2010-04-15 14:02:18

ዚምባብዌ፣ ቤተ ክርስትያን መቓልሕ ተስፋ


ዚምባብዌ ብስእነት ሥራሕ ልዕሊ 80 ካብ ሚእቲ ዝግመት ሕዝባ ዝተጠቕዓላን ሕዝባ ኣብ ቅብጸት ተስፋ ተሸንኪሩ ናይ መጻኢ ሕይወቱ ዝጸልመቶ ከምዝኾነን፣ ነዚ ዅሉ ኣብ ግምት ብምእታው RealAudioMP3 እዚ ሕዝቢ’ዚ ተስፋ ሰኒቑ ክጎዓዝ ቤተ ክርስትያን ከምእተተባብዕን ክንገር እንከሎ። ኣብታ ሃገር ዝርከብ ናይ ካቶሊክ ቤተ ክርስትያን ናይ ራድዮን ቴሌቪዥንን መደበር ኣብቲ እግዚኣብሔር ዝነብዓሉ ኣብ ዝብል መደብ ዝተረኽቡ ናይ ቺንሆዪ ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ዲየተር በርንድ ሾልዝ ኣብ ዝሃብዎ ቃል ምልልስ፣ ዚምባብዌ ዝብል ቃል በቲ ናይታ ሃገር ቋንቋ ብእምኒ ዝተሓንጸ ቤት ማለት ምዃኑ ኣረዲኦም፣ ኣብዚ እዋን’ዚ እታ ብእምንቲ ዝተሓንጸት ቤት ትዓንው ኣላ፣ ብዙሓት ዘጓነፎም ስእንተ ሥራሕን ጥምየትን ወሪዱ ዘሎ ምስፍሕፋ ድኽነትን ሕማምን ተወጊዱ ንምርኣይ ዝነበሮም ተስፋ መኺኑ ተስፋ ቖሪጾም ከምዝርከቡን ኣብታ ሃገር ዝመርሕ ዘሎ ናይ ፖለቲካ ሰልፊ ነቲ ናይ ተቓዋሚ ናይ ፖለቲካ ሰልፊ ጠሪሹ ንምጥፋእን ኣባላቱን ተጸወዕቱን ንሞት ሓደጋ ንምቅላዕ ፈተነታት እውን ከምዘካየድ ሓቢሮም፣ መንግሥቲ ቅትለትን ማእሰርትን ስቓይን ፈጺሙ ኢዩ። ናይ ወንጌል መሰኻኽር ካህናት ንሓደጋ ተቓሊዖም ከምዝርከቡ እውን ሓቢሮም፣ ቤተ ክርስትያን ናይቲ ኣብ ሕሰምን መከራን ዝርከብ ሕዝቢ ድምጺ ኮይና ንሕዝብን ሃገርን ንሓደጋ ዘቃልዕ ኵሉ ብዓውታ እናቃልዔት ናይ ተስፋ መቓልሕን ኣብሣሪት ተስፋ ኢያ ከምዝበሉ ነቲ ዝሃብዎ ቃለ ምልልስ ዝጠቐሰ ናይ ቅድስቲ መንበር ሎሶርቫቶረ ሮማኖ እተሰምየ ዕለታዊ ጋዜጣ ኣብ ናይ ትማሊ ሕትመቱ ኣመልኪቱ።








All the contents on this site are copyrighted ©.