2010-05-04 17:36:42

5ይ ሰንበት ዘትንሣኤ 2010 (24 ሚያዝያ 2002 ዓ. ም.)


መዝሙር፡ አርአዮ ሥልጣኖ. . . . . ። “ንጉሥ ናይ ነገስታት ጎይታ ናይ ግዙአት ስላጣኑ አብ ልዕሊ ሞት አርአየ፥ ሊቃናነ መላእኽቲ እና አመስገኑ አብ ቅድሚኡ ብራዕዲ ይሰግዱሉ፥ኢየሱስ በታ ክሕዝዎ ዝመጽኡላ ለይቲ ከም ሰራቒዶ ክትሕዙኒ መጻእኩም በሎም። ኦትዕግስትን ትሕትናና ብሰንኪ ፍቕርና ናብ ሞት ዝበጻሕካ፥ ንሕና እውን ቅድስቲ ብዓልና ፋሲካ ብሓጎስ ንገብር፥ ሥልጣኑ አብ ልዕሊ ሞት አርአየ ገባር ሕይወት ክርስቶስ”።

ንባባት፡ ሮሜ 6፡1~15፥ ፩ጴጥ 4፡4~12፥ ግ.ሓ. 23፡15~22፥ ዮሓ. 21፡15~ፍ

ስብከት፡ “እስመ ሰበረ ኆኅት ብርት፥ ወቀጥቀጠ መናሥግተ ዘኃፂን፥ ወተወክፎሙ እምፍኖተ ጌጋዮሙ”።

ናይ ክርስቶስ ስልጣን ንጸልማት ቀንጢጡ ንነፍስ ወከፍና አብ ናይ ትንሣኤኡ ብርሃን ምእታው እዩ። ሓይሊ ስልጣኑ ብግዙፍ ሓይሊ ዘይኮነ ብትሕትናን ፍቕርን ዝልለ እዩ። መዓጹ ሓጺን ሰቢሩ ናይ ሓጺን ሰንሰለት በቲኹ ካብ መገዲ ጌግኦም ተቐቢልዎም ዝበለ ናይ ሎሚ ስብከት ኩልና አብ ምሕረት አምላኽ ክንምለስ ነቲ ዝውሃበና ዕድልን መጸዋዕታን ክነቕልበሉ ሎሚ እዋኑ እዩ። መንፈሳዊ ሞት ናብ ትንሣኤ ከመርሓና ንጽዋዕ አሎና። ክንትንስእ ክንበራበር ሕልናና አንቢብና ናብቲ አምላኽ ዝደልዮ ክንእቱ ንሕተት አሎና።

