2010-04-20 13:38:20

ካቶሊካዊ ምንቅስቃስ ኣፍቅሮተ ዘ ቤት ኣብ ቁምስናታት


ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣፍቅሮተ ዘ ቤት ተባሂሉ ዝጽዋዕ ብነፍሰ ኄር ኪያራ ሉቢክ ዝተመሥረተን ብፍቓድ ቤተ ክርስትያን ተፈላጥነት ረኺቡ ዝቖመ ናይ ካቶሊክ ምንቅስቃስ ኣብ ካስተል ጋንዶልፎ RealAudioMP3 ምስክርነት ፍቕሪ እግዚአብሔር ኣብ ቁምስናታት ብዝብል ርእሰ ጉዳይ ዝተመራሔ ልዕሊ 1544 ተጋባእያን ዝተሳተፍሉ ዓውደ መጽናዕቲ ከምእተኻይደ ተገሊጹ።

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ኣብ ኵሉ መዳይ ንዅሉ ፍጥረት ፍቕሪ እግዚኣብሔር ክስበኽን ክምስከርን ወትሩ ንእንተ ላእለ ኵሉ ቤተ ክርስትያን ዘቕርብዎ ጻውዒት፣ ናይ ኣፍቅሮተ ዘ ቤተ ናይ ካቶሊክ ምንቅስቃስ መንፍሳዊ መምርሒ ከምዝኾነ ኣብቲ ዝተኻየደ ዓውደ መጽናዕቲ ከምእተነጸረ ክግለጽ እንከሎ፣ ብዛዕባ እዚ ዝተኻየደ ዓውደ መጽናዕቲ ኣመልኪቶም ኣባ ካርሎ ማላቫዚ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ፣ ብተደጋጋሚ ብዙሓት ሰባት ካብ እግዚኣብሔር ዘይኮነስ ካብ ቤተ ክርስትያን ዝረሓቑ ከምዝኾኑ ክዛረቡ ንሰምዕ፣ ምናልባት እውን ቤተ ክርስትያን ስለ ዝረሓቐቶም ምኽንያት ዝገልጽዎ ኣመለኻኽታ ክኸውን ዝከኣል ኢዩ። ካብ እግዚኣብሔር ዝረሓቀ ክህሉ ማለት ዘይሕሰብ ኢዩ፣ ካብ ሓቂ ዝረሓቀ አመለኻኽታ እውን ኢዩ፣ ምናልባት ነቲ እግዚኣብሔር እንብሎ ብዝተፈላለዩ ነገራትን ስነ ሓሳብን ክንትክኦ ዝከኣል ኢዩ፣ እግዚኣብሔር ፍቕሪ ምዃኑ ንዅሉ ከምዘፍቅርን እዚ ዘመልክትን ዘረጋገጽን ምስክርነት ክቐርብ ኣለዎ፣ ስለዚ ወንጌል ካብ ምንባር ብቓልን ብሕይወትን ብዝቐርብ ምስክርነት ጥራሕ ኢዩ ዘእምን። ካልእ ንሰባት ካብ ቤተ ክርስትያን ከርሕቕ ዝኽእል ብደቂ ቤተ ክርስትያንን ብኣባላት ውሉደ ክህነትን ዝፍጸም ሓጢኣት ኢዩ፣ እዚ ድማ ደቂ ቤተ ክርስትያን ንወንጌላዊ ሕይወት ክልወጡ ዝዕድም ምዃኑ ሓቢሮም፣ ናይ እምነትና ምኽንያት ሰባት ክኾኑ ከምዘይብሎም ከምዘረጋግጸልና ድማ እቲ ዓውደ መጽናዕቲ ብዑምቀት ከምእተመያየጠሉ ገሊጾም፣ ቁምስናታት ንዑ ዝበሃለሉ ዘይኮነስ ከም ክርስቶስ ናብ ደቂ ሰባት ዝኽየደሉ ኣእጋርን ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ክኾና ኣለወን ኢሎም።








All the contents on this site are copyrighted ©.