Home Archivio
2010-04-27 10:13:51
፬ይ ሰንበት ዘትንሣኤ 2010 (17 ሚያዝያ 2002 ዓ.ም.)
መዝሙር፡ ተንሢኡ ንኹሎም ዝሞቱ አተንሢእዎም፥ ንእሱራት እውን ካብ ሞቍሖም ፈትሖም፥ ብዓቢይ ሓይልን ስልጣንን ነፍሳት ጸድቃን ሓራ አውጺእወን፥ ንአልአዛር ተንሥእ ዝበሎ ነቲ ዕዉር እውን ብቓሉ ከም ዝርኢ ዝገበሮ፥ ትንሣኤኡ አብ ሰንበት አብ ሣልሳይ መዓልቲ ገበሮ ብትንሣኤኡ ንኹሎም ሙታን አተንሥኦም ተንሢኡ ንምቝሓት እውን ፈትሖም።
ንባባት፡ ቆላ. 3፡1~ፍ፥ ራእ 5፡11~14፥ ግ.ሓ. 5፡27~41፥ ዮሓ 21፡1~19
ስብከት፡ አንሰ ሰከብኩ ወኖምኩ ወተንሳእኩ እስመ እግዚአብሔር አንሥአኒ፥ ኢይፈርህ እም አእላፍ አሕዛብ።
አብ ሥርዓት ልጡርግያ እዚ ዘሎናዮ እዋን ዘመነ ትንሥኤ እዩ። ብዛዕባ ትንሣኤ ክርስቶስ ክንሓስብ ክነስተንትን ምእንቲ ዝተሰርዐ ሥርዓት። መዝሙር፦ ክርስቶስ ተንሢኡ እዩ ንኹሎም ምቁሓት ከአ ምስኡ አተንሢእዎም፥ ካብ ኩሉ ካብ አምላኽ ዝፈልየና ሓራ አውጺኡና። ኩልና መቐረት ትንሣኤ ክርስቶስ ክነስተማቕር ከም ዘሎና ይነግረና። ኩልና ካብቲ ከይንርኢ ጋሪዱና ዘሎ ነገራት ክንበራበር ክንትንሥእ እሞ ሓዲስ ሕይወት ክንለብስ እዩ እቲ ጸዋዕታ። ኩሉ እንገብሮ ካብ አምላኽ ክኸውን እንከሎ ርእሰ ምትእምማን የሕድረልና ስብከት ናይ ሎሚ ደቀስኩን ተንሳእኩን ምኽንያቱ እግዚአብሔር አተንሢኡኒ እዩ እናበለ ካብ ኩሎም እሕዛብ አይፈርህን ከመይ አምላኽ ምሳይ አሎ ንዝብል ሓሳብ ክነሕድር ይሕግዘና።
ወንጌል ዮሓንስ ክልተ ነገራት ይሕብረና (1) ኢየሱስ ነርድእቱ ከም ዝተራእዮምን ግን ከም ዘየለለይዎ። ከለልይዎ ዝተፈላለየ ነገራት ይገብር ይሓቶም ብዙሕ ጊዜ ዝብላዕ ይሓቶም። አብዚ ወንጌል ንሰከዔታቶም ንየማን ክዝርግሑ እሞ ዓሣ ከም ዝሕዙ ይሕብሮም አብዚ እቲ ዘፍቅሮ ረድኢ የለልልዮ ንጴጥሮስ እውን ይነግሮ፥ ንኢየሱስ ድሕሪ አለሊኻዮ ካልኦት ከለልይዎ ምሕጋዝ ይግባእ። ሽዑ አብ መአዲ ምስኦም ይበልዕ አብዚ አብ ምቑራስ እንጌራ ኩሎም የለልይዎ።