2010-04-24 14:29:08

ዝክረ ሐሙሻይ ዓመት ርእሰ ሊቃነ ጵጵስና በነዲክቶስ ፡


ቅድስቲ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ሎሚ መበል ሐሙሻይ ዓመት ርእሰ ሊቃነ ጳጳስና በነዲቶስ ዘኪራ ውዒላ ። ቅድሚ ሐሙሽተ ዓመት ዕስራን አርባዕተን ሚያዝያ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ በማእት አሽሐት ምእመናን አብ ዝተረኸብሉ ናይ መጀመርያ መዓልቲ ርእሰ ሊቃነ ጵጵስንኦም መሥስዋዕተ ቅድሴ ከም ዘዕረጉ ዝዝከር ኢዩ።

ብዓሰርተ ትሽዓተ ሚያዝያ 2005 በቲ ኮንክላቨ ዝጽዋዕ ዕጹው ጉባኤ ካርዲናላት ንመንበርያ ሓዋርያ ቅዱስ ጰጥሮስ ከም ዝተሰየሙ ዝዝከር ኢዩ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ ናይ ርእሰ ሊቃነ ጵጵስንኦም ናይ መጀመርያ መስዋዕተ ቅዳሴ አብ ዘዕረግሉ ግዜ ዕስራን አርባዕተን ሚያዝያ 2005 አብ ዘስምዕዎ ስብከት ፡ እነሆ እምብአር ኃያል እግዚአብሔር ስለ ዝደለዮ ሐደ ድኹም መገልገሊ እግዚአብሔር አብ ምድሪ ወኪል ቅዱስ ጰጥሮስ ብምዃን ልዕሊ ክእለት ሰብ ንዝኾነ ሐላፍነት ይሽከም አሎ።

እዚ ሐላፍነት’ዚ ንበይነይ ክገብሮ ዘይክእል ስራሕ ከም ዝኾነ ይርድአኒ ፡ ግን ብኀይሊ ኩሎም ቅዱሳንን ብጸሎትኩምን ብጸሎት ጻድቃንን ይጅምሮ አለኹ ፡ ስለዚ ብመንፈስ ምሳይ ክትጓዓዙ ክትጽልዩለይ ብትሕና ይሐተኩም ብማለት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ ንምእመናን አብ ዘስምዕዎ ስብከት ከም ዝገለጹ ዝዝከር ኢዩ።

በቲ ግዜ’ቲ ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ ፡ ኦ ቅድስቲ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ህያው ኢኺ መንእሰይ ኢኺ አነ ብኀይሊ እግዚአብሔርን ብጸሎት ምእመናንን እነኹ ፡ ከገልግለኪ ተሳናድየ አለኹ’ሞ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ወላዲተ አምላኽ ትሐግዘኒ ብማለት ነቲ አብ ቅርዓት ቅዱስ ጰጥሮስ አብቲ ናይ መጅመርያ ርእሰ ሊቃነ ጵጵስንኦም ዘዕርግዎ መሥዋዕተ ቅዳሴ ዝተሳተፉ ምእመናን አብ ዘስምዕዎ ስብከት ከም ዘመልከቱ ዝዝከር ኢዩ።

ቀጺሎም ፡መሪሕ ቤተክርስትያን ብርእሱ መድኀን ክርስቶስ ከም ዝኾነ አመልኪቶም ክአ ንሱ ባዕሉ ክመርሐኒ ንድላዩ ገቢራዊ ክገብር እነሆ ተሰናድየ አለኹ ፡ ቤተክርስትያን ኩሉ ግዜ አብ ኢድ እግዚአብሔር ብጸጋ እግዚአብሔር ከም ትምራሕ ምእመናን ዝርድእዎ ጉዳይ ኢዩ ከም ዝበሉ ክአ አይዝንጋዕን ።

ዝተፈተኹም ምእመናን ሓዋርያዊ ጓሳ ካብ ተኳሉ ከይሀድም ጸሎትን አስተንትኖን ምእመናን የድሊ ኩሎም መራሕቲ ህዝበ ክርስትያን መሠረታዊ ስርሖም ህላዌ እግዚአብሔር ንወዲ ሰብ ከርእዩን ክገልጹን ከም ዝኾነ ክንዝክር ይግብአና ከም ዝበሉ ክአ ዝዝከር ኢዩ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ፡ ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጵሳት በነዲክቶስ መበል ዓሰርተ ሽዱሽተ አብ ውሽጢ ሐሙሽተ ዓመታት ንቅድስቲ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ክብ ዝበለ ሐዋርያዊ አገልግሎት ከም ዘበርከቱን የበርክቱ ከም ዘለዉን ዝዝከር ኢዩ።

ከምቲ ዝዝከር በቲ ሮቡዕ ሮቡዕ ዝህብዎ ትምህርቲ ቤተክርስትያን አቢሎም ምስ ምእመናን ጥቡቅ ርክብ አለዎም ፡ ሰለስተ ሐዋርያዊ መልእኽቲ ንዓለም አተሐላሊፎም ዓሰርተ አርባዕተ ሀገራት ሐቆፍ ሓዋርያዊ ዑደታት ክአ አካይዶም።

ቅዱስ ጰጥሮስ አብ ከውሒ ዝመሥረታ ካቶሊካዊት ቅድስቲ ቤተክርስትያን አብ ውሽጣን አብ ዓለምን ንዘጋጥምዋ ዕንቅፋታት ብጸሎትን ተጋድሎን እናሰገረት ከይሰልከየት ተልእኾአ ትቅጽል አላ።

ፍጡር ካብ ዝፍጠር ክሳዕ ምድራዊ ሕይወቱ ዘብቅዕ ናብ ዘለዓለማዊ ሕይወት ንኽሰጋገር ዘድልዮ መንፈሳዊ ስንቂ ተስንቆ ፡ ስንቂ ንዘይደሊ አብ ነብሱ ክምለስ ፈሪሐ እግዚአብሔር ክህልዎ ካብ ምምካር ዓዲ አይወዓለትን ኩሉ ዝክአሎ ከሄሌ ኩሉ እግዚአብሔር ንሰብ ለባምጌሩ ከም ዝፈጠሮ ስለትርዳእን ካብ ዝገብሮም ጌጋታትን ሐጢአትን ተጸጺቱ ምሕረት ክልምን ክአ

ትምሕጸኖ። !!!!!!!!!!!!!!








All the contents on this site are copyrighted ©.