2010-05-07 15:51:28

ዓለም ለኸዊ ቅልውላው ኤኮኖሚ


ጳጳሳዊ አካዳሚ ማኅበራዊ ሳይንስ ቫቲካን ሐፈሻዊ ጉባኤ የካይድ ከም ዘሎ ክምልከት ከሎ ዝተፈላለዩ አባላት ቤተክርስትያንን ቤርጌሳውያንን ማሕበራት ዓለም ለኸ ቅልውላው ኤኮኖሚ አኲሮም ከም ዝዝተዩ ይፍለጥ።

እዚ ነርባዕተ መዓልቲ ዝተኻየደ ዘተ”ዚ ብናይ ጳጳሳዊ አካዳሚ ሊቀ መንበር ብሜሪ አን ግለንደን ተመሪሑ ከም ዝተኻየደን ሳዕቤን ዓለም ለኻዊ ቅልውላው ከም ዝተመልከተን ካብቲ ጉባኤ ክካየደሉ ዝቀነየ አዳራሽ ቫቲካን ዝወጸ መግለጺ ሐበሬታ ሂቡ አሎ።

ጠንቂ ዓለም ለኸ ኤኮኖሚ ስእነት ቅጥዒ ስእነት ፊናንሳዊ ክስረት ስእነት ሞራል ከም ዝኾነ ድሕሪ ፍጻሜ ጉባኤ ናይቲ አካዳሚ ፕረሲደንት ሜሪ አን ግለንዶን ጋዜጣዊ መግለጺ ሂበን።

እዚ ካብ ብኢንዱስትሪ ዝማዕበላ ሀገራት ዝነቀለ ቅልውላው ኤኮኖሚ’ዚ ዓለም ለኸ ዕዳጋ ውሽጣዊ ግብረ ገብነት ዝለበሰን ንጹር ቅጥዕታት ዝሐዘለን አብ ክንዲ አብ መኽሰብ ሰብ ማእከል ዝገበረ ከም ዝኽውን ብምግባር ክጽገን ተኽእሎ ከም ዘሎ እቲ ጉባኤ ጳጳሳዊ አካዳሚ ከም ዝተገንዘበ ሜሪ አን ግለንዶን አተሐሒዘን አመልኪተን።

እዚ ገና ዘይሐወየ ቅልውላው ኤኮኖሚ”ዚ ብኢንዱስትሪ ዝማዕበላ ሀገራት ንአብ ምምዕባል ዝርከባ ዝህብኦ ዝነበራ ልምዓታዊ ሐገዝ ክዝሕትል ጥሜትን ሕማምን ንምግታእ ዝካየድ ዝነበረ ጻዕሪ ክዳኸም ጠንቂ ከም ዝኾነ ሜሪ አን ግለንደን አገንዚበን።

ውቅታዊ ናይ ግሪኽ ውድቀት ኤኮኖሚ ሕደ አብነት ከም ዝኾነንን ዓለም ለኻዊ ፋይናንስ ግልጽነት ከም ዘድልዮ ከም ዘነጽር ክአ አረዲኤን ።








All the contents on this site are copyrighted ©.