2010-04-27 14:31:30

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ.፣ ገጽ ኣምላኽ ንኽልለ


ኣብ ኢጣሊያ ሕዝቢ ከተማ ቶሪኖ ዝመጽእ ዘሎ ሰንበት ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ነዘካይድዎ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ብዓቢ ሃንቀውታ ይጽበይን፣ ምቅርራባት የካይዱ ከምዘሎ ክንገር እንከሎ፣ RealAudioMP3 ኣብዛ ከተማ ዝርከብ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዝተገንዘሉን ናይ ገጽ ምስሉ ተቐሪጽሉ ዝተረፈን ክሳብ ሕጂ ተዓቂቡ ዘሎ ቅዱስ መግነዝ ንኣስተንትኖን ጸሎትን ካብ ዕለት 10 ሚያዝያ 2010 ዓ.ም.ፈ. ጀሚሩ ንሕዝቢ ከምዝቐረበን፣ በዚ ምኽንያት ቅዱስ ኣቦና ዕለት 11 ሚያዝያ 2010 ዓ.ም.ፈ. ኣብ ኣደባባይ ቅዱስ ጴጥሮስ ጸሎተ ንግስተ ሰማይ ኣዕሪጎም ኣብ ዘስምዕዎ ስብከት፣ ናብ ናይ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ናይ ስቓይ ምሥጢር ዝዕድም ፍሉይ መንፈሳዊ ኣጋጣሚ ኢዩ ቢሎም ከምዝገለጽዎ ይዝከር።

ቀጺሎም እግዚአብሔር ብሕይወት ኣጽኒሑ ነቲ ቅዱስ መግነዝ ክበጽሕን ጸሎት ከዕርግን ነቲ ጽምዋ ዝተመልኦ ሰባት ገጽ ኣምላኽ ከለልዩ ዝዕድማና ኣብ ልቢ ዝዛረብ ቃላት ዝሓዘለ ገጽ ኣምላኽ ከስተንትን ጸጋኡ ክህበኒ እምነ ኢሎም። ገጽ ኣምላኽ ምርኣይ ምሳኡ ምራኻብ ናይቲ ኣብ ጎደና ፍቕሪ ብእምነት ዝጎዓዝን ንዓይ ዝረኣየ ነቦ ከምዝረኣየ ዝብላ ቃል ጎይታን ኢየሱስ ክርስቶስ ዘረጋገጸልና ሓቂ ክንበጽሖ ሃረር እንብሎ ሽቶ ኢዩ። ከምቲ ናይ ደቂ መዛሙርቱ ውሽጣዊ ሃረርታ፣ እግዚኣብሔር ንምርኣይ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ምልላይን ምፍላጥን ብመንፈሱ መልክዕ ክትሕዘና ክንፈቕደሉ ሓደራ ኢሎም።

ኣቲ ናይ ፍቕርን ሰላምን ኃይሊ እንረኽበሉን ናይ ሕይወትና መገዲ ዝሕብረና ገጽ ኣማልኽ፣ ብዝበለጸ ኩላትና ብሓባር ወትሩ ክንፈልጦን ከነለልዮን ከምዝገበኣና ድማ ኣረዲኦም፣ እቲ ኣብ ከተማ ቶሪኖ ተዓቂቡ ዘሎ ገጽ ኣምላኽ ተሓቲሙሉ ዝተረፈ ቅዱስ መግነዝ ምስትንታን ማለት ኣብቶም ቅኑዓትን ንጹሃን ልቢ ኣሕዋትን ኣሓትን ዘሎ ገጽ ኣምላኽ ምልላይን ምርኻብን ማለት ኢዩ። ኦ ጎይታይ ገጽካ አናዲ ኣሎዅ፣ ዝብል ጸሎት ዘማራይ ዳዊት፣ ገጽ ናይ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ናይ ኩላትና ክርስትያን ሃንቀውታ ምዃኑ ይገልጸልና። ኣብ ምንዳይ ገጽ ኣምላኽ እንተድኣ ተጊህናን ጸኒዕናን ምድራዊ ጉዕዞና ምስ እንፍጽም ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዘለኣላማዊ ሓጎስናን ስልማትናን ዘይበርስ ዘለዓለማዊ ጽባቔናን ውህበትናን ክብርናን ክኸውን ኢዩ ከምዝበሉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ የዘኻኽር።








All the contents on this site are copyrighted ©.