Home Archivio
2010-04-17 13:33:17
መደብ ሓዋርያዊ ብምጻሕ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ከተማ ቶሪኖ
ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ዕለት 2 ግንቦት 2010 ዓ.ም. ኣብ ኢጣሊያ ከተማ ቶሪኖ ሓዋርያዊ ብምጻሕ ከካይዱ ምኻኖን ናይ ቅድስቲ መንበር ክፍሊ ዜና የመልክት። ቅዱስነቶም
ምስ ናይ ቶሪኖ ተቐማጦን መንሰያት ክራኸቡን ኣብታ ከተማ ኣብ ዝርከቡ ቤት ሕክምናታት ንዝርከቡ ሕሙማም ክበጽሑን መደብ ከምዘሎ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ዜናን ክፍሊ ማኅተምን ቤት ጽሕፈት ዝዘርግሖ መግለጺ እንክሕብር፣ ቅዱስነቶም ኣብ ኣደባባይ ቅዱስ ካርሎ ምስ ናይ ፒየሞንተ ብፁዓን ጳጳሳት ብሓባር መላእ ተቐማጦ ከተማ ቶሪኖን ተመሃሮ ዘረኣ ክህነትን ገዳማውያንን ካህናትን ዝሳተፍሉ መሥዋዕተ ቅዳሴ ኣዕሪጎም ናይ ፒየሞንተ ብፁዓን ጳጳሳት ኣብ ዘቕርብሎም ናይ ምሳሕ እንግዶት ክሳተፉን ምስ መንሰያት ተራኺቦም እብታ ከተማ ቶሪኖ ካቴድራል መንበረ ጳጳስ ዝርከብ ኣብ ቅድሚ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዘተገነዘሉ ምስሉ ዝተሓትመሉ ቅዱስ መግነዝ ናይ ኣስተንትኖ ጸሎት ከቕርቡ ምዃኖም መግለጺ ቅድስቲ መንበር ኣመልኪቱ።
All the contents on this site are copyrighted ©.