እዚ አብ መአዲ ቅዱስ ቍርባን ኩሉ ጸጋ ምልላይ ንአምላኽን ምስኡ ከም እንወሃሃድን ይሕብረና። (2) ንጴጥሮስ ሰለስተ ጊዜ ተፍቅረኒዶ እናበለ ከም ዝሓተቶ ይነግረና። ቅድሚ ስቕለቱ ጴጥሮስ ንርእሱ ዝፈለጠ አይመስልን ብፍላይ አብተን ናይ መወዳእታ ሰዓታት፥ ሰለስተ ጊዜ ረድኡ ከም ዘይኮነን ከም ዘይፈልጦን ክሒዱ፥ ናይ ቤተክርስትያኑ ሓላፍነት ለቢሱ ክመርሕ ዝተሓርየ ብሓንቲ አገልጋሊት ጓል ተወጢሩ ይኽሕድ። ደርሆ ምስ ነቀወ ኩሉ ዝገበሮ ኽሕደት ይርድኦ ነቲ መምህሩ ዝበሎ ዘኪርዎ። ድሕሪ ሞት ኢየሱስ ጴጥሮስን ካልኦት አርድእትን አብቲ ናይ ቀደም ሥርሖም ቅድሚ ንኢየሱስ ምኽታሎም ዝነበረ ሥርሖም አብ ዓሣ ምግፋፍ ተመሊሶም። አብዚ እዋን ድሕሪ ሞት ኢየሱስ ካልእ ተልእኮ ከም ዘልኦም ከም ዝሓሰቡ ዝሕብር ሓንቲ ነገር የለን። ድሕሪ ሞት ኢየሱስ ናብ መቓብር ከይዶም ካብኡ ተመሊሶም ኣብ ናይ ቀደም ሥርሖም ተመሊሶም። ምስቲ ዝገጠመ ፍሽለት እሞ ሕይወቶም ዝቐየረ ክሰማምዑ ጀሚሮም። ነቲ ዝገጠሞም ርእዮም አብቲ ናይ ቀደም ሕይወቶም ክምለሱ ፈቲኖም። አብ ከምዚ ኩነታት ከለዉ ኢየሱስ አብ ማእከሎም ይመጽእ።
ድሕሪ ምሳሕ ንጴጥሮስ ሰለስተ ጊዜ ብሓቂ ከም ዘፍቅሮ ከረጋግጽ ይሓቶ። አብ ፍቕሪ አተኲሩ ምሕታቱ ፍሉይ መልእኽቲ ነርዎ። ሰለስተ ጊዜ ምስተሓተ ጴጥሮስ ሰለስተ ጊዜ እወ ይብል። ጴጥሮስ ሰለስተ ጊዜ አብ ዝመለሰሉ ጊዜ ነባግዑ ክሕልወን ይልእኮ። ሎሚ ነፍስወከፍና ንሓዲስ ተልእኮ ክንወፍር ቅርቡነትና ክንገልጽ እሽታና ንጎይታና እንገልጸሉ እዋን እዩ። ንኢየሱስ ርኢና እንተ ኽኢልና ሽዑ ምስኡ ክንበልዕ እሞ ንኻልኦት አብ መአዲ ኢየሱስ ክንዕድም አይ ከጸግምነናን እዩ። ንጎይታ ምፍቃር ማለት ከአ ንኻልኦት ምግዳስ ማለት እዩ። አብ መወዳእታ “ስዓበኒ” ይብሎ። ንሱ ከምቲ ኢየሱስ ነባግዑ ዘፍቀረን ከምኡ ገሩ ፍቕሩ ክገልጽ እዩ። ተኸታሊ ምዃን አብ ግብሪ እተርእዮ እምበር ብሓሳብን ትምነትን ዝፍጸም አይኮነን። ረድኢ ምዃን ናይ ሕይወት ጉዕዞ ከምቲ ኢየሱስ ዝነበሮ ምንባር፥ ምግልጋልን ምግዳስን አብ ልዕሊ ካልኦት እዩ።
ከመይ ገርካ/ኪ ክትምሕር ምምሃር ከምዝግባእ፡
ምምሓር ምሕዳግ ናይ ኩልና ክርስትያን ሓላፍነት እዩ። ከምኡ ምስ እንገብር አብ ዝሃብተመን ዝሓሸን ሕይወት ከም እንነብር ይገብረና። ዝምሕር ጥራሕ እዩ ቅሱን ሕይወት ክነብር ዝኽእል። ሽዑ ምሉእ ሕይወት አብ ክርስቶስ ነንብር።
