2010-04-22 15:12:34

ስሜተ ጵጵስና ኣብ ቻይና


ብዝሓለፈ ሰንበት ኣብ ቻይና ሆሆት ኣብ ዝርከብ ካቴድራል ቅዱስ ልበ ኢየሱስ ክቡር ኣባ ፖል መንግ ኩይንግሉ ማዕርገ ጵጵስና ከምእተቐበሉ ተገሊጹ። ብፁዕ ኣቡነ ፓውሎ መንግ ኩይንግሉ RealAudioMP3 48 ዕመት ዝዕድሚኦም ብሓልዮት እግዚኣብሔር ክህነት ካብ ዝቕበሉ 21 ዓመት ዘቑጽሩ ዘለዉን ካብ 2006 ዓ.ም.ፈ. ኣትሒዞም ናይታ ሰበኻ ሓዋርያዊ ኣመሓዳሪ ኮይኖም ከገልግሉ ከምዝጸንሑን ካብ ኢድ ናይ ሸንያንግ ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ፓውሎ ፓይ ዩንሚን ናይ ጵጵስና ማዕርግ ከምእተቐበሉ ተገሊጹ። ኣብቲ ሥርዓተ ቅዳሴ ናይ ጂኒንግ ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ጆቫኒ ሊዩ ሲንጎንግን ናይ ባመንግ ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ማቲያ ዱ ጂያንግን ናይ ኒንግሲያ ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ጁዜፐ ሊ ጂንግ ከምእተሳተፉ ተገሊጹ።

ብፁዕ ኣቡነ መንግ ብ 1962 ዓ.ም.ፈ. ካብ ካቶሊክ ሥድራ ዝተወልዱን ኣብ 1985 ዓ.ም.ፈ ተመሃራይ ዘርኣ ክህነት ንምዃን በቒዖን፣ ኣብ 1989 ዓ.ም.ፈ. ማዕርገ ክህነት ከምእተቐበሉን፣ ኣብቲ ዝተመሃሩሉ ዘርኣ ክህነት ናይ ቲዮሎግያ ግብረ ገብ መምህር ኮይኖም ብምግልጋል ቀጺሎም ናይቲ ናይ ቲዮሎጊያን ፍልስፍናን ተቛም ኣመሓዳሪ ኮይኖም እናገልገሉ እንከለዉ ብናይ ሆሆት ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡኑ ጆቫኒ ባቲስታ ዋንግ ክሲያን ምኽትሎም ንኽኾኑ ተሓርዮም ድማ ድሕሪ ምግልጋል፣ ኣብ ሆንግ ኮንግን ቤልጂምን ንዝለዓለ ናይ ቲዮሎጊያ መጽናዕቲ ተላኢኾም ናይ ቲዮሎጊያ ሊቅነት ከምዘመስከሩ ተገሊጹ።

ድሕሪ ስሜተ ጵጵስናኦም ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ ኣብ ናይ ሕንጸት ተመሃሮ ዘርኣ ክህነት ዓቢ ትኵረት ክግበሩን ናይ ካህናት ሓድነት ክረጋገጽን ኣብ ቻይና ኣብ መንጎ ናይ ካቶሊክ ኣቢያተ ክርስትያን ሓድነት ክሰርጽን፣ ብፍላይ ድማ እታ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ኣብ 2007 ዓ.ም.ፈ. ንቻያና ቤተ ክርስትያን ዘመሓላለፍዎ ሓዋርያዊ ምዕዳን መሠረት ነቲ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ንቤተ ክርስትያኑ ዝሓባ ተልእኾ ንቕዱስ ኣቦናን ተኣማኒ ንምዃን ብፍቕሪ ነኸገልግሉ መታን ጸሎት ኩሎም ምእመናንን ውሉደ ክህነትን ከይፍለዮም ሓደራ ከምዝበሉ ተሓቢሩ።








All the contents on this site are copyrighted ©.