2010-04-22 15:16:00

ኢየሱሳዊ ካህን ኣባ ድሜሎ


ኣብ ህንዲ ንናይ ማኅበር ኢየሱሳውያን ቀዳማይ ሓለቓ ብምዃን ኣብ ሕንጸት ካህናትን ምእመናን ዝድነቕ ሓዋርያዊ ኣገልግሎትን ዘበርከቱ ወዲ ቤተ ክርስትያን ኣባል ማሕበር ካህናት ኢየሱሳውያን RealAudioMP3 ኣባ ኣምብሮሰ ደሜሎ ኣብ መበል 87 ዓመት ዕድሜኦም ካብዚ ዓለም ብሞት ከምእተፈልዩ ተሓቢሩ።

ኣባ ደሜሎ ኣብ ፑንቱር ከተማ ማንጋሎረ ኣብ 1922 ዓ.ም.ፈ. ዝተወልዱን ኣብ 1943 ዓ.ም.ፈ. ምስ ማኅበር ኢየሱሳውያን ተላልዮምን ኣብቲ ማኅበር ምብእታው ዝግባእ ሕንጸትን ረኺቦም ኣብ 1954 ዓ.ም.ፈ. ማዕርገ ክህነት ከምእተቐበሉ ናይ ከባቢ ሰሜናዊ እስያ ናይ ማሕበር ኢየሱሳውያን ሓለቓ ኣባ ኤድዋርድ ሙዳቫሰርይ ሓቢሮም፣ ኣባ ደመሎ ይብሉ ኣብ ኣስፍሆተ ወንጌልን ኣብ ሕንጸት ምእመናን ውሉደ ክህነትን ምሃይምነት ንምውጋድን እቶም ኣብ ጠርዚ ማኅበረሰብ ዝነብሩ ኣብ ዘስካሕክሕ ድኽነት ዝርከቡ ግቡዕ ሕንጸት ረኺቦም ገዛእ ርእሶም ብዅሉ መዳይ ውሑስ ክገብሩን ክርስትያናውን ሰብኣውን ስነ ፍልጠትን ሕንጸት ክረኽቡ ዘኽእሎም መደባት እናሓንጸጹ ዘይሕለል ሓዋርያዊ ኣገልግሎት ዝፈጸሙ ምዃኖም ዘኪሮም፣ ንናይቲ ከባቢ ብፁዓን ጳጳሳትን ካህናትን ገዳማውያንን ዓለማውያን ምእመናንን ብእምነቶም ስነ ፍልጠቶምን ቅድመ ኣብነት ኔሮም ኢሎም።







All the contents on this site are copyrighted ©.