ሓደ እዋን ሓደ አቦ ንክልተ ኣዋልዱ ሓዲጉ ናብ ርሑቕ ሃገር ከይዱ ድሃይ አጥፊኡ። ደቁ ከይረአይኦ ጊዜ ሓሊፉ ዓብየን ሓደ መዓልቲ ተልፎን ገሩ መልእኽቲ ሓዲጉ አብኡ ቁጽሪ ስልኩ ገዲፉ ደውላለይ ኢሉ መልእኽቲ ሓዲጉ። እንተኾነ ደቁ መልእኽቱ ምስ ሰምዓ ነቲ ቁጽሪ ደምሲሰን ከይድውላሉ ወሲነን አበይ ዝነበረ እዩ ሕጂ ምስዓበና ዝድውለልና እንበላ ናይ ዝሓለፈ በደል አብኤን ክሓድጋ አይከአላን። ስለ ዝተቖጥዓ ነቲ ብሰንኪ ምፍላላዮም ዝተፈጥረ ጽልኢ ክዓርይኦ ጸጊምወን። ክዕረቓ ጸገም ኮይንወን። እዚ ዓይነት ባህሪ አብ ኩልና ይርአ እዩ።
አብ ናይ ሎሚ ወንጌል ዮውሓንስ ዝተንሥኤ ኢየሱስ ከመይ ገሩ ንጴጥሮስ አብቲ ናይ ሕድገት ሕይወትን ምስኡ ክወሃሃድ ዘርአዮ ፍቕሪ ይነግረና። ጴጥሮስ ሰለስተ ጊዜ ኢየሱስ አብ ሞት ገጹ እናተጓዕዘ እንከሎ ክሒድዎ። እንተኾነ ኢየሱስ ምጽእ ኢሉ ምሕረት ሕተት አይብሎን። ወላ እውን በደለኛ ኮይኑ ክስምዖ አይደልዮን። ክሳብ ይቕረታ ዝሓትት ዘረባ አይአብዮን ገጹ አይሓብአሉን ብሓጺሩ ንበደሉ አይቆጽረሉን። እዚ ኹሉ ገሩ ከሎ ኢየሱስ ብፍቕሪ ይቐርቦ ሓልዮትን ሕድገትን የርእዮ።
ምሕዳግ/ምምሓር ናይ ክርስትያን ምልክት እዩ።
ክትምሕር ምእባይ እሞ ክርስትያን ክትብሃል ምድላይ ግብዝና እዩ።
ኢየሱስ አብ መስቀል ተንጥልቲሉ እንከሎ ንጸላእቱ ከም ዝመሓረ ወንጌል ሉቃስ ይሕብረና። ምእንትኦም ጸልዩ። ነቶም ጸላእቱ ምሒርዎም ወላእኳ ንሶም ሓንቲ ናይ ንስሓ ምልክት አየርእዩ እምበር።
ነቶም ክፉእ ዝገብሩና ዝጎድኡና ክንምሕር ቀሊል ነገር አይኮነን ሰብ ክገብሮ ይኸብዶ። ነዚ ክንገብር ሓይሊ መንፈስ ቅዱስ የድልየና፥ ክንምሕር ጸሎት ክንገብር የድልየና። አምላኽ ጥራሕ እዩ ክሕግዘና ዝኽእል ክንምሕር።
ንሓደ ክንሓድገሉ/ክንምሕሮ እንከሎና ምእንቲ እቲ ዝመሓርናዮ ሰብ ጽቡቕ ክረክብ ወይ ዕርቂ ክመጽእ ንማለት ጥራሕ አይኮነነ ንርእስና እውን ጽቡቕ አልኦ። አብ ዝተገብረ መጽናዕቲ እቶም ዝምሕሩ ሰባት ጽቡቕን ጸጋ ዝመልኦን ሕይወት ይነብሩ። ክንምሕር እንከሎና ንጸልማት ንስዕሮ አብ ገለ እዋን ከም ሰብ መጠን ክኸብደና ይኽእል እዩ እሞ ክንብርትዕ አሎና።
ሰባት ስለምንታይ ምምሓር ዝአብዩ?
