2010-04-17 13:33:17

መደብ ሓዋርያዊ ብምጻሕ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ከተማ ቶሪኖ


ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ዕለት 2 ግንቦት 2010 ዓ.ም. ኣብ ኢጣሊያ ከተማ ቶሪኖ ሓዋርያዊ ብምጻሕ ከካይዱ ምኻኖን ናይ ቅድስቲ መንበር ክፍሊ ዜና የመልክት። ቅዱስነቶም RealAudioMP3 ምስ ናይ ቶሪኖ ተቐማጦን መንሰያት ክራኸቡን ኣብታ ከተማ ኣብ ዝርከቡ ቤት ሕክምናታት ንዝርከቡ ሕሙማም ክበጽሑን መደብ ከምዘሎ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ዜናን ክፍሊ ማኅተምን ቤት ጽሕፈት ዝዘርግሖ መግለጺ እንክሕብር፣ ቅዱስነቶም ኣብ ኣደባባይ ቅዱስ ካርሎ ምስ ናይ ፒየሞንተ ብፁዓን ጳጳሳት ብሓባር መላእ ተቐማጦ ከተማ ቶሪኖን ተመሃሮ ዘረኣ ክህነትን ገዳማውያንን ካህናትን ዝሳተፍሉ መሥዋዕተ ቅዳሴ ኣዕሪጎም ናይ ፒየሞንተ ብፁዓን ጳጳሳት ኣብ ዘቕርብሎም ናይ ምሳሕ እንግዶት ክሳተፉን ምስ መንሰያት ተራኺቦም እብታ ከተማ ቶሪኖ ካቴድራል መንበረ ጳጳስ ዝርከብ ኣብ ቅድሚ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዘተገነዘሉ ምስሉ ዝተሓትመሉ ቅዱስ መግነዝ ናይ ኣስተንትኖ ጸሎት ከቕርቡ ምዃኖም መግለጺ ቅድስቲ መንበር ኣመልኪቱ።








All the contents on this site are copyrighted ©.