2010-05-06 17:33:35

መጋባእያ አብ መንጎ ክርስትትያንን አስላምን


አብ ምስሪ ርእሰ ከተማ ካይሮ ምግታእ ምኽራር ሃይማኖት ዘተኮረ መጋባእያ አብ መንጎ ክርስትትያንን አስላምን ክካየድ ከም ዝቀነየ ክምልከት ከሎ እዚ አዕናዊ ተርእዮ”ዚ ንምግታእ አብ ስዳርን አብያተ ትምህርትን ከምኡ ክአ መራኸቢ ብዙኀንን አዎንታዊ ጊደ ከም ዘለዎም አብቲ ዋዕላ ከም ዝተገልጸ ካብ ካሮ ዝመጸ ዜና ሐበሬታ ሂቡ አሎ ።



እዚ ዋዕላ”ዚ ኣአብ መንጎ ቀዋሚ ኮሚስዮን አል ዛሃር ምስ አብ መንጎ ናይ ቫቲካን አብ መንጎ ሃይማኖታት ዘተ ክካየድ ዝሐሊ ጳጳሳዊ ቤት ምኽርን ከም ዝተኻየደ እዚ ካብ ካይሮ ዝመጸ ዜና አመልኪቱ።



አብ መንጎ ሃይማኖታት ዝካየድ አድልዎ ክውገድን ሕብረ ተሰብ ዓለም ብሰላምን ብምክብባርን ብምፍቅቃድን ምእንቲ ክነብር ኩለን ሃይማኖታት መሳርሒ ሰላም መስራሒ ፍትሕን ዕርቅን ክኾና እዚ አብ ካሮ ዝተኻየደ መጋባእያ ክርስትያን አስላም አጽኒዑ ከም ዘተሐሳሰበ ክአ እዚ ካብ ካሮ ዝመጸ ዜና አገንዚቡ ።



አብ ቫቲካን ናይ ውስጠ ሃይማኖት ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ሊቀ መንበር ብፁዕ ካርዲናል ጂን ሉዊስ ቱራን ነቲ አብ ዋዕላ ካይሮ ዝተሳተፈ ናይ ቫቲካን ልኡካን ጉጅለ መሪሖም ንካሮ ከይዶም ከም ዝነበሩ ክፍለጥ ከሎ ፡ ልኡክ ቫቲካን ካይሮ ምስ አተወ ናይ አል ዛሃር ኢማም ፕሮፈሶር ሙሐመድ ሳይድ ጣንጣዊን ካልኦት ሰበልጣናትን ምዉቅ አቀብባብላ ከም ዝግበሩሎም ተገሊጹ ።



በዚ ካብ ምስሪ መዲና ካይሮ ዝመጸ ዜና መሠረት ፡ እቲ አብ ካይሮ አብ መንጎ ሰበስልጣናት ካቶሊካዊት ቤተክርስትያንን ናይ አልዛሃር ምስሪ ላዕሎዎት ናይ ምስልማን ሰበ ስልጣናትን ዝተኻየደ ዋዕላ ፡ ነቲ ዝለፈ ወርሒ ጥሪ ዕለት ሸውዓተ ብሥርዓተ አምልኾ ምብራቃዊት ቤተክርስትያን ልደተ እግዚእነ ወ መድኀኒነ ኢየሱስ ክርስቶስ ግዜ አብ ሰሜናዊ ምስሪ አብ ሐማዲ ዝተባህለ ቦታ ሸውዓተ ክርትያን ብአኽረርቲ ምስልምና ምቅታሎም ዘኪሩ፡ ነቲ እኩይ ተግባር ብሐባር ኰኒንዎ ዝተሰሞዖ ጥልቂ ሐዘን ክአ ገሊጹ ።



አብ ዝኾነ ይኹን ቦታ ንሃይማኖት መሳርሒ ፖሊቲካን መደያየቢ ሥልጣንን ዝገብርዎ ሰባትን አብ መንጎ አመንቲ ዝተፈላለዩ ሃይማኖታት ወጥርን ህውከትን ንምፍጣር ሃይማኖት ዝጽውዑን ሰባት ከም ዘወገዘ ክአ እዚ ካብ ካይሮ ዝመጸ ዜና አመልኪቱ ።



አብ ዝተፈላለየ ኩርናዓት ዓለም ዝነብሩ ዝተፈላለየ እምነት ዝኽተሉ አህዛብ ናይ እምነት መሠረታዊ መሰሎም ክሕለወሎምን ብሰላም ክነብሩን ክአ ከም ዝተላበወ እቲ ዜና አተሐሒዙ አመልኪቱ።


ከምዚ አብ ካይሮ ዝተኻየደ ዓይነት መጋባእያ አብ ዓመት ሕደ ግዜ ከም ዝካየድ ክምልከት ከሎ ዝመጽእ ዘሎ ዓመት ወርሒ የካቲት ካብ ዕስራን ሰለስተ ክሳዕ ዕስራን አርባዕተን 2011 አብ ሮማ ክካየድ መደብ ከም ዘሎ ተነጊሩ።








All the contents on this site are copyrighted ©.