ትዕቢት ስለ ዝመልኮም። ከምኡ ንሓቂ ርእዮም ስለ ዘይከአሉ። አነ ዝብል ከቢድ ስምዒት ክመልከና እንከሎ ሽዑ ንኻልእ ብዓይኒ ፍቕሪ ክንርኢ የጸግመና።
ቑጡዓት ክንከውን ከሎና ሽዑ ኩሉ ነገር ክንርኢ የጸግመና። ብቑጥዓ ርእስና ክንመልኽ ነቲ ህዱእ ሕይወት ክንርኢ የጸግመና። ደምና ይፈልሕ እሞ ካብ ምቍጽጻር ርእስና ንወጽእ።
ነቶም ሕማቕ ዝገበሩና አብ ሕይወትና ሓሳብና ዓቢ ቦታ ስለ እንህቦም ሽዑ ብዛዕብኦም ጥራሕ ንሓስብ ብኻልእ አዘራርባ ናትና ዘይኮነ ብዛዕብኦም ጥራሕ ንሓስብ እዚ ካብ ሕይወትና የውጽአና እሞ ንርእስናን ንካልኦትን ክንፈሊ የጸግመና።
እንታይ እዩ ምሕረት/ሕድገት ክንብል ከሎና።
ምምሓር/ሕድገት ድኽመት ወይ ምስዓር አይኮነነ እንታይ ደአ ምብርታዕ እዩ። ክትምሕር ከሎኻ ንስኻ ትስዕር አሎኻ እዚ ኸአ ናትካ ብርታዐ የርኢ።
ክትምሕር/ክትሓድግ ከሎኻ ትብዓት አይኮንካ ትስእን ዘሎኻ ነቲ ሕማቕ ነገር ክተውጽኦ ብዝያዳ ትብርትዕ አሎኻ። ካባኽ ክተውጽኦ ተፍቅድ አሎኻ። ተቐያማይ ሰብ ሕማም ሒዙ ይነብር።
ንርእስኻ ብዳግም አብ ዓመጽ ካልኦት ከይተውዕል ምዕጋት እዩ። ንሰባት ብጽቡቅ ክትርኢ ክትሕግዝ ፍቓደኛ ምዃን አብ ጽቡቕ ካልኦት ምውዓል።
ንኽፉእ ዝገብር ዘይምውቃስ። ንኽፉ ብጽቡቕ ምስዓሩ።
ከመይ ገርና ክንምሕር/ክንሓድግ ንኽእል።
ነቲ ሕማቕ ዝጎድእ ነገር ተአመኖ። ንስምዒትካ/ኪ አይትኽሓዶ ግለጾ ብውሽጥኻን ብደገኻን ክልተ ሰብ አይትኹን። ንስምዒትካ ክትዓግት ከሎኻ ሽዑ ክልተ ሰብ ትኸውን።
ንርእስኻ አብ እግሪ ክፉእ ዝገብር ሰብ ግበራ ሽዑ እቲ ንሶም ዝገብርዎ ክፉእ ስለምንታይ ከም ዝገብርዎ ትፈልጥ እዚ ግን ሓጢአት ግበር ማለት አይኮነን ናይ ሰባት መንነት ጠባያትን ዓቕምን ምፍላጥ ሽዑ ክትሕግዞም ትኽእል።
ሓገዝ ምሕታት፥ ንአምላኽ ክምሕር ሓግዘኒ ምባል ንሓላዊና መልአኽ ምልማን፥ ንሓላዊና ቅዱስ ምልማን፥ ክትምሕር ናይ ካልኦት ምትሕግጋዝ የድልየና። ንዝሕግዙና ክንሰምዖም ክንቅበሎም ይግባእ። ገለ እዋን ንሕና ዘይንርእዮ ካልኦት ክርእይዎ ስለ ዝኽእሉ ሰማዕቲ ክንከውን አሎና።