ወንጌል ዮውሓንስ ኢየሱስ ንጴጥሮስ ብፍሉይ ቅድሚ ዕርገቱ አብኡ ዘለዎ ፍቕሪ ክሕድሶ ምእንቲ ዝበሎ ቃል ይነግረና። ኢየሱስ ንጴጥሮስ ብዕሊ ንስሕኡ ብእምነትን ፍቕርን ክገልጽን ክክሕስን ዕድል ይኸፍተሉ። እዚ ናይ ነፍስ ወከፍና ድሕሪ ሓጢአት እንረኽቦ ዕድል ንስሓን ምስ አምላኽ ክንዕረቕ ዝውሃበና ጸጋን ይገልጸልና። ናይ ጴጥሮስ ሰለስተ ጊዜ ክሕደት በዘን ናይ ሰለስተ ጊዜ ዝገለጾ ፍቕሪ ተተኪኤን። ሰለስተ ጊዜ ተፍቅረኒዶ ብምባሉ ንጵጥሮስ ምስኡ ሓደ ክኸውን መንገዲ ፈጢርሉ። አብዚ እንርእዮ መቐጸልታ ናይ ምዕ.10 ናይ ሕያዋይ ጓሳ ዝብል አርእስቲ ንዕዘብ። አብቲ ኢየሱስ ዘቕረቦ ሰለስተ ትእዛዛት ዝተፈላለየ ነገራት ንርኢ፥ ፩~ ዓያውተይ አብልዕ፥ ፪ ~ አባግዔይ ሓሉ፥ ፫ ~ አባግዔይ አብልዕ፥ እዚ አብቲ ናይ ሕዝቅኤል ነብይ ምዕ. 34 ዘሎ ናይ አምላኽ ጓሳ አብ ዮሓ 10 አብ ኢየሱስ ከም ዝሓለፈ፥ ዮሓ 21 ከአ አብ ጴጥሮስ ከም ዝሓለፈ ይነግረና። አብዚ ናይ ጴጥሮስ ጉስነት ሕይወቱ አሕሊፉ ክህብ አብ ፍቕሪን አብ ድለትን ዝተመስረት ከምዝኾነ ንርኢ። አብ መጨረሽታ ሕይወት ጴጥሮስ እንተ ረኤና ከምቲ ኢየሱስ ሕይወቱ ብምሕላፍ ንሰማያዊ አብኡ ዘኽበሮ ከምኡ ሕይወቱ ብምስዋዕ ከምዘኽበሮ ንርኢ። ፍቕሪ ንርእስኻ ብምሉእ ብምሃብ ናጽነትካ አብ ትሕቲ አምላኽ ገርካ ሓንቲ ከም ዘይብልካ ምዃን እሞ በቲ ናትካ ፍቕሪ ንኻልኦት ሕይወት ምሃብ ከምዝኾነ ፍቕሪ ናይ አምላኽ ባሕርይ እዩ ምኽንያቱ አምላኽ ፍቕሪ እዩ።

ጴጥሮስ አብ ጎቦ ቫቲካን አብ ጊዜ ስደት ነሮ ብ64/68 ትውፊት ከምዝብለና አሰር መምህሩ አብ መስቀል ንታሕቲ ጠሚቱ ሕይወቱ ምእንቲ ፍቕሪ ጎይትኡ ሂቡ ብደሙ እምነቱን ፍቕሩን ገሊጹ። ቅዱስ ቀለመንጦስ ድሕሪ ጴጥሮስ ጳጳስ አብ መንበር ዝመጸ ናብ ሰብ ቀሮንጦስ ዝጸሓፋ ይጠቕሶ፥ ከም ኩልና ጴጥሮስ ወዳቓይ ክሓዳይ እዩ ነሩ፥ ንመምህሩ ከሎ ከም ዝክሓዶ ከም ሰብ ውዳቒ ከም ዝነበረ ወንጌል ይነግረና። አምላኽ ግን ክሒድካኒ ጠሊምካኒ አብቲ ጊዜ ጽንኩር እዋን ኢሉ አይሰጎጎን አብኡ ክመልሶ ኢሉ ተፍቅረኒዶ እናበለ ሓቲትዎ። ኻብቲ ብዙሕ ጊዜ ዝመልኮ ዝነበረ ውዱቕ ባሕርዩ ከተንሥኦ ምእንቲ ብዐይኒ ፍቕሪ ይቐርቦ። ሰብ አብ ልቡ ክምለስ መጀመርታ እተድልዮ ፍቕሪ እያ። ከም ዝተፈቕረ ምስ አለለየ ወይ ምስ ረአየ ሽዑ ይምለስ ፍሉይ ፍቕሪ የሕድር። አብ ሕይወትና እንተ ረአና ንሓደ ክንመልሶ ፍቕርና ሓልዮትና ክነርእዮ አሎና ሽዑ ኩሉ ጸልማት ዝነበረ ይር እሞ ሰላም ይነግስ። እዚ ናይ ጴጥሮስ ኩነታት ንነፍሲ ወከፍና ክንምለስ ዕድል ዝህበና ከምኡ ንሓደ ዝተጋገየ ሓውና ክንመልስ ትምህርቲ ይህበና።

