2010-04-22 15:17:14

ካቶሊክ ቤተ ክርስትያን ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ


ነቲ ለብዘበን ኣብ ደቡብን ኣፍሪቃ ዝካየድ ዓለም ሓቆፍ ግጥም ኩዕሶ መሠረት ኣብታ ሃገር እትርከብ ካቶሊክ ቤተ ርክስትያን ዳብሊው ዳብሊው ዳብሊው ነጥቢ ቸርች ኦን ዘ ቦል ነጥብ ኮም ብዝብል RealAudioMP3 ዝተዳልዎ ድረ ገጽ ዝተፈላለዩ መደባት ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ተቕርብ ከምዘላ እንክንገር፣ ብፍላይ ድማ ነዚ ዓለም ሓቆፍ መደብ ግጥም ኵዕሶ ንምክትታል ናብታ ሃገር ንዝገሹ መንፈሳዊ ኣገልግሎት ንምሃብን ኣስፍሆተ ወንጌል ንመንሰያት ብዝብል ርእሰ ጉዳይ ክረምታዊ መደብ መንፍሳዊ ሕንጸት ከምዝሓንጸጸት ተሓቢሩ።

ዓለማዊ ምትእስሳር ኣብ ኤኮኖምን ዕዳጋን ጥራሕ ዘይኮነስ ማኅበርሰብ ዓለም ብፍላይ ድማ እቶም ተስፋ ዝበሃሉ ክፍሊ ኅብረሰብ ዓለም ንኽላለዩ ዘተባብዕ ክኸውን ከምዘለዎ ዝኣመተ መደብ መንፈሳዊ ሕንጸት ከምዝኾነ እንክንገር፣ እዚ መደብ መሠረት መንሰያት ክላለዩን መንፈሳዊ ተመኵሮኦም ክለዋወጡ ዘተባብዕ መንፈሳዊ ሕንጸት ክረኽቡ ዝሕግዝ ምዃኑ ተገሊጹ።








All the contents on this site are copyrighted ©.