ዝመሓሩ/ ዝሓደጉ ሰባት ትፈልጥዶ። እዚኦም አብነትና ክኾኑ ይኽእሉ እዮም። እንታይ ዓይነት ሕይወት ይነብሩ። ሕጉስ/ ምስ ኩሉ ብሰላም አብ ክንዲ አብ ቅርሕንቲ ጽልኢ ምጽውዋግ አብ ቅሱን ሕይወት ይነብሩ። ነዚኦም ከም አብነት ክንወስዶም እንከሎና ሽዑ ካብኦም ብዙሕ ንምሃር እሞ ክንምሕር/ክንሓድግ ንኽእል።
እዚ እዩ ጴጥሮስ ዝገበሮ። ጴጥሮስ ምሕረት ምስረኸበ ንስብከተ ወንጌል ድሕር አይበለን። አብ ግ.ሓ. ጴጥሮስ ብስብከቱን ብዝገበሮ ናይ ምሕዋይ ሥርሑን ብዙሕ ህዝቢ ስዒቦሞ ሰበስልጣን በቲ ጴጥሮስን ካልኦት አርድእትን ዝገበርዎ ተቖጢዖም። ጴጥሮስ ወላ እኳ ተቛውሞ ይግጠሞ እምበር ካብ ተልእኮኡ ክሳብ ሞት ዝበጽሕ አየቋረጸን። አብ ሮማ ጴጥሮስ ተፍቅረኒ ዲኽ እትብል ሕቶ አብቂዓ ብደሙ ፍቕሩ ስለ ዝገለጸ። ነቲ ዝተዋህቦ ሕድገት ሕይወቱ ብምስዋዕ እምነቱ ገሊጹ።
ንጴጥሮስ ዝቐረበት ሕቶ ኢየሱስ ሎሚ አብ ነፍሲ ወከፍና ዘተኮረት እያ። “ተፍቅረኒዶ/ ተፍቅርኒዶ” እናበለ ይሓተና አሎ። ግን ቅድሚ ምሕታቱ ንሱ ከም ዘፍቅረናን ከም ዝግደሰልናን ክረድአና ብዝተፈላለየ ጸገማት ይሓልፍ። ንሱ ይመወት ንአና ከረድእ ምእንቲ። ንሞት ኢየሱስ ርኢና ምስ ከአልና ሽዑ ክንእውጅ ንኽእል ሽዑ ብዙሕ ብዛዕባ ርእስና አይንሓስብን ኢና። ሕቶ ኢየሱስ መልሲ ክንህብ ምሳና ትጸንሕ። እቲ ሕቶ ካብ ብዛዕባ መጻኢ ይሕወትና ብዝያዳ ዝግደስ ትመጸና፥ ንሱ ብዛዕባ ዝሓለፈ ጉድለትና አይግደስን። ንሱ ብዛዕባ ጉድለታትና አየልዕለልና ከመይ ገርና ከም ንሕደስን አብቲ ንሱ ዝደልዮ ፍቕሪ ክንአቱ ይዕድመና። ኩሉ መዓጹ ተዓጽዩ እንከሎ አብ መንጎና ይርከብ። ንአኡ ዝዓግቶ ሓይሊ የለን።
አብ መአዲ ቅዱስ ቍርባን ክንሳተፍ እንከሎና ዕለት ዕለት አብ ሰውነት ክርስቶስ ንወሃሃድ። አባላት ናይ እቲ “ኦ አቦይ ዝገብርዎ አይፈልጡን እዮም እሞ ሕደገሎም” ዝበለ ንኸውን። ከምቲ ኢየሱስ ዝገበሮ ንሕና ኸአ ብጸጋን ሓይልን አምላኽ ከምኡ ንግበር። አብዚ እዋናት ዘመነ ትንሣኤ ወላ ንሓደ ሰብ ምሒረ አሎኹ ንበል።
ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ
All the contents on this site are copyrighted ©.