ጴጥሮስ ካብ ጌግኡ ጽቡቕ ገሩ ተማሂሩ እዩ። ንሱ ድኹም ምዃኑ እታ ቀዳመይቲ ትምህርቲ እያ። ተቐዳዲምካ እአምን እየ ምባል ብዙሕ ጽኑዕ ምዃንካ ዝገልጽ ከምዘይኮነ ርእዩ። ነዚ ዝተማህረ ጴጥሮስ ንኹሉ አብ ኢድ ኢየሱስ የንብሮ “ ጎይታይ አነ ከም ዘፍቕረካ ንስኻ ጽቡቕ ገርካ ትፈልጥ ኢኻ” ይብል። ጴጥሮስ ምስ ተነስሐ ሓልፍነት ጉስነት ተዋሂብዎ። ፍቕርኻን ተአማንነትካን ካብ ገለጽካ ሓልፍነት ልበስ ይብሎ። አብ ቀዳማይ ጉባኤ ቫቲካን ዝነበሩ አበው ነዚ ክገልጹ ከለዉ “አብ ወንጌል ከም ዘሎ፥ አብ ልዕሊ ኩላዊት ቤተክርስትያን አምላኽ ናይ ምምራሕ ስልጣን ሽዑ ንሽዑን ብቐጥታን ብክርስቶስ ጎይታና ነቲ ብጹእ ጴጥሮስ ንብሕቱ ጥራሕ ተዋሂቡ። ኢየሱስ ድሕሪ ትንሣኤኡ ናይ ምምራሕ ሥልጣን ጓሳን መራሕን አብ ኩሉ ዓለም ናይ ዘለዉ አመንቱ ገሩ ከም ዝሃቦን ከም ዝሾሞ ንእውጅን ነስተምህርን” ኢሎም። “አባግዔይ አብልዕ፥ አባግዔ መግብ” ኢልዎ። እዚ ንጴጥሮስ ጥራሕ እዩ ተባሂሉ ካልኦት ካብዚ ይካፈሉ።

እዚ ናይ ጴጥሮስ ሥልጣን ብድሕሪኡ ዝሰዓቡ ጳጳሳትን ብምሉእ አብኦም እናተሓላለፈ ፍሉይ ጸጋ አብ ልዕሊኦም ዝህቦም ስለ ዝኾነ ካብቲ ቀንዲ ነገር አብ ቤተክርስትያን እዩ። ንሓድነት ቤተክርስትያን ክሕልዉን ክመርሑን ዝተዋህበ እዩ። ናይ ጴጥሮስ ሥልጣን ሓድነት እምነትን ምሕላው ምስ ኩሎም ጥቡቕ ርክብ ምግባርን እዩ። (ካልአይ ቫቲካን ብርሃን አሕዛብ 18)።እዚ ናይ ጴጥሮስ ስልጣን ናብ ኩሎም ተኸተልቱ ይመሓላለፍ እዚ ኸአ ክርስቶስ ዝህቦ እምበር ናይ ሰብ ስርዓት ወይ መዝነት ዝፈጥሮ አይኮነን። ብዝተዋህቦም ሓላፍነትን ንቤተክርስትያኑ ክመርሑ ክሰርዑ ንኹሉ አብ ሓደ መአዲ ክዕንግሉ። ንሳቶም ወከልቲ ክርስቶስ ጓሶት ናይ ኩላ ቤተክርስትያን እዮም ስለዚ ብውክልና ናይ ክርስቶስ ንዝተዋህቦም ስልጣን አብ ግብሪ የውዕሉ።

ክርስቶስ ንጴጥሮስ አብ መጨረሽታ ስዓበኒ ይብሎ ነቲ ካብ መጀመርታ ዝበሎ ከዘኻኽሮ ( ማር 4፡19) ብአኡ አቢሉ ንኹሎም ዝስዕብዎ ካብኦም ምሉእ ተወፋይነት ከም ዝደሊ ክሕብሮም ኢሉ። ንኹልና አመንቱ ካባና ብምሉእ ርእስና ክንህቦ ይደሊ፥ “ዝኾነ ሰብ ድሕረይ ክስዕብ ዚደሊ ገዛእ ርእሱ ይኽሓድ መዓልቲ መዓልቲ እውን መስቀሉ ተሰኪሙ ይስዓበኒ” ( ሉቃ 9፡23) ቅ. ጴጥሮስ አብ 1ጴጥ 2፡21 መስቀል ብኹሎም ክርስትያን ክጽወር ዘለዎ እዩ ”ንስኻትኩምውን ነዚ ኢኹም ዝተጸዋዕኩም ክርስቶስ ድማ አሰር አሰሩ ምእንቲ ኽትስዕቡ ኢሉ ምእንታኻትኩም መከራ ተቐበለ፥ አርአያ ሓደገልኩም” ይብል።

