2010-04-27 14:32:57

ናይ ቤተ ክርስትያን መራኸቢ ብዙሃን፣ መንነትን ቤተ ክርስትያንን እተካይዶ ዘተን


ኣብ መላእ ሃገራት ዓለም ዝርከቡ ናይ ካቶሊክ ቤተ ከርስትያን ወሃብቲ ቓል ሮማ ኣብ ዝርከብ ጳጳሳዊ ቅዱስ መስቀል መንበረ ጥበብ ሓፈሻዊ ጉባኤ የካይዱ ከምዘለዉ እንክንገ፣ RealAudioMP3 እዚ ዕለት 26 ሚያዝያ 2010 ዓ.ም.ፈ. መራኸቢ ቡዝሃን ቤተ ክርስያን፣ መንነት ቤተ ክርስትያንን እተካይዶ ዘተን ብዝብል ኣርእስቲ ተመሪሑ ዝካየድ ዘሎ ጉባኤ ጽባሕ ክፍጸም ምዃኑ ተሓቢሩ።

ጳጳሳዊ ቅዱስ መስቀል መንበረ ጥበብ ኣመሓዳሪ ኣባ ልዊስ ሮመሮ እቲ ጉባኤ ዝምርሓሉ ዘሎ ኣርእስቲ እዋናውነት ዘለዎ ሕጹጽ ጉዳይ ምዃኑ ኣመልኪቶም፣ ኣብ ዝሓለፈ ቀረባ እዋን ናይ ቤተ ክርስያን ናይ መራኸቢ ብዙሃን ደስ ዘይብል ኣጋጣሚ ከምእተረኸበን ዘኪሮም ኣብ ዴሞክራሲያዊ ሥርዓት ሓሳብካ ምግላጽን ሓበሬታን ርእይቶኻን ምሓብ ውሑስ ክኸውን ኣለዎ፣ መንግሥታት ሓቀይናን ግልጽን ምትላል ዘይኣመተን ዘየማትእ ሓበሬታ ክህቡ ክሕተቱ እንከለዉ እዚ ድማ መራኸቢ ብዙሃን ብወገነን ብዘይ ሌላን ጉሌላን ኣብ ሓቂ ዝተደገፈን ሓቀይና ሓበሬታ ከቕርባ ትሑዛትን ናይ ምዃነን ዝገለጽ መሠረታዊ ምኽንያት እውን ኢዩ።

ውሑዳት ኣባላት ውሉደ ክህነት ዝፈጸምዎ ናይ ወሲብ ዓመጽ ኣብዚ እዋን’ዚ መራኸቢ ብዙሃን ብዙሕ ክዛረባሉ ቅኑዕ ኢዩ። እንተኾነ ግን ኣብቲ ዝተፈጸመ ናይ ወሲብ ዓመጽ ክሕጸራን ስም ኵሉ ወሉደ ክህነት ከጸልማ የብለንን። ኣብ ቀረባ እዋን ናይ ኢጣሊያ ብፁዓን ጳጳሳት ዝጠለቦ ኣብ ሮማ ዝተኻየደ ብሥነ ኣኃዝ ዝተደገፈ ዝተራቐቐ ብስነ ጥብብ መሠረት ዝወሃብ ምስክርነት ኣማእክሊ ዝዘተየ ዓውደ መጽንዕቲ ከምዝሓበሮ፣ ኩሉ ተሓባርን ሓባርን ምንጪ ሓበሬታን ክኸውን ዝገብርን፣ ቅልጡፍ ሓበሬታ ኣብ ኩሉ ክባጻሕ ዘተባብዔ’ኳ እንተኾነ፣ ዝቐርብ ሓበሬታ ብዑምቀት ዘይተጸንዔ ተባራሪን ዝተኾልፍፈን ኮይኑ ኢዩ ዝተርፍ፣ ብናይ ቤተ ክርስትያን መራኸቢ ብዙኃን ዝቐርብ ሓበሬታ፣ ሓበሬታ ብህጹጽ ኣብ ኩሉ ምብጻሕ ዝብል ኣመለኻኽታ ዝኽተል ዘይኮነስ፣ እቲ ሓበሬታ ብዑምቀት ተጸኒዑን ሰማዒ ብዑምቀት ክርድኦን ካብ ዝቐረበሉ ሓበሬታ ክመሃርን ታሪኻዊ ተዘክሮ ከትርፍን ዝብል ኣመለኻኽታ ዝኽተል ኢዩ። ኣብ ዋጋን ዕዳጋን ዘይወርድ ብቕዱስ መጽሓፍን ብናይ ቤተ ክርስትያን ሥልጣናዊ ትምህርቲ ዘቕርበልና ልዑላን ናይ ሕይወት ክቡር ዋጋታት ዘቃልሕ ኢዩ። ስለዚህ ቤተ ርክስትያን በቲ ናይ ገዛእ ርእሳ ናይ መራኸቢ ብዙሃን ተጠቂማ መንነታ ብንጹር ክትገልጽ ይግበኣ። ሰማዒ ናይ ቤተ ክርስትያን ኣመለኻክታ ዘነጽረሉን ካብ እምነት ዝምንጭ ነተካይዶ ዘተ መሠረት ዝኾና እተቕርቦ መልእኽትታታ ምባጻሕ የድሊ፣ ናይቲ ቅድሚ 2000 ዓመት ኣቢሉ ዝተበገሰ ቅዱስ ሓበሬታ ቤት ክርስትያን ሎሚ እውን ንናይ ቤተ ክርስትያን መራኸቢ ብዙሓን ኃይሊ ከምዝኾነ ምግንዛብ የድሊ፣ መራኸቢ ብዙሃን ቤተ ክርስትያን፣ እምነትን ሃይማኖትን ዝግለጸሉን፣ ብዘቕርቦ ዜናታት እውን እቲ እምነን ሃይማኖትን ክቃላሕ ኣለዎ እንክብሉ ናይቲ ዓውደ መጽናዕቲ ሊቀ መንበር ኣባ ኾሴ ማሪያ ላ ፖርተ ኣብ ዘቕረብዎ ኣስተምህሮ ከምዘመልከቱ ተሓቢሩ።








All the contents on this site are copyrighted ©.