቡ ብምትሕስሳብ፣ ሕፃናት ጥዑይ ሰብኣውን መንፈሳውን ዕቤት ክረኽቡ ወትሩ ከምዝጽዕሩን፣ ኣብ ምፍላጥ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ክዓብዩን ድማ ኣተሓሳሲቦም ሓልዮት ቅድስቲ ማርያም ተማሕጺኖም ቡራኬ ከምዘመሓላለፉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ የረጋግጽ።

ኣባ ዲ ኖቶ ካብ ቅዱስ ኣቦና ዝተላእከ ደብዳቤ ምቕባል ደስ ዘብልን ዓቢይ ሓጎስን ኢዩ፣ ናይታ ናይ ቅዱስ ኣቦና ደብዳቤ ተቐበልቲ ዝኾኑ ሕፃናት ናይ ቅዱስ ኣቦና መልእኽቲ ከምዘሐጎሶም ገሊጾም፣ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ጎድኒ እቶም ናይ ዝተፈላለዩ ዓመጻት ኣደዳ ዝኾኑ ሕጻናት ቀረባ ከምዝኾኑን ምእንቲ ምኽባር ናይ ሕፃናት ሰብኣዊ መሰልን ፍቓድን ከይተሓለሉ ጻውዒት ከምዘቕርቡ ዝረጋገጸ መልእኽቲ ኢዩ ከምዝበሉ ተሓቢሩ።








All the contents on this site are copyrighted ©.