ስዓበኒ ዝብላ ቃላት ንኹልና አመንቲ አብ ዕለታዊ ሕይወትና ክንገብሮ ዝግብአና ከምኡ ክንክተሎ ዘሎና ጉዕዞ ብምሉእ አፍልጦ ክንመርሖ ከምዝግባእ ይነግረና። ንጋኆ ጀሚርና ክሳብ ምሸት እንድቅስ መስከርቲ ፍቕሪ ክርስቶስ ኮና ክንጉዓዝ፥ አብ ጉዕዞ ብዝጓነፉና ነገራት ከይንዝንግዕ እሞ ካብ ፍቕሪ ክርስቶስ ከይንፍለ ልቦና የድልየና።

ሎሚ ክርስቶስ ንነፍስወከፍና ካብ ካልኦት ካብ ሓዳርና፥ ካብ ብጾትና ውስድ አቢሉ ተፍቅረኒዶ/ተፍቅርኒዶ እናበለ ሕቶ የቕርበልና አሎ። ከም ጴጥሮስ ምናልባት ሰለስተ ጊዜ አይሓተናን ይኸውን ብርግጽ ደጋጊሙ ይሓተና እዩ። ንጴጥሮስ ክሓቶ እንከሎ ክኸዶ ዘለዎ ጉዕዞ ሕይወት ስለ ዝፈልጥ አብቲ ጊዜ ጽንኩር እዋን አብ ጊዜ ስደት፥ ጥመት፥ ክሕደት፥ ሞት፥ ማእሰርቲ ብሰንከይ ክገጥመካ እዩ እሞ ተፍቅረኒዶ እናበለ ብኹሉ ክሰናዶ ከምዝገበረ ንኹልና ብኸምኡ ክንጉዕዝ አርአያ ሂቡና አሎ። ኩልና ዕለታዊ ሕይወትና ንርእዮ አሎና ፍቕሪ አምላኽ ዝገልጽ ጉዕዞዶ ንጉዓዝ አሎና፥ አብ ርክባትና አብ ዕላልና አብ ዘተና እንታይ ንብል ፍቕሪ ክርስቶስ ዝሰፈኖ ዘተዶ ነካይድ ወይስ ብኻልእ ተኪእናዮ አሎና፥ ንሕልናና ንሕተታ መልሲ ኸአ ንሃባ።

አምላኽ ጉዕዞና ጉዕዞ ፍቕሪ ክኸውን እዩ ዝደሊ። ፍቕሪ ግን ክሳብ ሞት መስዋዕቲ እትሓትት እያ። አብ መአዲ ፍቕሪ ክንነብር ጸሎት፥ ምጽዋር፥ ትዕግስቲ፥ ትሕትና የድልየና። ኩሉ ሕይወትና አብ ክርስቶስ ዝጸልኦ ከይጽመድ ክነቅሕ የድልየና። ድሕሪ ትንሣኤ ዘሎ ግ.ሓ. ከም ዝገልጸልና ኩሉ ጊዜ መንፈስ ቅዱስ ክመርሖም ብሓባር ይጽልዩ ይጾሙ፥ አእዳዎም የንብሩሎም ከምዝነበሩ ነንብብ። ኩልና ካብ ጥምቀትና ጀሚርና ጸጋ ተቐቢልና ኢና ሎሚ እውን ብዝተፈላለየ መንገዲ ጸግኡ ምሳና አሎ ልብና ንኽፈተሉ።

ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ








All the contents on this site are copyrighted ©.