2010-04-22 17:19:33

መደብ ፍቅሪ እግዚአብሔር ካብቲ ዝዓበየ ማዕበልን ምስጣምን ይዓቢ


ቤተ ክርስትያን ማልታ ምብጻሕን ምውቅ ሰላምታ ሕዝባ ምቅባልን ምኽንያት ዓቢ ሓጎስ ጥራሕ ዘይኮነ ዓቢ ምጽንናዕ እውን ኮይኑኒ እንክብሉ ቅዱስ አቦና ትማሊ ነቲ ልሙድ ሳምንታዊ ናይ ዕለተ ሮቡዕ ሓፈሻዊ ትምህርተ ክርስቶስ መደቦም ኣብ ዝሓለፈ ቀዳመ ሰንበት ዝገበርዎ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ማልታ ብምትኳር ነቲ ንመርከብ ቅዱስ ጳውሎስ ብዘስጠመ ማዕበልን ብካልኦት ባህርያዊ ሓደጋታትን ዝምሰል ናይ ጊዜና ጸገማት ፍቅሪ እግዚአብሔር ከምዝዓብን ከምዝሕይልን ገሊጾም።

ትማል ረፍዲ ኣብ ቀጽሪ ቅዱስ ጴጥሮስ ትምህርቶም ንኽሰምዑ ተአኪቦም ንዝነበሩ ማዕረ 20 ሺሕ ዝኾኑ ምእመናን ሮማን ነጋድያንን ብዛዕባ እቲ ዝገበርዎ ጉዕዞ ዝተገብረሎም ድሙቅ ኣቀባብላ ከምኡ እውን ኣብ ፍሎርያና ዘዕረግዎ መሥዋዕተ ቅዳሴን ኣብ ደሴት ቫለታ ምስ መንእሰያት ዝገበርዎ ርክብን መንፈስ ዘሐድስ ምንባሩ፣ ምስቶም ብገለ ውሉደ ክህነት በደል ዝበጽሖም እሞ ተሸክምቲ እቲ አደራዕ ኮይኖም ዝሳቀዩ ሰባት ብምርካብ ንኩሉ ታሪኾም ሰሚዖም ምስኦም ብምስቃይን ብምሕዛንን ብምጽላይን ብምጽንናዕን ዝተጓነፎም ዘበለ ኩሉ አካፈሉ።

ደሴት ማልታ ንቅዱስነቶም ካብ ክልተ ሺሕ ዓመት አትሒዛ ንትሕዝቶ ወንጌል ብምዕቃብ ንኤውሮጳን ንምሉእ ዓለምን ዝሰበኸት እያ፣ እቲ ስብከተ ወንጌል ብምሉእ ናህሪ ብቅዱስ ጳውሎስ እዩ ዝጅምር፣ እዚ ዝኾነሉ ከባቢ 60 ዓም እዩ፣ ታሪኽ ናይቲ ፍጻሜ ኣብ ግብረ ሓዋርያት ምዕራፋት 27ን 28 ንረኽቦ፣ እዚ ዘርኢ እዚ ብዙሕ ከምዝፈረየ ዘርኢ ኣብ ምሉእ ዓለም ንስብከተ ወንጌል ዝተዋፈሩ ደቂ ማልታ ምዝካር ይአክል።

እዚ ሓውጾተ ኖልዎ እዚ ናይ ሓሙሽተ ዓመት ጉዕዞ ኣብ መንበረ ጴጥሮስ ዛዛሚ ኣብ ርእሲ ምንባሩ ከምቲ ናይ ቅዱስ ጳውሎስ ጉዕዞ በቲ ሓደ ወገን ብርቱዕ ማዕበልን ተስፋ ቍርጸትን በቲ ሓደ ወገን ድንቂ ዝኾነ ሥራሕ አምላክ ዝተራእየሉ ዝነበረ ሎሚ እውን ቤተ ክርስትያን ብአምሳል ማዕበል ብኩሉ መዳይ ዘጋጥማ ዘሎ ፈተናታት እኳ እንተሎ ፍቅሪ እግዚአብሔር ዝግለጸሉ ፍጻሜታት እውን ዘርኢ ነበረ፣ ቅዱስነቶም ነዚ እንክገልጹ፦ “ናይዚ ከም ሓንቲ ዓባይ ሥድራ ቤት ኮይኑ ዝርደአካን ብእምነትን ብክርስትያናዊ ራእይ ሕይወትን ዝተወሃሃደ ሕዝቢ ፍሉይን ምውቅን ተቅባል ናይ ዓቢ ሓጎስ ምኽንያት ኮይኑኒ፣ መአስ እዚ ጥራይ ዓቢ ናይ ምጽንናዕ መንፈስ እውን አዕሲሉ” እንክብሉ ነቲ ናይ ዓቢ ሓጐስ ጊዜ ድሕሪ ምግላጽ ነቲ ክብድ ዝበለ ናይ መስቀልን ሥቃይን ከምዚ ክብሉ ገለጽዎኣ፦ “ድሕሪ መሥዋዕተ ቅዳሴ ምስ ገሊኦም ግዳይ ናይቲ ብገለ ውሉደ ክህነት ናይ ዝተገብረ ዓመጽ ዝኾኑ ክራኸብ ደለኹ። ብዓሚቍ ውሉዳዊ ሕንቅንቅ ዝተሓውሶ ስምዒት ሥቃዮም ተኻፊለ፣ ቤተ ክርስትያን ንኩኡ ከተስተካኽል ምዃና ብምርግጋጽ ምስኦም ጸልየ።” እንክብሉ እቲ ቅዱስ ጳውሎስ ቅድሚ 1950 ዓመት ኣብታ ብማዕበል ትሰጥም ዝነበረት መርከብ ብፍርሕን ተስፋ ቍርጸትን ተዋሒጦም ንዝነበሩ ዘጽነዔ እምነትን ተስፋን ብሓዲሽ ዘሪኦም።

አብ ናይ ትማሊ ትምህርቶም ቅዱስነቶም ዓመት ካህን እውን ብምዝካር ንካህናት ኣጆኹም እንክብሉ ብእምነትን ብፍቅርን ከገልግሉ ሓደራ ብምባል ዝሓለፈ ሰንበት ዲቍና ዝተቀበሉ ተማሃሮ ጳጳሳዊ ኮለጅ እስኮትላንድ ፍሉይ ሰላምታ ብምቅራብ ንኩሎም ብዝተፈላለየ ቋንቋ ድሕሪ ምምስጋን ሓውርያዊ ቡራኬ ሂቦም።








All the contents on this site are copyrighted ©.