2010-04-15 19:13:21

ካህን ምስ ዘሎ ባህሊ ንኽሓድር ቢሉ ዝመሳሰል አይኮነን፣ ንርእሱ ዘይኮነ ንክርስቶስ እዩ ዚሰብኽ


 “መሰረታዊ ምርጫ ንምግባር መዓት ሕንፍሽፍሽ መሊእዎ ኣብ ዘሎ ኣብዚ ጊዜ እዚ ጸዋዕታ ካህን ሓቂ ናይ ወንጌል ምስባኽ ጥራይ እዩ” እንክብሉ ቅዱስ አቦና ኣብ ናይ ትማል ናይ ዕለተ ሮቡዕ ሶሙናዊ ሓፈሻዊ ትምህርተ ክርስቶስ አስትምህሮም ገሊጾም። ነዚ አስተምህሮ እዝን ንኻልእ ሓዋርያዊ ግብረ ተልእኮኦምን ክብሉ ካብቲ ናይ ዕረፍቲ ቦታኦም ሓዋርያዊ አደራሽ ካስተልጋንደልፎ ቅድሚ ትማሊ ምሸት ብሄሊኮፕተር እዮም ናብ መንበሮም ዝተመልሱ። ኣብ ናይ ትማሊ አስተምህሮኦም ኣብዚ ዓመት ካህን ክዛዘም ቀሪቡሉ ኣብ ዘሎ ጊዜ ዘመነ ትንሣኤ ብዛዕባ ጸዋዕታ ካህን ከምኡ እውን ካብተን ሠለስተ ተልእኾ ካህን ማለት ምስትምሃር ምቅዳስ ምምሕዳር ቀንዲ ምስትምሃር ምዃኑ አብሪሆም። አብ መደምደምታ አስተምህሮኦም ኣብ ዝህብዎ ቃለ ሰላምታ ኸአ ንግዳይ ምንቅጥቃጥ መሬት ዝኾኑ ቻይናውያን ብምዝካር ሓዘኖም ገሊጾም እንከብቅዑ ምእንቲ ኩሎም ከምዝጽልዩን ብመንፈስ አብ ጐድኖም ከምዘለውን ብምዝኽኻር ማኅበረሰብ ዓለም ነዞም ግዳያት ንምርዳእ ግዲኡ ከበርክትን ክቀላጠፍን ከምዘለዎ አተሓሳሲቦም።

ካብ ፖላንድ ንዝመጹ ነጋድንያን እውን ናይቲ ኣብ ዝሓለፈ ሶሙን ዝተረኽበ መዳርግቲ አልቦ ሓደጋ ነፋሪት ማለት ሕይወት ልዕሊ 96 ዝቀዘፈ ልዕሊ ኩሉ ኸአ ምሉእ ወለዶ ሰበ ሥልጣን ብሓንቲ ሁመት ዝጠፍኡሉ ሓደጋ ብምዝጋር ዝተሰመዕም ሓዘን ዳግም ገሊጾም።

ኣብ ካህንን ተልእኮኡን ዘተኮረ አስትምህሮኦም ኣብ ዝሃብዎ ጊዜ ናይ ጊዜና ዚዓበየ ጸገም እንኪገልጹ ነዚ ዚስዕብ ቢሎም። “አብ መነባብሮ ዕለታዊ ሕይወትና እዚ እንነብረሉ ዘሎና ምድረ ሰማይ እንታይ እዩ፤ ካበይ መጺኡ፤ አበይከ ንኸይድ አሎና፤ ጽቡቅ ንምፍጻም እንታይ ክንገብር አሎና፤ ከመይ ቢልና ክነብር አሎና፤ መምርሒ ሕይወትና ክንገብሮም እንኽእል መሠረታውያን ነገራት አየኖት እዮም፤ እናበልና መሰረታዊ ምርጫ ንምግባር መዓት ሕንፍሽፍሽ መሊእዎ ኣብ ዘሎ ጊዜ ንነብር አሎና። ምስ እዚ ሕቶታትዚ ብዝተዛመደ መንገዲ እልቢ ዛይብሎም ፍልስፍናታት አለው፣ እዞም ፍልስፍናታት እዚኦም ክንዲ ነቲ ሕቶና ዝምልሹ ዝገደደ ሕንፍሽፍሽ ይፈጥሩልና፣ እዚ ኸአ ብጊዲኡ ኣብቲ ክንገብሮ ዘሎና ናይ ምርጫን ውሳኔን ጉዳያት ማለት ከመይ ክነብር፤ ስለምንታይ ክንዮ እዚ ክፈልጥ ዘይክእል፣ ብሓፈሻ ካበይ መጺእና፤ ንምንታይ ንነብር አሎና፤ ናበይ ገጽናኸ ንኸይድ አሎና፤ አረ ንምዃኑ ካብ ምንታይ ተፈጢርና ናበይ ገጽናኸ ንኸይድ አሎና፤ ንዝብል መሠረታውን መበቆላውን ሕቶታት ንምምላሽ ሕንፍሽፍሽ የእትውልና፣ ኣብዚ ከምዚ ዝበለ ጊዜ ክረድአና ዝኽእል እቲ ንመጓሲኡ ዝኃሊ ሕያዋይ ጓሳ ጥራሕ እዩ። እዚ ጓሳ እዚ ነተን ብዘይ ጓሳ ኣብ ምድረ በዳ ዝነበራ መጓሰ ብርሕራሔ ዝናበየ ሕያዋይ ጓሳ እዩ። ንሱ ቃል እግዚአብሔር ኣብ ብርእሱ ስለዝነበረ ንቃሉ ዝተርጎመን አተና ዘትሓዘን እዩ፣ ሥራሕ ካህን ከም ካልአ ክርስቶስ ከአ እዚ እዩ። ማለት “ንክርስቶስ ኣብዚ ሕንፍሽፍሽ ናይ ጊዜና ከምዝህሉን ከምዝርአን ምግባር፣ ከምቲ ክርስቶስ ዝኾነ ንዓልምና ብርሃን ቃል ኣምላኽ ቀንዲ ሥራሕ ካህን እዩ። ስለዚኸስ ካህን ባዕሉ ዝመሃዞ ፍልስፍናን ርእይቶኡን ሓሳቡን ወይ ደስ ዝበሎ ነገርን አይኮነን ዘስተምህር፣ ብዛዕባ ርእሱ አይኮነን ዚናገር፣ እንታይ ደአ፣ ብስም ክርስቶስ ነቲ ኣብ ክርስቶስ ዘሎ ሓዊ ቃል ክርስቶስ የስተምህር” እንክብሉ ተልእኾ ካህን እምብር እምብር ኣብዚ ሕንፍሽፍሽ ዝመልኦ ጊዜ ጐሊሑ ኪረኤ ከምዘለዎ አትሪሮም አማሕጺኖም።








All the contents on this site are copyrighted ©.