2010-05-08 19:09:42

ርክብ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳትን ፕረሲደንት ጆርጅያን


ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ መበል 16 ትማል ንጋሆ ንፕረሲደንት ጆርጅያ ክቡር ሚኻአል ሳካሽቪሊ ኣብ መንበሮም ተቀቢሎም ከምዘዘራረብዎም ካብ ቅድስት መንበር ዝወጸ መግለጺ አመልኪቱ፣ ብመሠረት እቲ ዝተዋህበ መግለጺ እቲ ዝርርብ ብዛዕባ ኩነታት ጆርጅያን ዞባኣን ዝምልከት ነሩ፣ ቅዱስነቶም ነዚ አመልኪቶም ዝኾነ ጸገም ብዘተ ክፍታሕ ከምዝኽእል ብምዝኽኻር ኣብ ጆርጅያ ኣብ መንጎ ዝተፈላለዩ ክፍልታት ዘሎ ወጥሪ ብዘተን ብምርድዳእን ንኽፍታሕ ዘለዎም እምነትን ምሕጽንታን ንፕረሲደንት ጆርጅያ ክቡር ሚኻአል ሳካሽቪሊ ገሊጾም። ኣብቲ ዝተኻየደ ዝርርብ ብዛዕባ እቲ አብ መንጎ ቅድስት መንበርን መንግሥቲ ጆርጅያን ዘሎ ውስጠ ባህላዊ ምቅርራብ ክድንፍዕ ብክልቲኡ ወገን አጸቢቁ ክጸዓረሉ ከምዝኾነ እውን ተገሊጹ። መንጎ ቅድስት መንበርን መንግሥቲ ጆርጅያን ንዘሎ ርክብ አመልኪቱ እቲ መግለጺ ብፍሉይ መንገዲ ዝጠቀሶ ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ግብረ ሠናይ ተግባር ማለት ካሪታስ ኣብቲ ዓዲ ብዘይ አፈለላይ ንምሉእ ሕዝቢ ጆርጅያ ዘወፍዮ ዘሎ ሰብአዊ ሓገዝ ብጣዕሚ አዎንታዊ ግደ ከምዘበርክትን አመንቲ ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ምእንቲ ሓባራዊ ጥቅሚ ሃገርን ህዝብን ብሰላም ተውሃሂዶም ንኽነብሩ ከምዝሕግዝን አመልኪቱ። ፕረሲደንት ጆርጅያ ክቡር ሚኻአል ሳካሽቢሊ ምስ ቅዱስንቶም ዝገበርዎ ርክብ ምስ ፈጸሙ ብናይ መንግሥታት ዘራኽብ ቤት ጽሕፈት ጸሓፊ ብፁዕ አቡነ ዶመኒክ ማምበርቲ ተሰንዮም ምስ ናይ ቅድስት መንበር ዋና ጸሓፊ ልዑል ካርዲናል ታርቺዝዮ በርቶነ ከምዝተዛተዩ እውን እቲ መግለጺ አመልኪቱ።








All the contents on this site are copyrighted ©.