2010-04-15 14:00:53

ቻይና፣ ርእደ መሬት


ኣብ ቻይና ኣውራጃ ኪንጋይ 7 ደረጃ ዝዓቐኑ ሓደጋ ርእደ መሬት ከምእተኸስተ እንክንገር ኣርባዕተ ሚእቲ ዝግመቱ ሰባት ንሞት ሕደጋ ከምዘቃልዔን፣ ካልኦት ካብ 8 ሺሕ ንላዕሊ ዝግመቱ RealAudioMP3 ከምእተመዛበሉ ድማ ተገሊጹ። ቅድሚ ክልተ ዓመት ኣብ ኣውራጃ ሲሹዋን ተኸሲቱ ዝነበረ ርእደ መሬት 87 ሺሕ ሕዝቢ ንሞት ሓደጋ ከምዝዳረገን እንክዝከር፣ ነቶም ኣብ ኪንጋይ ብርእደ መሬት ሓደጋ ንዝተጠቕዐ ሕዝቢ ሓገዝ ንምቕራብን ነቲ ኩምሮ ፍርስራስ ንምእላይን በቲ ፍርስራስ ተቐቢሩ ንዝርከቡ ንምውጻእ ሕጹጽ ሓገዝ ንምቕራብ ዘብቅዕ መጋበርያ ሕጽረት ከምዘሎ ይንገር።

ሕዝቢ ነቶም በቲ ፍርስራስ ተቐቢሮም ንዝተርፉ ንምድሓንን ናይ ዝዓረፉ ሬሳ ንምውጻእ ብዘለዎም ዓቕሚ ይረባረቡ ከምዘሎን፣ ልዕሊ 5 ሺሕ ዝግመቱ ኣባላት ምክልኻል ሓደጋ ናብቲ ቦታ ከምእተላእዅ ተገሊጹ። ብዛዕባ እቲ ዝተኸስተ ርእደ መሬት ኣመልኪቶም ኣብ ፔኪንግ ላ ስታምፓ ንእተሰምየ ንናይ ኢጣሊያ ዕለታዊ ጋዜጣ ልኡኽ ጋዜጠይና ፍራንቸስኮ ሲሺ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ፣ እቲ ርእደ መሬት ዝተኸስተሉ ከባቢ ኣዚዩ ርሑቕን ንምብጻሑ እውን ዘጸግም ምዃኑን ምስ ሲሹዋን ክነጻጸረ እንከሎ ብዙሕ ተቐማጦ ዘይብሉ እውን ኢዩ። ድሕሪ እቲ ኣብ 2008 ዓ.ም.ፈ. ዝተኸስተ ርእደ መሬት መንግሥቲ ቻይና ዝኣወጆ ሓድሽ መምርሒ ሕንጸት ኣባይቲ ምኽንያት ኣብ ኪንጋይ ብዙሓት ኣባይቲ ትምህርቲ በቲ ርእደ መሬት ዘይተናወጹ እውን እንተኾነ፣ ገለ ገለ ዝፈረሱ ኣባይቲ ትምህርትን ቤት ሕክምናታትን ናይ ሕዝባዊ ኣገልግሎት መውሃቢ ሕንጻታት ኣለዉ። ናይቲ ከባቢ መንግሥቲ ነቲ መምርሒ መንግሥቲ ዘየኽበሩ ንምልላይ ገበን ናይ ምጽራይ ውሳኔ ከምዘመሓላለፈ ገሊጾም ዝሃብዎ ቃለ ምልልስ ደምደሙ።

ካሪታስ ኢንተርናዚዮናሊስ ናይ እንተ ላእለ ኵሉ ቤተ ክርስትያን ናይ ረድኤት ማኅበር ነቶም በቲ ርእደ መሬት ዝተመዛበሉ ንግዚኡ መዕቆቢ ክረኽቡ ንምድጋፍን ሰብ ሙያ ሕክምና ክለኣኹ ጻውዒት ከምዘቕረበ ናይዚ ናይ ረድኤት ማኅበር ንናይ እስያ ጉዳይ ዝከታተል ቤት ጽሕፈትን ናይ ጀርመን ካሪታስ ሊቀ መንበር ፍራንክ ፋልከንቡርግ ሓቢሮም፣ እዚ ናይ ካቶሊክ ቤተ ክርስትያን ማኅበር ረድኤት ኣብ ሲሹዋን በቲ ቅድሚ ክልተ ዓመት ተኸሲቱ ዝነበረ ርእደ መሬት ዝተጎድኤ ሕዝቢ ብዅሉ መዳይ ቀዋሚነት ክረክብ ዘብቕዕ መደብ ሓገዛን ሕንጸትን የሳልጥ ከምዘሎን ኣብ ኪንጋይ ናይ ረድኤት ኣባላቱ ክልእኽ ምዃኑ ሓቢሮም።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ኣብ ኣውራጃ ጉዋንግ ክሲ ኣብ እትርከብ ከተማ ናን ኒንግ ኣርባዕተ ዲያቆናትተመሃሮ ዘርኣ ክህነት ማዕርገ ክህነተ ከምእተቐብሉን ቅድሚ በዓለ ፋሲካ ኣብ ርእሰ ምምሕዳር ከባቢ ጉኣንክ ሺ እትርከብ ሰበኻ ጂን ናን ኣርባዕተ ተመሃሮ ዘርኣ ክህነት ማዕርገ ድቁና ከምእተቐበሉ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።

ናይ ናን ኒንግ ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ታን ያን ቁዋን ማዕርገ ክህነት ኣብ ዝሃብሉ ሊጡርጊያ ኣብ ዝስሞዎ ስብከት ካህናት ምስ ብጹዓን ኣቡናቶም ክሓብሩን ናይታ ሓዳስ ቃል ኪዳን ካህናት ክኾኑን ወንጌል ከበሥሩን፣ ናይ ሕይወቶም ማእከል ቅዱስ ቁርባን ገይሮም ክህነቶም ክነብሩን ብፍላይ ድማ ኣብዚ ለብዘበን ዝብዕል ዘሎ ዓመት ክህነት እንታይነት ጸዋዕታ ክህነት ብዑምቀት ተመሃሮ ዘርኣ ክህነትን ካህናትን ከስተማቕሩን ክርድኡን ድማ ከምዘተሓሳሰቡ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣመልኪቱ።








All the contents on this site are copyrighted ©.