2010-04-22 15:11:13

ምሥራቓውያን ካቶሊክ ኣቢያተ ክርስትያን

 


ክቡርነቶም ብፁዕ ካርዲናል ሉቦምይር ሁሳር ዓቢይ ሊቀ ጳጳስ ናይ ክይቭ ሃይች ኣብ 2009 ዓ.ም.ፈ. ካብ ዕለት 29 ሕዳር ክሳብ ዕለት 5 ታሕሳስ ዝተኻየደ ናይ ግሪክ ሥትዓት እትኽተል RealAudioMP3 ናይ ኡክራይን ካቶሊክ ቤተ ክርስትያን ብጹዓን ጳጳሳት ሲኖዶስን ብሕጊ ቀኖና ናይ ምሥራቕ ኣቢያተ ክርስትያን ዓንቀጽ 85 ፍቕዲ ኽልተን ኣርባዕተን መሠረት ንሓዋርያዊ መንበር ብምሕባር ናይ አውዚያ ሊቀ ጳጳስን ኣብ ኡክራይን ናይ ሳምቢርን ድሮሆብይች ተሓባባሪ ፓትሪያርክ ብፁዕ ኣቡነ ያሮስላቭ ፕርይሪዝ ኣባል ማሕበር ረደንቶሪስት ናይቲ ከባቢ ኣቢያተ ክርስትያን ኅየንተ ሊቀ ጳጳስ ኮይኖም ከምእተሾሙ ተገሊጹ።

ብፁዕ ኣቡነ ያሮስላቭ ፕሪይሪዝ ዕለት 30 መጋቢት 1963 ዓ.ም. ኣብ ኡክራይን ኣብ ኣውራጃ ልቪቭ እትርከብ ከተማ ላስቲቭካ ኤጳርቅና ሳምቢር ድሮሆብይች ዝተወልዱን ዕለት 13 ታሕሳስ 1988 ዓ.ም. ናይ ክህነት ማዕርግ ዝተቐበሉን ኣብ 1993 ዓ.ም. ኣብ ማሕበር ረደንቶሪስት ብምእታው ብ 1994 ዓ.ም. ዓቢይ ማሕላ ፈጺሞም። ካብ 1991 ዓ.ም.ፈ ክሳብ 1997 ዓ.ም.ፈ. ሮማ ኣብ ዝርከብ ጳጳሳዊ ናይ ምስራቕ ኣቢያተ ክርስትያን መንበረ ጥበብ ናይ ሥነ ምሥራቕ ኣቢያተ ክርስያን ሊቅነት ኣመስኪሮም፣ ኣብ ዝተፈላለያ ቁምስናታት ኤጳርቅና ሳምቢርን ድሮሆብይች ሓዋርያዊ ኣገልግሎት ዝፈጸሙን ካብ 1997 ዓ.ም.ፈ. ክሳብ 2010 ዓ.ም.ፈ. ኣብ ኡክራይን ኣውራጃ ልቪቭ ናይ ማሕበሮም ተቛም ኅየንተ ኮይኖም ቀጺሎም ናይቲ ተቛም ዋና ኣመሓዳሪ ብምዃን ዘገልገሉን፣ ካብ 2005 ዓ.ም.ፈ. ክሳብ 2006 ዓ.ም.ፈ. ናይ ኤጳርቅና ዳምቢርን ድሮሆብይችን ሊቀ ካህናት ኮይኖም ድሕሪ ምግልጋል ዕለት 2 መጋቢት 2006 ዓ.ም.ፍ. ናይዛ ኤጳርቅና ምኽትል ፓትሪያርክ ኮይኖም ተሾይሞምን ዕለት 29 ሚያዝያ 2006 ዓ.ም.ፈ ማዕርገ ጵጵስና ከምእተቐብሉ ተገሊጹ።








All the contents on this site are copyrighted ©.