2010-04-17 13:31:49

ብፁዕ ካርዲናል ሶዳኖ ኣብ ሥነ ሥርዓት ቀብሪ ርእሰ ብሔር ፖላንድ


ኣብ ዝሓለፈ ዕለት 10 ሚያዝያ 2010 ዓ.ም. ብዘጋጠመ ናይ ነፋሪት ሓደጋ ናይ ፖላንድ ርእሰ ብሔር ሌኽ ካዝይንስኪን ክብርቲ ባዓልቲ ቤቶም ዝርከብዎም ብጠቅላላ 96 ሰባት ናይ ሞት ሓደጋ RealAudioMP3 ከምዘጋነፎም እንክዝከር ጽባሕ ኣብ ክራኮቪያ ኣብ ዝርከብ ፒልሱድስኪ ኣደባባይ ምእንቲ እቶም ናይ ሞት ሓደጋ ዝወረዶም ዝቐርብ መሥዋዕተ ቅዳሴ ንኽመርሑ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል ናይ ካርዲናላት ኣፈ ጉባኤ ብፁዕ ካርዲናል ኣንጀሎ ሶዳኖ ከምዝለእኹ እንክንገር፣ ብፁዕ ካርዲናል ሶዳኖ ምስ መላእ ናይ ፖላንድ ናይ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ሓቢሮም ኣብ ቅድስቲ ማርያም ካቴድራል ናይ ፍትሓት ቅዳሴ ክመርሑ ኢዮም። ኣብቲ ናይ ፍትሓት ቅዳሴ ናይ ፖላንድ ሕዝባዊ ባይቶ ሊቀ መንበር ጊዚያዊ ናይ ፖላንድ ርእሰ ብሔር ብሮኒስላው ኮሞሮችስኪንን ናይ ሶሊዳርንኮስ ሊቀ መንበር ዣኑስዝ ስኒኣደክን ዘረባ ከስምዑ ምዃኖም ተሓቢሩ። ድሕሪ እቲ ናይ ፍትሓት ቅዳሴ ኣብ ክራኮቪያ ናይዛ ከተማ ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ ካዲናል ስታኒዝላው ድዚዊስዝ ብዝመርሕዎ ጸሎተ ፍትሓት ቀሪቡ ርእሰ ብሔር ሌኽ ካዝይንስኪን ነፍሰ ኄር ክብርቲ በዓልቲ ቤቶምን ሓመድ ኣዳም ክለብሱ ኢዮም።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ቅድሚ ትማሊ ናይ ካርዲናላት ኣፈ ጉባኤ ብፁዕ ካርዲናል ኣንጀሎ ሶዳኖ ኣብ ባሲሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብ ቅድስቲ መንበር ናይ ፖላንድ ልኡከ መንግሥቲ ዝተረኽባሉ ምእንቲ እቶም ናይ ፖላንድ ርእሰ ብሔርን ክብሪ በዓልቲ ቤቶምን ብጠቅላላ ናይ ሞት ሓደጋ ንዝወረዶም ናይ ፍትሓት ቅዳሴ ከምዘቕረቡ ክዝከር እንከሎ፣ ብፁዕ ካርዲናል ሶዳኖ ኣብ ዘስሞዎ ስብከት፣ ሓቅን መገድን ሕይወትን ክርስቶስ ጥራሕ ኢዩ፣ እቲ ሐበንና ዝኾነ መስቀል ክርስቶስ ንመሠረታዊ ሰብኣዊ ሕቶታትና ምልኣተ መልሲ ኢዩ፣ እሞ ኣብ ክርስቶስ እመኑ ከምዝበሉ ካብ ቅድስቲ መንበር ዝተመሓላለፈ መገልጺ የዘካኽር።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፣ ናይ ፖላንድ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ እቲ ዝተኸስተ ናይ ነፋሪት ሓደጋ ንመላእ ሃገርን ሕዝብን ኣዚዩ ከምዘሕዘነን ገሊጾም፣ መላእ ሃገር ወሪዱ ዘሎ ሓዘን መዕቀቢ ሓገራዊ ሓድነት እምበር ናይ መወቓቐስን ፍልልያትን መንቀሊ ክኸውን የብሉ፣ እዋኑ ናይ ሓድነተ ኣምበር ናይ ኣፋላላይ ኣይኮነን ከምዝበሉ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።







All the contents on this site are copyrighted ©.